ኮሮናቫይረስ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ንዝሞቱ ዜጋታቱ 1.4 ቢልዮን ዶላር ልኢኹ

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መንግስቲ ኣመሪካ ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ንዝሞቱ ሰባት 1.4 ቢልዮን ዶላር ከም ዝሰደደ ተቘጻጻርቲ መንግስቲ ሓቢሮም።

እቲ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ብጌጋ ከምዝተሰደን፡ ካልእ ወግዓዊ ጸብጻብ ምስተገብረ ድማ ብዙሓት ተመሳሰልቲ ጸገማት ከም ዝተረኽቡ ተገሊጹ።

ካብ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ ባይቶ ኣመሪካ ንቁጠባ እታ ሃገር ንምሕጋዝ 2.6 ትሪልዮን ዶላር ከምዘሰለዐ ይፍለጥ።

እንተኾነ ግን፡ ነቲ ገንዘብ ኣብ እዋኑ ንምብጻሕ ብተገብረ ህዉኽ ስራሕ እቲ ጌጋ ከም ዝተፈጸመ ተቘጻጻርቲ መንግስቲ ኣመሪካ ሓቢሮም።

ክፍሊ ምምሕዳር ገንዘብ ኣመሪካ፡ ነቲ ናይ ሓገዝ ገንዘብ፡ መዝገብ ናይ ዝሞቱ ሰባት ከይፈተሸ ነቲ ናይ ገንዘብ ቸክ ናብ ስድራ-ቤታት ኣመሪካ ከም ዝልኣኾም ይግለጽ።

ገሊኦም ኣብ ክፍሊ ቐረጽ ዝሰርሑ ግን፡ ነቲ ዝለኣኽ ዝነበረ ጌጋ መልእኽትታት ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ከምዝተዘራረቡሉ ይገልጹ።

እዚ ጸብጻብ ዝተፈልጠ፡ ሓገግቲ ኣካላት መንግስቲ ኣመሪካ፡ ብዛዕባ ካልእ ተወሳኺ ሓገዝ የድሊ ድዩ ኣብ ዝብል ዛዕባ ኣብ ዝማጎቱሉ ዘለው እዋን እዩ ተገሊጹ።

ሰልፊ ደሞክራትን ካልኦት ብዙሓት ክኢላታት ቁጠባን፡ ነዞም ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ስርሖም ዝሰኣኑ ተወሳኺ ገንዘባዊ ሓገዝ ክገብር ኣለዎ ክብሉ እንለው፡ ሰልፊ ሪፓብሊካን ግን ነቲ ሓገዝ ይቃወምዎ ኣለው።

ባይቶ ኣመሪካ፡ ክሳብ ሕጂ ኣስታት 2.6 ትሪልዮን ዶላር ናይ ለበዳ ደገፍ ኣሕሊፉ'ሎ።

ካብኡ እቲ 280 ቢልዮን ንስድራ-ቤታት ኣመሪካ ብቐጥታ ዝወሃብ እዩ።

ብመሰረት ጸብጻብ ኣመሪካ፡ ክሳብ ሕጂ መንግስቲ ኣመሪካ 269 ቢልዮን ናይ ለበዳ ሓገዝ ከፊሉ ከምዘሎ ይግለጽ። ካልእ 500 ቢልዮን ድማ ንትካላት ብልቓሕ ተዋሂቡ ከምዘሎ ጸብጻባት ይሕብሩ።