ትራምፕ፡ ዝተኸልከለ መድሓኒት ኮሮናቫይረስ “ይሰርሕ’ዩ” ኢሉ ይምጉት

ዶናልድ ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ሃይድሮክሲክሎሮኪን ዝበሃል መድሓኒት ዓሶ፡ ንኮሮናቫይረስ ክከላኸል ይኽእል እዩ ብዝብል ተስፋ፡ ፈተነታት ይግበር ነይሩ።

ጸኒሑ ግን፡ ኣብ ኣመሪካ እቲ መድሓኒት ብወግዒ ንሕክምና ኮሮናቫይረስ ከይውዕል ተኸልኪሉ እዩ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ብዛዕባ’ዚ መድሓኒት እዚ ደጋጊሙ እዩ ዝዛረብ ነይሩ።

ሕዚ’ውን፡ ዋላ’ኳ እቲ መድሓኒት ኣብ ጥቕሚ ከይውዕል፡ ሰብመዚ ጥዕና ኣመሪካ እንተኸልከሉ፡ ፕረዚደን ትራምፕ ግን፡ "እቲ መድሓኒት ይሰርሕ እዩ" ዝብል ሓሳብ የንጸባርቕ ኣሎ።

እኳደኣስ፡ እቲ መድሓኒት ተኸልኪሉ ዘሎ "ነቲ ሓሳብ ኣነ ስለዘቕረብኩዎ እዩ" ይብል።

ትራምፕ ነዚ ዝበለ፡ ዓብዪ ወዱ፡ ኣብ ትዊተር ነቲ መድሓኒት ዘወዓውዕ ቪድዮ ድሕሪ ምጥቅዑን፡ ትዊተር ድማ ነዚ ቪድዮ ድሕሪ ምእላዩን እዩ።

እቲ መድሓኒት፡ ካብ ኮሮናቫይረስ ከምዝከላኸል ዝኾነ መርትዖ የለን። ውሕስነት መድሓኒት ዝቆጻጸሩ ኣካላት ድማ፡ ናይ ልቢ ጸገም ክፈጥር ከምዝኽእል እዮም ዘጠንቅቑ።

ውድብ ጥዕና ዓለም’ውን፡ እቲ መድሓኒት ካብ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ኮነ ኮሮናቫይረስ ንምሕካም ዘኽእል ዓቕሚ ከምዘለዎ ዘርእይ “ኣብ’ዚ እዋን መርትዖ የለን” እዩ ዝብል።

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ትካል ምርምር ጥዕና ኣመሪካን ካልኦት ሃገራትን ኣብ ዝገበርዎ መጽናዕቲ፡ ሃይድሮክሲክሎሮኪን ከም’ቲ ትራምፕ ዝብሎ ንኮሮናቫይረስ ንምሕካም ክውዕል ከምዝኽእል ዘርእይ መረዳእታ ኣይረኸቡን።

ወዲ 74 ዓመት ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ነቲ መድሓኒት ምስ ኮሮናቫይረስ ብዝዛመድ ከወዓውዖ ዝጀመረ፡ ኣብ መጋቢት እዩ።

ድሕሪ 2 ወርሒ ድማ፡ ኮሮናቫይረስ ከይቐርቦ ነቲ መድሓኒት ይውሕጥ ምህላዉ፡ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ ነይሩ።

ትማሊ ሰሉስ ድማ “ብወገነይ፡ ኣብ ብዙሕ ንባብን ብዙሕ ፍልጠትን ተደሪኸ ዝዛረቦ፡ ኣብ ፈላማይ ደረጃ ናይቲ ሕማም እወንታዊ ለውጢ ከምጽእ ከምዝኽእል እዩ” ክብል ንጋዜጠኛታት ተረሪቡ።

ወሲኹ ድማ “ኣነ ዝኾነ ሓሳብ እንተቕሪበ፡ ‘ከይትጥቀምዎ’ ምባል እዩ ዝቐንዖም” ኢሉ።

ኮሮና
ኮሮና