ኮሮናቫይረስ፡ ህንዲ ኣጊዳቶ ዝነበረት መድሓኒት ዓሶ ክተቕርብ ምዃና ኣፍሊጣ

መድሓኒት ዓሶ - 'ሃይድሮክሲክሎሮኪን'

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ከምዝሓበሮ፡ ህንዲ 'ዘድሊ መጠን' መድሓኒታት (ኣፋውስ) ሃይድሮክሲክሎሮኪንን ፓራሴታሞልን ክተቐርብ እያ።

እዚ ቀረብ ኣፋውስ ንጎረባብቲ ሃገራትን፡ ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣዝየን ንዝተጠቕዓ ሃገራትን ከምዝውዕል፡ እቲ ሚኒስትሪ ገለፁ።

ህንዲ መድሓኒት ዓሶ ዝኾነ ሃይድሮክሲክሎሮኪን ኣብ ኣገልግሎት ከይውዕል ኣጊዳቶ እያ ፀኒሓ።

ዶናልድ ትራምፕ፡ እንተድኣ ህንዲ ኣብ መኽዘና ዘሎ መድሓኒት ሃይድሮክሲክሎሮኪን ዘይለቒቓቶ፡ ሃገሩ ሕነ ከምትፈድይ፡ ትማሊ ሰኑይ ኣጠንቂቑ ነይሩ።

ነቲ መድሓኒት ድማ ኣንጻር ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝግበር ቃልሲ "ፀዋታ ቐያሪ" ክብል ገሊጽዎ።

ምስ መድሓኒት ክሎሮኪን ኣዝዩ ተመሳሳሊ ዝኾነን ነዊሕ ዓመታት ዘቑጸረን ሃይድሮክሲክሎሮኪን፡ ፍቱን መድሓኒት ዓሶ እዩ።

ይኹን'ምበር ንኮሮናቫይረስ መድሓኒት ክኸውን ይኽእል'ዶ ዝብል ግና ዛጊድ ንፁር ኣይኮነን።

ብዛዕባ ቫይረስን ናይ ረኽሲ ሕማማትን ዘፅንዑ ብዙሓት ሰብሞያ እውን፡ ሃይድሮክሲክሎሮኪን መድሓኒት ኮቪድ-19 ክኸውን ይኽእል እዩ ንዝብል ሓሳብ ብዙሓት፡ ዘይበሰለን ብኣግባቡ ዘይተፈተነን እዩ ብምባል የጠንቅቑ።

ኮሮና
ኮሮና