ኤርትራ፡ ሓደ ካብ መስረቲ ህዝባዊ ግንባር ገዲም ተጋዳላይ ሮሞዳን መሓመድ ኑር ብሕማም ዓሪፉ

ምንጪ ስእሊ, Yemane Gebremeskel
ሓደ ካብ መስረትቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ህዝባዊ ሓይልታትን ህዝባዊ ግንባርን ዝኾነ ገዲም ተጋዳላይ ሮሞዳን መሓመድ ኑር ኣብ መበል 83 ዓመቱ ትማሊ ከምዝዓረፈ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣፍሊጡ።
ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ኣቶ ሮሞዳን ብሕማም ከምዝዓረፈ ጠቒሱ።
እቲ ዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ብምዃን ንነዊሕ ዓመታት ዝመርሐ ኣቶ ሮሞዳን፡ ብረቡዕ 29 ታሕሳስ 2021 ኣብ ከተማ ካርቱም፡ ሱዳን ብሞት ምፍላዩ ማዕከናት ዜና መንግስቲ ሓቢረን።
"መንግስቲ ኤርትራን ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራሲን ፍትሒን፡ ብመስዋእቲ ኣብነታዊ መራሒን ገዲም ተቓላሳይን ተጋዳላይ ሮሞዳን መሓመድኑር ዝተሰመዖም መሪር ሓዘን እናገለጹ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንስድራቤቱን መቓልስቱን 'ጽንዓት ይሃብኩም' ይብሉ" ብምባል ሚኒስትሪ ዜና ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ገሊጹ።
ፈለማ ምስላፍ ናብ ቃልሲ- ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ
ሮሞዳን መሓመድ ኑር፡ ሓደ ካብቶም ንህዝቢ ዓለምን ጎረባብትን ወጽዓ ህዝቢ ኤርትራ ዝነግሩ ዝነበሩ ንጡፋት መንእሰያት ማሕበር ተማሃሮ ካይሮ ኮይኑ ክንቀሳቐስ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 1964 ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ።

ምንጪ ስእሊ, Yemane Geberemeskel
ኣብ 1966 ኣብታ ኣብ ሰምሃርን ደንከል እትንቀሳቐስ ዝነበረት ራብዓይቲ ክፍሊ ከም ኮሚሽነር እታ ክፍሊ ኮይኑ ኣገልጊሉ። ኣብቲ እዋን እቲ ሰውራ ኤርትራ ኣብ ሓሙሽተ ክፍልታት ተወዲቡ እዩ ዝንቀሳቐስ ነይሩ።
ኣብ 1967 ምስ ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ካልኦት ተጋደልትን ፖለቲካውን ወተሃደራውን ትምህርቲ ክቐስሙ ናብ ቻይና ካብ ዝኸዱ ተጋደልቲ ሓደ ነበረ።
ካብ ቻይና ምስተመልሰ እቲ ካብ ቃልሲ ኣልጀርያ ዝተቐድሐ ናይ ክፍልታት ምውድዳብ ዓሌታውን ሃይማኖታዊ ስምዒታትን ክፈጥርን ብግብሪ እውን ነቲ ቃልሲ ክዕንቅፎን ስለዝጀመረ ሓደ ካብቶም ንውህደት ዝደፍኡ ተቓለስቲ ነበረ።
ነቲ ውህደት ብዙሓት ተጋደልቲ ስለዝደፍኡሉ፡ ካብ 1968 ከሳብ 1969 ኣብ ዝነበረ ግዜ 3ይቲ 4ይትን 5ይን ክፍልታት ክሓብራ እንከለዋ ሮሞዳን ብስራሕ ኣብ ወጻኢ እንከሎ ኣባል መሪሕነት ኮይኑ ተመርጸ። እንተኾነ ኣብቲ ውህደት ምስ ዘይተጸንበራ 1ይትን 2ይትን ክፍልታት ኣብ ሜዳ ኵናት ሓድሕድን ስለዝተባርዐ ሮሞዳን ብፍቓዱ ካብቲ መሪሕነት ስሒቡ።
ምምስራት ህዝባዊ ሓይልታት
ምስ ሓያሎ ሃገራት አዕራብ ብፍላይ ከኣ ምስ ደቡብ የመን ጥቡቕ ዝምድናን ርክብን ስለዝነበሮ፡ ካብ ሃድን ተሓኤ ኣምሊጦም ንዝተበታተኑ ተጋደልቲ ኣብ ዓደን እናኣከበ፡ ኣብ ምምስራት ቀዳማይ ወገን ህዝባዊ ሓይልታት ልዑል ተራ ተጻወተ።

ምንጪ ስእሊ, Yemane Geberemeskel/Twitter
ኣብ 1970 ከኣ መራሒ ናይቶም ካብ ዓደን ብሸነኽ ደንከል ዝኣተው ቀዳማይ ወገን ህዝባዊ ሓይልታት ኮይኑ ቃልሱ ቀጺሉ።
ኣብ ሓምለ 1971፡ ቀዳማይ ወገን ኣብ ዘካየዶ ዋዕላ እምባህራ (ሃበሮ፡ ሰሜን ካብ ከረን) ኣቦመንበር ናይቲ ምግምማዕ ኣጋጢምዎ ዝነበረ ጉጅለ ኮነ።
ኣብ ወርሒ ነሓሰ 1973 ምስታ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምስ ዝመርሓ ዝነበረ ካልኣይ ወገን ህዝባዊ ሓይልታት ምስ ሓበሩ ከኣ ኣባል መሪሕነት ኮይኑ ቀጺሉ።
ኣብ ሰነ 1974 እዋን፡ ሓደ ብሓልታት ሓርነት ኤርትራ (ዑበል) ዝፍለጥ ፍንጫል ሓይሊ ምስ ክልቲኦም ወገናት ህዝባዊ ሓይልታት ተጸንበረ።
ዋና-ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ
ኣብ 1977 ሰለሰቲኦም ዝሰመሩ ወገናት ጉባኤ ብምክያድ ሓደ ውድብ መስረቱ- ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህግሓኤ)።
ኣብቲ ዝተኻየደ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ህግሓኤ ከኣ ሮሞዳን ኣባል ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈትን ዋና ጸሓፊን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ኮይኑ ክምረጽ እንከሎ፡ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከኣ ምክትሉ ኮይኑ።

ምንጪ ስእሊ, Yemane Gebermeskel
እንተኾነ እቲ ውድብ ንኣባላት ግንባር ብዘይግለጽ ሕቡእ ሰልፊ ይምራሕ ስለዝነበረ፡ ኣቦ መንበርን ሓላፍን እታ ሕብእቲ ሰልፊ ከኣ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብምንባሩ ሮሞዳን ብስም እምበር ብግብሪ መራሒ ናይቲ ውድብ ከምዘይነበረ ቀረባ ብጾቱ ይሕበሩ።
ክልቲኦም ገለ ካብ መስረቲ ኣባላት ናይቲ ጸጋማዊ ስነ-ሓሳብ ዝኽተል ዝነበረ ሰልፊ ምንባሮም ይፍለጥ።
እንተኾነ ግን፡ ሮሞዳን ብዓይኒ ናይቲ ሃለዋት ምስጢራዊት ሰልፊ ዘይፈልጡ ሓፋሽ ተጋዳላይን ህዝብን ዓቢ ህቡብነትን ተፈላጥነትን ከምዝነበሮ ይፍለጥ።
ኣብ 1987 ኣብ ዝተኻየደ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር፡ ቅርጺ ናይቲ ውድብ ስለዝተቐየረን ጽፍሒ ምክትል ዋና-ጸሓፊ ስለዝፈረሰን፡ ኣባል ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ጥራይ ኮይኑ ቀጺሉ።
ድሕሪ ሓርነት ኤርትራ ዝነበሮ ግደ
ድሕሪ ናጽነት ላዕለዋይይ ሓላፊ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ጨንፈር ፍትሒ፡ ኣመሓዳሪ ኣውራጃ ደንከል ከምኡ'ውን ሚኒሰተር ፍትሒ ኮይኑ ክሳብ ቀዳማይ ርብዒ ዓመት 1994 ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ኣገልገለ።
ኣብ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ግን፡ እቲ ሊስታ ናይ ሓለፍቲ ዝመርጽ ኢሳይያስ፡ ንሮሞዳን ኣብ ስልጣን ክመጽእ ስለዘይደለዮ፡ ከም ሃይለ ወልደንሰአ (ድሩዕን) ብጾቱን ክብረቱ ንምሕላው ኢሎም ብገዛእ ፈቓዱ ስልጣኑ ከምዝገደፈ ዝገልጽ ደብዳብ ብምንባብ ካብ መሪሕነት ክፋኖ ከምዝተገብረ ይንገረሉ።
ካብ ሽዑ ንደሓር ኣብ ህዝባውን ሃገራውን በዓላት ከም ገዲምን ኣቦ ቃልስን ኮይኑ ሃገራዊ ሓላፍነቱ ይዋጻእን ኣብ ሓደ ሓደ ናእሽቱ ንጥፈታት ይዋሳእ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Yemane Gebremeskel
መብዛሕትኡ እዋን፡ ኣብ ወግዓዊ ሃገራዊ ጽንብላት ኣብ ጎኒ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ይረአ ነይሩ። ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ህግደፍን ይረአን ሓዘኑ ክገልጽ ይስማዕን። ሓሓሊፉ'ውን ቃለ-መሕትት የካይድ ነይሩ።
ሮሞዳን ከም ባህሪ፡ ብሄር፡ ሃይማኖት፡ ዓሌት ዘይፈሊ ንዜጋታት ብፍትሕን ማዕርነትን እተናብር ሕብርትን ስልጥንትን ኤርትራ ክርኢ ዝብህግ ሓላልን ርህሩህን ተጋዳላይ ምንባሩ ናይ ቀረባ ብጾቱ ይምስክሩ።
ይኹን እምበር ይብሉ ብጾቱ፡ ዝለዓለ ሓላፍነት ናይቲ ውድብ ተሰኪሙ ክነሱ ነቲ ብልቡ ዝኣምነሉ ጽኑዕ መትከሉ ንምትግባር ንሰባት ብምጽላው ኣብ ጎድኑ ከሰልፍን ንዝሓስቦ ነገራት ኣብ ምፍጻም ብቕዓት ከምዘይነበሮ ይገልጹዎ።
ካብ ንጡፍ ፖለቲካዊ ተሳታፍነት ድሕሪ ምውጽኡ፡ መነባብርኡ ኣብ ከተማ ባጽዕን ኣስመራን ብምግባር ናይ ውልቁ ሂወት ክመርሕ ጸኒሑ።
ኣቶ ሮሞዳን መሓመድ ኑር፡ 6 ውሉዳት ከምዘለውዎ ይግለጽ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







