ኤርትራ: ኣዛዚ ማእከል ስልጠና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ነበር ብ/ጀነራል ነጋሽ ተስፋጼን ዓሪፉ

ብ/ጀነራል ነጋሽ ተስፋጼን

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/Twitter

ኣዛዚ ማእከል ስልጠና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ነበር: ገዲም ተጋዳላይ: ብ/ጀነራል ነጋሽ ተስፋጼን ኣይበል፡ ብ18 ሕዳር 2021 ኣብ መበል 84 ዓመት ዕድሚኡ ዓሪፉ።

ጀነራል ነጋሽ ተስፋጼን፡ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ፡ ኣብ ኣሃዱ ከቢድ ብረትን ክፍሊ ወተሃደራዊ ስልጠናን ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ሓላፍነት፣ ካብ 1985 ክሳብ 1987 ከም ኣዛዚ ክፍሊ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ፣ ካብ 1987 ክሳብ ዕለተ ናጽነት ድማ ኣዛዚ ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ኢብራሂም ዓፋ ኰይኑ ኣገልጊሉ።

ድሕሪ ናጽነት፡ ጀነራል ነጋሽ፡ ኣዛዚ ቤት-ትምህርቲ መኰንናት፣ ኣባል ኮሚሽን ቅዋምን ምኽትል ኣዛዚ ማእከል ስልጠና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን፣ ካብ 2000 ክሳብ 2013 ከኣ ኣዛዚ ማእከል ስልጠና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኮይኑ ን44 ዓመታት ሰሪሑ።

ቅድሚ ናብ ቃልሲ ምጽንባሩ ኣብ ኢትዮጵያን ሃገራት ወጻእን ልዑል ወተሃደራዊ ትምህርቲ ዝቐሰመ ጀነራል ነጋሽ: ወዲ ሰብ ብሕጊ እንተዘይተቐይዱ ካብ እንስሳ ስለዘይፍለ ኩላትና ኣብ ቅድሚ ሕጊ ብማዕርነት ክንዳነ ኣለና ዝብል ጽኑዕ እምነት ከምዝነበሮ ብጾቱ ይገልጹ::

ብ/ጀነራል ነጋሽ ተስፋጼን ዓሪፉ

ምንጪ ስእሊ, Thomas

ሓደ ካብ ቀረባ መሳርሕተቱ ኣባል ሓይልታት ስልጠና ነበር ዳንኤል ጋርዛ "ጀነራል ነጋሽ ንዝኣመነሉ ነገር ብዲስፕሊንን ብተዋፋይነትን ዝሰረሐ ሰብ፡ ኣብ ኤርትራ ሞያዊን ትካላውን ሰራዊት ንክትከል ዝጸዓረ ሰብዩ፡ ናይ ቀጥታ ሓላፍየይ ስለዝነበረ፡ ድሌቱን እምነቱን እፈልጦ እየ" ክብል ዘለዎ ዝኽሪ ጽሒፉ።

ስነ-ስርዓት ቀብሩ ሎሚ 19 ሕዳር ሰዓት 10፡00 ቅድሚ-ቐትሪ፡ ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ከምዝተፈጸመ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቃሊሐን።

ብ/ጀነራል ነጋሽ ተስፋጼን፡ ኣቦ ሓንቲ ውላድ እዩ::

ኣብ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብመዓርግ ሻለቃ እናገልገለ ኣባል ደርግ ክኸውን ተመሪጹ: ብስራሕ ንጀርመን ምስተላእከ ስርዓት ደርግ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ንዝፍጽሞ ዝነበረ ግፍዒ ብምቅዋም ኣብ ነሓሰ 1977 ናብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ።

ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Gebremeskel/Twitter

ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ) ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ኣብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ኣኼባታት ንምግባር ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ኣብ መበል 74 ዕድሚኡ ብሰንበት 14 ሕዳር ድሕሪ ምዕራፉ፡ ስነ-ስርዓት ቀብሩ ብረቡዕ ምፍጻሙ ይዝከር።