ሓደ ካብ መስረትቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝኾነ ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ኣብ ስዑዲ ዓሪፉ

ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Gebremeskel/Twitter

መግለጺ ስእሊ, ከም ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ) ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ኤርትራ ዝኸነ ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ

ከም ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ) ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ኤርትራ ዝኾነ ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ኣብ መገሻ ከምዝዓረፈ ተገሊጹ።

ኣቶ ኣልኣሚን፡ ኣብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ኣኼባታት ንምግባር ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ብሰንኪ ዘጋጠሞ "ሃንደበታዊ ሕማም" ኣብ መበል 74 ዕድሚኡ ብሰንበት 14 ሕዳር ከምዝሞተ ሚኒስተር ዜና ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ኣፍሊጡ።

ሓደ ካብ መስረትቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝኾነ ኣቶ ኣልኣሚን፡ ቅድሚን ድሕርን ሓርነት ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለዩ ላዕለዎት ጽፍሕታት ሓላፍነት ዘገልገለ'ዩ።

ድሕሪ'ቲ ኣብ 1994 ኣብ ናቕፋ ዝተኻየደ 3ይ ውድባዊ ጉባኤ ከኣ ኣብ ትሕቲ ኣቦ መንበር ኮይኑ ዝተመረጸ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ላዕዋይ ሓላፊ ናይቲ ስሙ ካብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ናብ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ዝቐየረ ውድብ ብምዃን ክሳብ ዕለተ ሕልፈቱ ክሰርሕ ጸኒሑ።

ኣብታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ስሙ ዘይተገልጸ ሆስፒታል "ጽኑዕ ሕክምናዊ ክንክን" ክግበረሉ ድሕሪ ምጽንሑ ከምዝዓረፈ ማዕከናት ዜና መንግስቲ ሓቢረን ኣለዋ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ፡ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት እታ ሃገርን እቲ ዞባን ኣብ ዝምልከት ዛዕባታት ዓበይቲ ሰሚናራትን ኣኼባታትን ከካይድ ምጽንሑ ጸብጻባት ይጠቕሱ።

ቅድሚ ምዕራፉ ኣብ ከተማ ሪያድ ንዝርከቡ ዜጋታት ኤርትራ ሰፊሕ ሰሚናር ኣካዪዱ ምንባሩ ጸብጻባት ይገልጹ።

ቅድሚ ምዕራፉ ኣብ ከተማ ሪያድ ንዝርከቡ ዜጋታት ኤርትራ ዘካየዶ ሰሚናር

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/Twitter

መግለጺ ስእሊ, ቅድሚ ምዕራፉ ኣብ ከተማ ሪያድ ንዝርከቡ ዜጋታት ኤርትራ ዘካየዶ ሰሚናር

ኣቶ ኣልኣሚን፡ ኣብ ከባቢ ዓመተ 2000 ኣብ መንጎ ላዕለዎት መራሕቲ መንግስትን ህግደፍን ምምቕቓል ምስ ተፈጥረ፡ ነቶም ብጉጅለ-15 ዝፍለጡ ብጾቱ ብምኹናን ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዝወገነ ምዃኑ ይፍለጥ።

ኣብ 2018 ምስ 'ኤምባሲ ሜድያ ኤርትራ" ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት "ሰብኣዊ መሰል ዘኽብር ኣብ ዓለም እታ እንኮ [ሃገር] ዘላ ኤርትራ'ያ" ከም'ውን "መሰል ናይ ሃይማኖት ኣብ ኤርትራ'ዩ ዘሎ" ክብል ምዝራቡ ክንቀፍ ጸኒሑ'ዩ።

ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት መንግስቲ ኤርትራ እሱራት ምስዋርን፡ ምእጋድ ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስትናን ዝርከብዎ ምግሃስ መሰላት ከምዝፍጸም ይኸሱ።

ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድኣልኣሚንመን'ዩ?

ኣብ 1966 ናብ ተሓኤ ዝተሰለፈ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ፡ ሓደ ካብ መስረትቲ ኣባላት እቲ ኣብ 1970 ዝቖመ ህዝባዊ ሓይልታት እዩ።

ኣብ 1977 ኣብ ዝተገብረ ቀዳማይ ውድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር ኣባል ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ኮይኑ ተመሪጹ። ብድሕሪኡ ሓላፊ ናይ ወጻኢ ዝምድናታት ኮይኑ ተመዲቡ ኣብ በይሩትን ፈረንሳን ሰሪሑ።

ኣብ 1987 ኣብ ዝተገብረ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ እውን ኣባል ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት ኮይኑ ምስ ተመርጸ ምስቲ ኣብዚ እዋን ኣብ ማሕዩር ተሰዊሩ ዘሎ ሚኒስተር ወጻኢ ኤርትራ ነበር ሃይለ ወልደትንሳኤ [ድሩዕ] ብምዃን ንክፍሊ ሃገራዊ መርሓ መሪሑ።

ኣብ 1988 ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ጂሚ ካርተር ንህዝባዊ ግንባርን ስርዓት ደርግ ንከዛቲ ኣብ ዝወሰዶ ተበግሶ ንህዝባዊ ግንባር ወኪሉ ተሳቲፉ።

ኣብ 1994 ኣብ ናቕፋ ኣብ ዝተጋብአ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ከኣ ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ኮይኑ ክሳብ ካብ ዓለም ዝፍለ ኣገልጊሉ።

ኣልኣሚን፡ ሰውራ ኤርትራን ሕድገት ዘየፍቅድ መሰልን ዝብላ ክልተ መጻሕፍቲ ብቋንቋታት ዓረብን ትግርኛን ጽሒፉ ዘርጊሑ ነይሩ።

ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ

ምንጪ ስእሊ, Yemane G. Meskel/Twitter

ህግደፍ ኣብ ትሕቲ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ

እቲ ኤርትራ ንበይኑ ስልጣን ጨቢጡ ዝርከብ ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን (ህግደፍ) ድሕሪ ለካቲት 1994 ውድባዊ ጉባኤ ዝብሃል ኣየካየደን።

ኣቦመንበር እቲ ውድብ ዝኾነ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብታ ሃገር ካብ ህዝባዊ ግንባር ወጻኢ ካልእ ፖለቲካ ክህሉ ከምዘይክል ብምግላጽ፡ ብዙሕነት ሰልፍታት ፖለቲካ ከይህሉ ከልኪሉ ይርከብ።

ኣብ 2001 ገለ ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቲ ውድብን መንግስትን፡ ፈጸምቲ ኣካላት እቲ ውድብን ንሱ ዝቆጻጸሮ መንግስትን ተሓታትነት የጉድሉ ኣለዉ ክብሉ ብምኽሳስ፡ ምዱብ ኣኼባታቶም ከካይዱ ድሕሪ ምጽውዖም ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ይዝከር።

ኣቶ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ካብቶም ምስ ፕረዚደንት ዝወገኑ መራሕቲ ህግደፍ ብምዃን ነቶም ነቐፌታ ዘቕረቡ ኣባላት ጉጅለ-15 ኣብ ምኹናን ከምኡ'ውን ብክድዓት ምኽሳስ መሪሕ ተራ ዝነበሮ'ዩ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ውድብ ህግደፍ፡ ሓጋጊ ኣካሉ ዝኾነ ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚ ኣካልን ብዘይወግዓዊ ኣገባብ ደስኪሎም ይርከቡ።፡ ኣባላቶም፡ ገለ ኣብ ማእሰርቲ ተሰዊሮም፡ ገለ ሞይቶም፡ ገለ ካብቶም ዝተረፉ ድማ ኣብ ስደት ይርከቡ።

ህግደፍን ትካላቱን ንቁጠባ ኤርትራ ብሒቱ ተባሂሉ'ውን ይውቀስ'ዩ። እቲ ወቐሳ ግን ንረብሓተት ሓያላት ሃገራት ስለዝበድሀ ዝቐርብ ምዃኑ'ዮም ካድረታቱ ክዛረቡ ዝስምዑ።

ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ልዕሊ በቲ ውድብ ዝውነኑ ማዕከን ሕድርን ኣብ ትሕቲኡ ዝመሓደሩ ከም ቀይሕ ባሕሪ ዝበሉ ኩባንያታትን ትካላትን ንግዲ እገዳ ከምእትገብር ኣፍሊጣ ነይራ።

እቲ ምስ ቅልውላዉ ሰሜን ኢትዮጵያ ብዝተሓሓዝ ዝተገብረ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝርከብ ገንዘብን ሃብትን ናይ ምድስካል ማዕቀብ፡ ንኣካያዲ ናይተን ትካላት ዝኾነ ሓላፊ ቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ ሓጎስ ገብረሂወት'ውን ዘጠቓለለ'ዩ።