ኤርትራ፡ ኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታ ኣብ መበል 75 ዓመቱ ዓሪፉ

ኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታ

ምንጪ ስእሊ, Yemane Gebremeskel

መግለጺ ስእሊ, ኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታ

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣምባሳደር ኤርትራ ኮይኑ ዝሰርሐ ኣቶ ኣርኣያ ደስታ ብሕማም ከምዝዓሪፉ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ሎሚ ብትዊተር ሓቢሩ።

ኣብ 1945 ዝተወለደ ኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታ ኣብ 1981 ናብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ኾይኑ፡ ብድሕሪኡ ድማ ኣብ ሃገራት ስዊድንን ቻይናን ከምኡ'ውን ኣብ ኮምሽን ቁጠባ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኣፍሪቃን (UNECA) ኣብ ሕቡራት ሃገራትን ቀዋሚ ወኪል ኤርትራ ኮይኑ ሰሪሑ።

ስነስርዓት ቀብሪ ኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታ 6 ሰነ 2021 ኣብ መቃብር ሓርበኛታት ኣስመራ ከምዝፍጸም ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ሓቢሩ ኣሎ።

ኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታ፡ ቀዋሚ ወኪል ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ከምኡ'ውን ኣብ ኮምሽን ቁጠባ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኣፍሪቃን ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ እዩ።

ካብ 1994 ክሳብ 2001 ኣብ ቻይና ቆንስል ናይ ኤርትራ ኮይኑ ዝሰርሓ ኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታ ማዕረ ማዕሪኡ ካብ 1997 ክሳብ 2002 ቀዋሚ ወኪል ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ ሰሪሑ።

ጸኒሑ'ውን ካብ 2006 ክሳብ 2014 ቀዋሚ ወኪል ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ ዳግማይ ተመዚዙ።

ኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታ

ምንጪ ስእሊ, Yemane Gebremeskel

መግለጺ ስእሊ, ኣምባሳደር ኣርኣያ ደስታ

ካብ 2002 ክሳብ 2005 ኣብ ዝነበረ ግዜ ቀዋሚ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ስዊድን ብምግባር ቀዋሚ ኣምባሳደር ኣብ ሃገራት ዴንማርክ፡ ኖርወይ፡ ስዊድን፡ ፊንላንድን ኣይስላንድ ካልኦትን ሃገራት ዝሓቆፈ ዞባ ኖርዲክ ኮይኑ ሰሪሑ።

ኣምባሳደር ኣርኣያ ደሰታ ካብ 2014 ጀሚሩ ክሳብ ዕለተ ሞቱ፡ ቀዋሚ ወኪል ኤርትራ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ኮምሽን ቁጠባ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኣፍሪቃን ኮይኑ ዝሰርሕ ዝነበረ እዩ።