ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ሻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ክትሳተፍ’ያ

ጋንታ ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, Yemane G/Meskel

ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ካብ መጋቢት 22 ክሳብ 27፡ ግብጺ ኣብ እተአንግዶ ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ፡ ክትሳተፍ'ያ።

ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣብቲ ኣብ ግብጺ ከተማ ሻርም ኣል ሸኽ፡ ዝካየድ ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ከም እትሳተፍ፡ ሃገራዊ ፈደርሽን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ሃገራዊ ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ ኣቶ ገብረትንሳኤ ዳምር፡ ኤርትራ ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር፡ ብኽልቲኡ ጾታ ኣብ ናይ ልዕሊ ዕድመ፣ ትሕቲ 23 ዓመትን ጁንየርን ከምእትሳተፍ ነታ ንተለቪዥን ኤርትራ (ኤሪ ቲቪ) ገሊጹ።

ሃገራዊት ቅድድም ብሽክልታ ኤርትራ ኣብ ናይ ጋንታ ናይ ግዜ ውድድር ብናይ መንእሰያት (ጁንየር) ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ከምኡ'ውን ብናይ ዓበይቲን ( ሲንየር) ናይ ትሕቲ 23 ዓመትን ብክልቲኡ ጾታ ክትሳተፍ'ያ።

ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ናይቲ ውድድር'ውን ብናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር ብናይ መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ከምኡ'ውን ብናይ ዓበይትን ናይ ትሕቲ 23 ዓመት ብክልቲኡ ጾታ ክትሳተፍ እያ።

ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ብ'ሚክስድ ሪለይ' ዝፍለጥ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ተሓናፊጾም ዘካይድዎ ውድድር ክካየድ'ዩ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ'ውን ኣብዚ ውድድር ክትሳተፍ ምዃና ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብ ራብዓይ መዓልቲ ናይ መንእሰያት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ናይ ጽርግያ ውድድር ክካየድ'ዩ፤ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብዚ ውድድር'ውን ክትሳተፍ'ያ።

ኣብ ሓሙሻይን ናይ መወዳእታን መዓልቲ ናይቲ ውድድርን፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ናይ ዓበይትን ናይ ትሕቲ 23 ዓመትን ከምኡ'ውን ናይ ደቂ ተባዕትዮ ናይ ዓበይትን ትሕቲ 23 ዓመትን ውድድር ብምክያድ እቲ ውድድር ክዛዘም'ዩ።

ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሸክለታ ኤርትራ፡ ካብ መጀመርያ መርሒ መጋቢት ኣትሒዛ ብሓባር ተጠርኒፋ ናይ ሓባር ልምምድ ትገብር ምህላዋ ተገሊጹ።

ናይ ትሕቲ 23 ዓመትን ልዕሊ ዕድመን 8 ተቐዳደምቲ ዘሰልጥን፡ ሳምሶም ሰለሙን ክኸውን እንከሎ፡ ንሃገራዊት ጋንታ ደቂኣስትዮ ዮናስ ዘካርያስ፡ ንናይ ጁኒየር ተቐዳደምቲ ኸኣ ዮሴፍ ተኽላይ የሰልጥንወን ምህላዎም ተሓቢሩ።

30 ኣባላት ዝሓዘት ሃገራዊት ጋንታ ቅድድም ብሽክለታ ኤርትራ 20 መጋቢት ናብ ግብጺ ከተምርሕ ምዃና ተገሊጹ ኣሎ፡፡

ቻምፕዮን ቅድድም ብሽክልታ ኣፍሪቃ ኣብ ቡርኪናፋሶ ክካየድ'ኳ ኣቐዲሙ ውጥን ወጺኡ እንተነበር፡ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ለካቲት ህሉው ፓሎቲካዊ ኩነታት ቡርኪናፋሶ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ግብጺ ንኽካየድ ፈደረሽን ቅድድም ብሽክለታ ኣፍሪቃ ውሳነ ምሕላፉ ይዝከር።

ኣብ ዓመት 2021 ብደረጃ ሃገራውያን ጋንታታት ቀዳመይቲ ከምኡ'ውን ብመንገዲ ቢንያም ግርማይ ቀዳመይቲ ዝተሰመየት ኤርትራ ኣብቲ ካብ 20 ክሳብ 27 ለካቲት 2022 ዝተኻየደ ዙር ርዋንዳ ተቐዳደምቲ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ እቲ ውድድር ዝጠልቦ ክታበት ጸረ ኮሮናቫይርስ ከማልኡ ብዘይምኽኣሎም ካብቲ ዓቢ ውድድር ምብኳራ ዝዝከር እዩ።

እንተኾነ ምስ ጣልያናዊት ጋንታ ድሮን ሆፐር ኣድሮኒ ጂካቶሊ ዝወዳደር ዕዉት ዙር ርዋንዳ 2020 ናትናኤል ተስፋጽዮን ነቲ ውድድር ደጊሙ ኣብ 2022 ክዕወተሉ ምኽኣሉ ብኩራታ ብዓወት ናትናኤል ተስፋጽዮን ክድበስ ክኢሉ'ዩ።