ቻምፕዮና ብሽክሌታ ኣፍሪቃ 2018፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን መዳልያታት ይዓትራ

ምንጪ ስእሊ, Mekseb
ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብቲ ኣብ ርዋንዳ ዝካየድ ዘሎ ቻምፕዮና ውድድር ብሽክሌታ ኣፍሪቃ ዓወታት ይጎናጸፋ'ለዋ።
መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ኪጋሊ፡ ርዋንዳ ዝካየድ ዘሎ ዉድድር ቅድድም ብሽክሌታ ኣፍሪቃ: ሎሚ ዝተኻየደ ናይ ጁንየር ዕድመ ዉድድር ደቂ-ተባዕትዮን ደቂ-ኣንስትዮን ብኤርትራዉያንን ኢትዮጵያውያንን ተቐዳደምቲ ተዓብሊሉ ዊዒሉ።
ኣብቲ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ቅድድም፡ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ ቀዳማይ ብምዉጻእ ወርቂ መዳልያ ክሽለም እንከሎ ናታን መድሃንየ ድማ ሳልሳይ ብምዃን ዉድድሩ ዛዚሙ።

ምንጪ ስእሊ, Mekseb
ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ዉድድር ጁንየር ደቂ-ኣንስትዮ'ዉን ብዓወት ኤርትራዊት ተቐዳዳሚት ደሴት ኪዳነ'ዩ ተፈጺሙ። ንኢትዮጵያ ወኪለን ዝተወዳደራ ጻድቃን ገብረመድህን ካሳሁንን ዛይድ ሃይሉን ከኣ ካልኣይን ሳልሳይን ኮይነን ተዓዊተን።
ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ኤሊት ናይ ጋንታ ቅድድም፡ ንመኽሰብ ደብሳይ፡ ኣማኒኤል ገብረእግዚኣብሄር፡ መትከል እዮብ ከምኡ'ዉን ስምኦን ሙሴን ዘሰለፈት ኤርትራ ብሃገር ደረጃ ቀዳመይቲ ብምዃን ወርቂ ክትዕወት እንከላ፡ መኽሰብ ደበሳይ ድማ ብዉልቁ እቲ ዝቐልጠፈ ተቐዳዳማይ 2018 ብምዃን ወርቂ መዳልያ ተሸሊሙ።
ኣብ ዉድድር ደቂ-ኣንስትዮ፡ ኢትዮጵያ ብእየሩ ተስፎም፡ ሰላም ኣመሃ፡ ጸጋ በየነን እየሩሳሌም ከሊልን ኣቢላ ብሃገር ደረጃ ተሸላሚት ወርቂ መዳልያ ክተከዉን እንከላ፡ ሞሳና ደበሳይ፡ ወሓዚት ኪዳነ፡ ትዕግስቲ ገብረሂወትን ብስራት ገብረመስቀልን ዘሰለፈት ኤርትራ ድማ ካልአይ ደረጃ ሒዛ።

ምንጪ ስእሊ, Mekseb
ብዉልቃ ድማ፡ ሞሳና ደበሳይ ቀዳመይቲ ኾይና ወርቂ ተሸሊማ ኣላ።
ብሓፈሻ፡ ሃገራዊት ጋንታ ብሽክሌታ ኤርትራ ንሻሙናይ ዓመት ኣከታቲላ'ያ ጎብለል ቻምፕዮና ውድድር ብሽክሌታ ኣፍሪቃ ትኸዉን ዘላ።
ቻምፕዮና ብሽክሌታ ኣፍሪቃ፡ ዝመጽእ ሰንበት ብናይ ጽርግያ ዉድድር (ኮርሶ) ኣብ ኪጋሊ ክዛዘም'ዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







