ኤርትራዊ ሄኖክ ሙሉብርሃን ኣብ ዙር ርዋንዳ ክሳተፍ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Tim de Waele
ኣብ መጀምርታ ወርሒ ጥሪ ካብ ቲም ‘ኩቤካ’ ናብ ጀርመናዊት ጋንታ ‘ባይክ አይድ’ ዝተሰጋገረ ሄኖክ ሙሉብርሃን፡ ምስ ሓዳሽ ጋንትኡ ኮይኑ ኣብቲ ካብ 20-27 ለካቲት ኣብ ርዋንዳ ዝካይደ 'ቱር ዲ ርዋንዳ' ከምዝሳተፍ ጋንትኡ ገሊጻ።
ኣብቲ ናይ ሎሚ ዓመት ቅድድም ብሽክሌታ ዙር ርዋንዳ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ክትሳተፍ ትጽቢት ነይሩ።
ግን ከኣ ብመሰረት እቲ ብዩሲኣይን ኣካየድቲ እቲ ውድድርን ዝወጽአ ቅጥዕታት፡ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ንቕጥዒ ክታበት ጸረ ኮሮናቫይረስ ስለዘየማልኡ ውድድር ክሳተፉ ከምዘይክእሉ ተፈሊጡ’ሎ።
ክሳብ ሕጂ ብዘሎ ዝርዝር ተጻወትቲ ከኣ፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን እቲ እንኮ ኣብ ዙር ርዋንዳ 2022 ዝወዳደር ኤርትራዊ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ።
‘ባይክ አይድ’ ናይ ኣርባዕተ ተጻወትቲ ስማት ጥራይ ኣቕሪባ ስለዘላ፡ እቲ ኣብታ ጋንታ ዝጻወት መክሰብ ደበሳይ ሓምሻይ ኮይኑ ክኣቱ እዩ ተባሂሉ ይግመት።
ብዘይካ እዚ፡ ጋንታ ‘ትረንጋኑ ፖሊጎን ሳይክሊንግ’ ኣብዚ ውድድር ትሳተፍ ስለዘላ፡ ኣብታ ጋነንታ ተጠሪኒፉ ዘሎ ኤርትራዊ መትከል እዮብ'ውን ኣብ ዙር ርዋንዳ ክስለፍ ትጽቢት ይግበር።
ዝሳተፋ ጋንታታት
ዎርልድ ቱር፡ ኢስራኤል ስታርት ኣፕ ነሽን፣ ፕሮ ቲም፡ ቶታል ዳይረክት ኢነርጂ [ፈረንሳ]፡ ቢኤንድ ነቢ ሆቴልስ [ፈረንሳ]፤ ቲም ኖቮ ኖርዲክ [ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ]፡ ኣንድሮኒ ግዮካሊ [ጣልያን]፡ ቡርጎስ ቢኤች [ስጳኛ]።
ዩሱኣይ ኮንቲነንታል ቲም፡ በንዲክሽን ሳይክሊንግ ቲም [ርዋንዳ] ፕሮ ታች ቲም [ደቡብ ኣፍሪቃ]፡ ባይክ ኣይድ [ጀርመን]፡ ቲኤስጂ ተራንጉኑ [ማሊዥያ]፡ ቲም ኮፕ [ኖርወይ]፡ ዋይልድ ላይፍ ጀነረሽን [ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ]፡ ቲም ኤስከይሴስ [ጀርመን]፡ ታርተሌቶ ኣይዞረክስ[በልጂም]።
ሃገራውያን ጋንታታት: ርዋንዳ፣ ኣልጀርያ፣ ሞሮኮን ዓባይ ብሪጣንያን።
መደብ ጸወታ
እቲ ውድድር ሸሞንተ መድረኻት ዝሓዘ ኮይኑ ተጻወትቲ ኣብ ሸሞንቲኡ መድረኻት 933.2 ኪሎ ሜተር ክሽፍኑ'ዮም።
- ቀዳማይ መድረኽ፡ ኣብ ውሽጢ ኪጋሊ 4 ኪሎ ሜተር ናይ ውልቂ ናይ ግዜ ውድድር
- ካልኣይ መድረኽ፡ ኪጋሊ- ርዋማንጋን 148,3 ኪሎሜተር
- ሳልሳይ መድረኽ፡ ኪጋሊ- ሩባቩ 152 ኪሎ ሜተር
- ራብዓይ መድረኽ፡ ኪጋሊ- ጂኩምቢ 124,3 ኪሎ ሜተር
- ሓሙሻይ መድረኽ፡ ሙሃንጋ-ሙሳንዘ124,7 ኪሎ ሜተር
- ሻዱሻይ መድረኽ፡ ሙሳንዘ-ኪጋሊ 152 ኪሎ ሜተር
- ሻውዓይ መድረኽ፡ኪጋሊ- ማውንት ኪጋሊ 152,6 ኪሎ ሜተር
- ሻሙናይ መድረኽ፡ ኣብ ውሽቲ ኪጋሊ 75,3 ኪሎ ሜተር





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







