ቅድድም ብሽክለታ፡ ቢንያም ግርማይ ብውልቁ ኤርትራ ብሃገር ካብ ኣፍሪቃ ቀዳሞት ኮይኖም

ቢንያም ግርማይ መስከረም 2021

ምንጪ ስእሊ, Tim de Waele

ዓለምለኻዊ ማሕበር ቅድድም ብሽክለታ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ደረጃ፥ ቢንያም ግርማይ ብውልቁ ኤርትራ ኸኣ ብደረጃ ሃገር ካብ ኣፍሪቃ ቀዳሞት ተሰሪዖም።

ቢንያም ግርማይ ካብ መወዳእታ ጥሪ 2021 ክሳብ መወዳእታ ጥሪ 2022 ብሓፈሻ 877 ነጥቢ ብምውህላል'ዩ ካብ ኣፍሪቃወያን ተቐዳደምቲ ጸብለል ክብል ክኢሉ ዘሎ።

ደቡብ ኣፍሪቃዊ ርያን ጊብሰን 677.66 ነጥቢ ብምውህላል ካልኣይ ክኽውን እንከሎ መርሃዊ ቅዱስ ብ368 ኣብ ሳልሳይ ተሰሪዑ ኣሎ።

ብደረጃ ሃገራት ኣፍሪቃ ኤርትራ 1,974 ነጥቢ ብምውህላል ቀዳመይቲ ክትከውን እንከላ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ብ1,865.32 ካልኣይቲ ኣልጀራይ ብ855.8 ነጥቢ ብምውላል ሳልሰይቲ ኮይነን ኣለዋ።

ካብ ክለባት ኣፍሪቃ ድቡብ ኣፍሪቃዊት ፕሮ ታች ብ11 ነጥቢ ቀዳመይቲ ተሰሪዓ ኣላ።

ኤርትራ ብመንገዲ ቢንያም ግርማይ፡ መርሃዊ ቁዱስን በቲ 232 ነጥቢ ብምውህላል ኣብ ሻውዓይ ደረጃ ተሰሪዑ ዘሎ መትከል እዮብን ሰለስተ ተቐዳደምቲ ምስ ቀዳሞት 10 ክትሰርዕ ክኢላ ኣላ።

ብዘይካ እዚ ናትናኤል ተስፋጸዮን መበል 13፡ ዳዊት የማነ መበል 15፡ ኣማንኤል ገብረእግዝኣብሄር መበል 18፡ ሄኖክ ሙሉብርሃን መበል 22 ተሰሪዖም ኣለዉ።

ብደረጃ ዓለም ስሎቨንያዊ ታደጅ ፓጆካር 5,363 ነጥቢ ብምውህላል ቀዳማይ ክስራዕ እንከሎ፡ ቢንያም ግርማይ ብደረጃ ዓለም ካብቲ ዓሚ ዘነበሮ ደረጃ ብ14 ንቅደሚት ብምምጻእ መበል 61 ክስራዕ ክኢሉ ኣሎ።

ብደረጃ ዓለም ሃገረ በልጂም 14,399.33 ነጥቢ ብምውህላል ንስሎቨንያን ፈረንሳን ኣኸቲላ ቀዳመይቲ ክትከውን እንከላ፡ ኤርትራ ብደረጃ ዓለም ካብቲ ዓሚ ዝነበረቶ ደረጃ ብክልተ ክብ ብምባል መበል 21 ተሰሪዓ ኣላ።

ካብ ኣፍሪቃ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዑ ዘሎ ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ቻምፕዮን ዓለም ትሕቲ 23 ዓመት ንኤርትራ ንገዛእ ርእሱን ፈላመይቲ ብሩር መዳልያ ምግዛሙ ዝዝከር እዩ።