ጂሮ ዲ'ኢታልያ፡ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ ኣብ ጂሮ ዲ'ኢታልያ ታሪክ ዝሰርሐ ኤርትራዊ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ መድረኽ ግራንድ ቱር ዝተዓወተ ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ብምዃን፡ ኣብ ታሪኽ ቅድድም ብሽክለታ ዓለም ሓድሽ ታሪኽ ኣመዝጊቡ።
ኣብቲ ካብ ፐስካራ ናብ ጀሲ ዝተኻየደ ውድድር፡ ተቐዳዳማይ ጋንታ ኢንተርማርቸ ዋንቲ ጎበርት ቢንያም ብዘደንቕ ቅጽበታዊ ውድድር'ዩ ቀዳማይ ኮይኑ ዛዚሙ።
ወዲ 22 ዓመት ኤርትራዊ ቢንያም፡ ኣብ ዓስራይ መድረኽ ውድድር ጂሮ ዲ ኢታልያ፡ ንማቲው ቫን-ደር-ፖል ብቕጽበታዊ ውድድር [ቮላታ] ስዒሩ እዩ ነዚ ዓወት'ዚ ተጐናጺፉ ዘሎ።
ኣብቲ ሓያል ቅጽበታዊ ውድድር ምስ ቢንያም ዝተሓናነቐ ተቐዳዳማይ ጋንታ ኣልፐቺን ፈኒክስ ሆላንዳዊ ማቲው ቫን ደር ፖል ንቢንያም ከርክቦ ፈቱኑ እኳ እንተነበረ ኣይከኣለን።
ቢንያም ድሕሪ እቲ ጸወታ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ "ክኣምን ኣይከኣልኩን፡ ኣዝየ'የ ተሓጒሰ" ኢሉ።
እንተዀነ፡ ዓወቱ ንምጽንባል ኣብ መድረኽ -ፖዲየም ደይቡ፡ ሻምፓኝ -ጻዕዳ ነቢት - ኣብ ዝነጽገሉ ዝነበረ ህሞት፡ ባዕሉ ጸጋመይቲ ዓይኑ ስለ ዝሃረመ፡ ንሕክምናዊ መርመራ ብኡ ንብኡ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ።
ኣብቲ ድሕረ-ውድድር ዝወሃብ ጋዜጣዊ መግለጺ ድማ ክሳተፍ ኣይከኣለን።
ድሕሪ ሕክምናኡ ግን፡ ነቲ ዝተጐናጸፎ ዓቢይ ታሪኻዊ ዓወት ምስ ደቂ ጋንታኡ ብፍሉይ ከም ዝጸንበሎ፡ ጋንታኡ ብወግዒ ኣፍሊጣ።
ምስ ክለብ ኢንተርማርች ተሰሊፉ ዝወዳደር ቢንያም፡ ንፈለማኡ ኣብ ውድድር 'ግራንድ ቱር' ዝሳተፍ ዘሎ፡ ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ጆሮ ዲ ኢታልያ እዩ።
ኣብቲ ትማሊ ኣብ ዘካየድዎ ሓያል ቅጽበታዊ ውድድር ዝተሳዕረ ኮኾብ ነዘርላንዳዊ ቫን-ደር-ፖል፡ ድሕሪ ፍጻመ ንቢንያም "እንቋዕ ሓጐሰካ" ኢልዎ።
ቫን-ደር-ፖል፡ ድሕሪ'ቲ ናይ ፍጻመ ሕንጻጽ፡ ብኡ ንብኡ ንቢንያም ሓቝፉ ክስዕሞ ተራእዩ።
ቢንያም ከኣ ብቕጽበት ድሕሪ'ቲ ውድድር፡ "እዚ ፈጺሙ ዘይእመን እዩ፡" ብምባል፡ "ነፍስወከፍ መዓልቲ ሓድሽ ታሪኽ ሒዛ ትመጽእ ኣላ። በዚ ኸኣ ብሓቂ ኣመና ሕጕስ እየ፣ የመስግን!" ኢሉ።
ኣተሓሒዙ፡ "ካብ ምጅማር 'ቲ ውድድር፡ ነቲ መድረኽ ተቘጻጺርናዮ ኢና ውዒልና፣ ነቲ ሎም-መዓልቲ ደቂ ጋንታይ ዝሰርሕዎ ድንቂ ስራሕ ዝገልጽ ቃላት ግን የብለይን፡" ክብል ይገልጽ።

ምንጪ ስእሊ, Intermarché-Wanty-Gobert/Twitter
ቢንያም ግርማይ፡ ድሕሪ'ቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ኣብ ቤልጂየም ኣብ ዝተኻየደ ውድድር "ዎርልድ ቱር" ቀዳማይ ኣፍሪቃዊ ብምዃን ዝተጐናጸፎ ዓወት፡ ኣብዚ ናይ ሕጂ ቱር እውን ክዕወት ትጽቢት ተገይሩሉ ጸኒሑ እዩ።
እዚ ውድድር፡ ብሰኑይ ድሕሪ ዝወዓሎ ናይ ሓደ መዓልቲ ዕረፍቲ፡ ትማሊ ሰሉስ፡ ካብ ፐስካራ ናብ ጀሲ፣ 194 ኪ.ሜ. ኣብ ዝሸፈነ ውድድር እዩ ዓስራይ መድረኹ ኣካይዱ ዘሎ።
ብ6 ግንቦት፡ ኣብ መኽፈቲ'ዚ ውድድር፡ ዝተዓወተ ቫን-ደር-ፖል፡ እዚ ናይ ትማሊ ውድድር 6 ኪ.ሜ. ክተርፎ እንከሎ፡ ቢንያም ንጸጋም ክጥወ ቅሩብ ስሒቱ ስለዝነበረ ብመጠኑ ከሲብሉ ነይሩ። እንተዀነ ቢንያም ቀልጢፉ ኣርኪቡ ሒዝዎ።
ስጳኛዊ ዩዋን ፐድሮ ሎፐዝ፡ ምስ ፖርቲጋላዊ ጃኦ ኣልሜዳ ዝጸንሖ ናይ 12 ካልኢት ፍልልይ ዓቂቡ፡ ሊላ ማልያኡ ወድዩ'ሎ።
"እዚ ጂሮ ክጅምር እንከሎ፡ ተኽእሎታት ዓወት ከም ዘለና ንፈልጥ ኔርና፣ እዚ ድማ ክፋል ናይቲ ናይ ጋንታይ፡ ናይ ቤተሰበይን ናይ ነፍስወከፍናን ዓወት እዩ፡" ክብል ንዓወቱ ገሊጽዎ'ሎ።
ዳይሬክተር ስፖርት ኢንተርማርች ቫለርዮ ፒቫ ብዛዕባ እቲ ጸወታ ኣብ ዝሃቦ ርኢይቶ፡ "ኣብ መወዳእታ ኣንጻር'ቲ ዓቢይ ሻምፒዮን እጹብ-ድንቂ ዝዀነ ቮላታ እዩ ተኻይዱ፡" ይብል።
"እዚ ዓወት ዝያዳ ኣገዳሲ ዝገብሮ ድማ፡ ቢንያም ንሓደ ካብቶም ቀዳሞት ዝለዓሉ ተቐዳደምቲ ዓለም ብምስዓሩ እዩ፡" ኢሉ።
"ቅድሚ ገለ መዓልታት ኣብዚ መድረኽ ክንዕወት ምዃንና ተገንዚብና ኔርና፣ ሎሚ ንግሆ ድማ ንብምሉኦም ኣባላት ጋንታና ኣተባቢዕናዮም፣ ውሕሉል ናይ ጋንታ ጸወታ ድማ ርኢና።
"ዓቢይ ነገር እዩ፣ ሓዳስ ኣህጉር ኣብ ላዕሊ ክትቅመጥ ምኽኣላ ድማ፡ ንውድድር ብሽክለታ ዓለም ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ፡" ዓወት ቢንያም፡ ኣብ መድረኽ ውድድር ብሽክለታ ዓለም ንኣፍሪቃ ዘለዎ ኣገዳስነት ኣገንዚቡ።
መበል 11 መድረኽ ውድድር ጂሮ ዲ ኢታልያ፡ ሎሚ ረቡዕ፡ ካብ ሳንታርካንጀሎ-ዲ-ሮማኛ ክሳብ ረጂዮ ኢሚልያ ዝሽፍን፡ 203 ኪ.ሜ. ናይ ጐልጐል ውድድር ከካይድ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንፈለማ እዋን ኣብ ግራንድ ቱር ዝሳተፍ ዘሎ ቢንያም፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ኣብ ቤልጅዩም ኣብ ዝካየድ ቅድድም ዎርልድ ቱር ገንት ወቨልገም ድሕሪ ምዕዋቱ ኣብ ጂሮ ዲ'ኢታልያ ናብ ናይ መድረኽ ዓወት ክበጽሕ ከምዝኽእል ብኣግኡ ተገሚቱ ነይሩ እዩ።
ቢንያም ዛጊት ካብ ዝተኻየደ 10 ውድድራት ጂሮ ዲ'ኢታልያ ኣብተን ሽዱሽተ ምስ ቀዳሞት ሓሙሽተ እዩ ኣትዩ።
እቲ ንመበል 105 ግዜ ዝካየድ ዘሎ ሓደ ካብ ሰለስተ ዝዓበዩ ቅድድማት ብሽክለታ ዓለም ዝኾነ ጂሮ ዲ'ኢታልያ ካብ ዓርቢ 6 ግንቦት ጀሚሩ እዩ ዝካየድ ዘሎ።
ተቐዳደምቲ ትማሊ ሰኑይ ኣዕሪፎም ድሕሪ ምውዓል ሎሚ 10 መድረኽ ቅድድም ኣካዪዶም።
እቲ ናይ ሎሚ ቅድድም ካብ ወደባዊት ከተማ ፓስካራ ናብ ጀሲ ዝተኻየደ ኮይኑ 194 ኪሜ ዝሸፈነ እዩ ነይሩ።
ቢንያም ነቲ ውድድር ብ 4 ሰዓት 32 ደቒቅን 7 ካልኢትን ብማእከላይ ገምጋም 43.2 ኪሜ እናተሓምበበ እዩ ዛዚምዎ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







