ቶማስ ደ ገንት ተዓዋቲ 8ይ መድረኽ ኮይኑ ቢንያም ግርማይ ንሓሙሻይ ግዜ ምስ ቀዳሞት ሓሙሽተ ኣትዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ወዲ 35 ዓመት በልጅዩማዊ ምኩር ተቐዳዳማይ ጋንታ ሎቶ ሶዳል፡ ቶማስ ደ ገንት ተዓዋቲ ሻምናይ መድረኽ ጂሮ ዲ'ኢታልያ ኮይኑ።
ንሱ ጸወታ ምስ ተጀመረ ነዊሕ ከይተጉዓዘ እዩ ቢንያም ግርማይ ምስ ዝርከቦም ብርክት ዝበሉ ተቐዳደምቲ ካብ ዓባይ ጉጅለ ሃዲሙ።
ድሒሩ'ውን ምስ ወዲ ጋንትኡ ሃርም ቫንሆክ፡ ተቐዳዳማይ ጋንታ ባርድያኒ ሲኤስኤፍ ዳቪድ ጋቡሮ፡ ተቐዳዳማይ ጋንታ ሙቪስታር ጆርግ ኣርካስን ብምዃን ንቕድሚት ተመርቂፉ ውድድሩ ኣብ 3 ሰዓትን 32 ደቒቅን 53 ካልኢትን ዛዚሙ።
መዛዘሚ ህንጻጽ ሒደት ኪሎሜትራት ምስተረፎ: ቢንያም ግርማይ ክጽምበሮም ፈቲኑ እኳ እንተነበረ ኣይሰለጦን። በዚ ከኣ ካልኣይ ዳቪድ ጋቡሮ፡ ሳልሳይ ጆርፍ ኣርካስ (ግዜ ከይከሰሩ) ክኣትው እንከለው፡ ራብዓይ ሃርም ቫንሆክ፡ ተቐዳዳማይ ጋንታ ኢንተርማርቸ - ዋንቲ ጎበርት ማተርየክስ ቢንያም ከኣ 15 ካልኢት ድሒሩ ሓሙሻይ ኮይኑ ዛዚሙ።
ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ጋንታ ድሮን ሆፐር ናትናኤል ተስፋጽዮን ምስ ዓባይ ጉጅለ 3 ደቒቅን 33 ካልኢትን ድሒሩ መበል 19፡ መርሃዊ ቅዱስ'ውን ብተመሳሳሊ ግዜ መበል 47 ዛዚሙ።
ኣብ ድምር ግዜ ስጳኛዊ ዩዋን ፔድሮ: ሮዛ ማልያ ኣቂብዋ ኣሎ። ንሱን ካልኦት ኣብቲ ምድብ መወዳድርቱን ምስ ዓባይ ጉጅለ እዮም ኣትዮም።
ኣብቲ ምድብ ክሳዕ ሳልሳይ ታርታ ለውጢ እኳ እንተዘይመጸ ምስታ ፈለማ ዝሞለቐት ጉጅለ ዝነበረ ፈረንሳዊ ጉላመ ማርቲን ካብ ዓባይ ጉጅለ ሰለስተ ደቒቅ ቀዲሙ ብምእታው: ካብ መበል 14 ናብ 4ይ ደረጃ ክብ ኢሉ ኣሎ።
ኣብ ናይ ነጥቢ (ሊላ ማልያ) ቢንያም ግርማይ ሎሚ 26 ነጥቢ ብምርካቡ ምስ ኣርኖድ ዳማር ዘለዎ ፍልልይ ናብ 27 ነጥቢ ከጉድል እንከሎ ካብ ማርክ ካቨንዲሽ ብ42 ነጥቢ ተፈንቲቱ ኣሎ።
ጽባሕ ሰንበት ዝካየድ 9ይ መድረኽ ብርክት ዝበለ ተረርቲ ዓቐበት ዘለዎ ክኸውን እዩ።
ደ ገንት ድሕሪ ዓወቱ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ "ቅድሚ ክልተ ሰሙን ክትዕወት ዲኻ ዝብል ሕቶ እንተዝቐርበለይ፡ ኣይዕወትን'የ ምበልኩ ኣብ ሕማቕ ኩነታት እየ ኔረ። ሕጂ ግና እቲ ጽቡቕ ኣእጋር ይመጽእ ኣሎ" ኢሉ።
እቲ 153 ኪሜ ዝሸፈነ ሻምናይ መድረኽ ኣብ ናፖሊ እዩ ተኻዪዱ።
ታሽዓይ መድረኽ ጂሮ ዲ'ኢታልያ ካብ ኢሰርንያ ናብ ብሎክሃውስ (191 ኪሜ) ጽባሕ ሰንበት ዝካየድ ኮይኑ በዳሂ ከም ዝኸውን ይግለጽ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







