5ይ መድረኽ ጂሮ ዲ'ኢታልያ፡ ደማር ኣርኖድ ተዓዊቱ ቢንያምን ናትናኤልን ምስ ቀዳሞት ዓሰርተ ኣትዮም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሎሚ ረቡዕ ንመበል ሓምሻይ መዓልቱ ኣብ ዝቐጸለ ካብ ካታንያ ናብ መሲና ኣብ ዝተኻየደ ቅድድም ብሽክለታ ጂሮ ዲ'ኢታልያ ተቐዳዳማይ ጋንታ ግሩፓማ - ኤፍዲጃ ፈረንሳዊ ደማር ኣርኖድ ተዓዊቱ።
ደማር: ነቲ 174 ኪሜ ዝሸፈነ ቅድድም ብ4 ሰዓት 3 ደቂቕን 56 ካልኢትን ክዛዝሞ እንከሎ: ብማእከላይ ገምጋም 42.79 ኪሜ ኣብ ሰዓት ፍጥነት ከምዝነበሮ እቲ ጸብጻባት የረድእ።
ኣብቲ ውድድር ዝሳተፉ ዘለው ሰለስተ ኤርትራውያን፡ ተቐዳዳማይ ጋንታ ኢንተርማርቸ ዋንቲ ቢንያም ግርማይ ሓሙሻይ፡ ተቐዳዳማይ ጋንታ ድሮን ሆፐር - ኣንድሮኒ ጅዮካቶሊ ናትናኤል ተስፋጽዮን ሻምናይ ከምኡ'ውን ተቐዳዳማይ ጋንታ ኢኤፍ ኤዱኬሽን ኢዚ ፖስት መርሃዊ ቅዱስ መበል 65 ብምዃን ብተመሳሳሊ ግዜ ውድድሮም ዛዚሞም።
ኣብቲ ናይ ሎሚ ውድድር ተቐዳዳማይ ጋንታ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኮሎምብያዊ ፌርናንዶ ጋቪርያ ካልኣይ፡ ኢጣልያዊ ተቐዳዳማይ ጋንታ እስራኤል ፕረሚየር ቴክ ዝኸነ ጅያኮሞ ኒዞሎ መበል ሳልሳይ ኣትዮም።

ኣብ ሓፈሻዊ ምድብ ካብ ትማሊ ሰሉስ ጀሚሩ መሪሕነት ተረኪቡ ዘሎ ስጳኛዊ ዩዋን ፔድሮ ሎፐዝ ቦትኡ ክዕቅብ እንከሎ፡ መርሃዊ ቅዱስ ሸሞንተ ደረጃታት ብምድያብ መበል 59 ቢንያም፣ ግርማይ መበል 93፣ ናትናኤል ተስፋጽዮን ድማ መበል 103 ተሰሪዖም ኣለው።
ብነጥቢ ቢንያም ነቲ ሎሚ ዝተዓወተ ደማር ኣርኖድ ስዒቡ ካልኣይ ታርታ ሒዙ ኣሎ።
ብደረጃ ጋንታታት: ጀርመናዊት ቦራ ሃንሰግሮ ቀዳመይቲ (55፡06፡42)፡ ቤልጅዩማዊት ኢንተርማርቸ ዋንቲ ጎበርት 2 ደቒቅን 17 ካልኢትን ድሒራ ካልኣይቲ፡ ኣሜሪካዊት ትረክ - ሰጋፍረዶ ከኣ 2 ደቒቅን 47 ካልኢትን ብምምዝጋብ ሳልሰይቲ ኮይነን ተሰሪዐን ኣለዋ።
ኣብዚ ንሰለስተ ሳምንታት ዝቕጽል ጂሮ ዲ'ኢታልያ ሓያላት ተጻወትቲ ክዕወትሉ ትጽቢት ይግበር።
ነዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ኣብ ኣብ 2019 ከምኡ'ውን ኣብ 2017 ነዚ ውድድር ብቕደም ተኸተል ዝተዓወተሉ ሪቻርድ ካራፓዝን ቶም ዱሞሊን ካብቶም ንዓወቶም ክደግምዎ ይኽእሉ'ዮም ተባሂሎም ተገሚቶም ዘለዉ ተቐዳደምቲ እዮም።
ኣብ ግራንድ ቱር ንፈለማ እዋን ዝወዳደር ዘሎ ወዲ 22 ዓመት ቢንያም ግርማይ'ውን ካብቶም ኣቓልቦ ብዙሓት መራኸቢ ብዙሓን ዝሰሓቡ ኮይኑ ኣሎ።
![ቢኒያም ግርማይ [ጸጋም] ከምኡ'ውን ቫንደር ፖል ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ጂሮ ዲ ኢታሊ ተመራሪሖም ኣትዮም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/94FE/production/_124624183_gettyimages-1395747142.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቢንያም ብ27 መጋቢት ኣብ ቤልጂም ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሓደ መዓልቲ ውድድር ገንት ወቭልገን ብዘደንቕ ቅጽበታዊ ውድድር ቀዳማይ ኮይኑ ብምእታዉ፡ ንዕኡ፡ ንጋንትኡ፡ ንሃገሩን ንኣፍሪቃን ቦኽሪ ዓወት ውድድር ክላሲክ ምምዝጋቡ ዝዝከር እዩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







