6ይ መድረኽ ጂሮ ዲ'ኢታልያ፡ ኣርኖድ ደማር ን2ይ መዓልቲ ተዓዊቱ ቢንያም ግርማይ 4ይ ኣትዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሎሚ ቀጺሉ ኣብ ዝወዓለ 6ይ መድረኽ ውድድር ብሽክሌታ ጂሮ ዲ'ኢታልያ፡ ፈረንሳዊ ኣርኖድ ደማር ንካልኣይ መዓልቲ ክዕወት እንከሎ: ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ድማ ራብዓይ ኮይኑ ኣትዩ።
ደማር: ነቲ 192 ኪሜ ዝሸፈነ ቅድድም ብ5 ሰዓት 2 ደቂቕን 33 ካልኢትን ክዛዝሞ እንከሎ: ብማእከላይ ገምጋም 38.076 ኪሜ ኣብ ሰዓት ፍጥነት'ዩ ዝሕንበብ ነይሩ።
ኣብቲ ሓያል ቅጽበታዊ ውድድር ዝተርኣየሉ ዛዛሚ ህሞት፡ ካብ ደማር ንምፍላዩ ብዘጸግም ፍልልይ ኣውስትራልያዊ ካሌብ ኢዋን ካልኣይ፡ እንግሊዛዊ ማርክ ካቨንዲሽ ሳልሳይ ኤርትራዊ ቢንያም ግርማይ ራብዓይ ኮይኖም ዛዚሞም።
ብዘይካ'ዚ ናትናኤል ተስፋጽዮን (ካብ ጋንታ ድሮን ሆፐር) መበል 20፡ ተቐዳዳማይ ጋንታ ኢኤፍ ኤዱኬሽን መርሃዊ ቅዱስ'ውን ግዜ ከይከሰረ መበል 103 ኣትዮም።
ኣብ ሓፈሻዊ ምድብ ካብ ሰሉስ ጀሚሩ መሪሕነት ተረኪቡ ዘሎ ስጳኛዊ ዩዋን ፔድሮ ሎፐዝ ሎሚ'ውን ቦትኡ ዓቂቡ ኣሎ።
በዚ መሰረት ሎፐዝ ኣብቲ ጽባሕ ዓርቢ ካብ ድያማንተ ናብ ፖተንዛ ዝካየድ ሻብዓይ መድረኽ ጅሮ ዲ'ኢታልያ ንሳልሳይ መዓልቲ ሮዛ ማልያ ለቢሱ ክጻወት እዩ።
ኣብዚ ምድብ መርሃዊ ቅዱስ መበል 59፡ ቢንያም ግርማይ መበል 93፣ ናትናኤል ተስፋጽዮን ድማ መበል 101 ተሰሪዖም ኣለው።
ብነጥቢ ካብ ናይ ሎሚ ውድድር 22 ነጥቢ ዝረኸበ ቢንያም: ካብቲ ቀዳማይ ዘሎ ኣርኖድ ደማር ብ53 ነጥቢ ድሒሩ ካልኣይ ደረጃ ክሕዝ እንከሎ፡ ማርክ ካቨንዲሽ ሳልሳይ ተሰሪዑ ኣሎ።
ሻድሻይ መድረኽ ጂሮ ዲ'ኢታልያ፡ ካብ ወደባዊት ከተማ ፓልሚ ናብ ስካሌያ ዝተኻየደ ኮይኑ: 192 ኪሜ ዝሸፈነ ጎላጉል ዝበዝሖ ህድእ ዝበለ ጸወታ እዩ ነይሩ።
ተቐዳዳማይ ጋንታ ኤኦሎ ኮሜታ፡ ኢጣልያዊ ድየጎ ሮሳ ንዝበዝሕ ክፋል ናይቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዝጓዓዝ ጽርጊያ ዝተኻየደ ቅድድም ካብ ዓባይ ጉጅለ ብልዕሊ 3 ደቒቅ ተፈንቲቱ'ዩ ንበይኑ ተጓዒዙ። መዛዘሚ ሕንጻጽ ኣስታት 28 ኪሜተር ምስ ተረፎ ግና ዓባይ ጉጅለ ኣርኪባቶ።
ኣብቲ ናይ ሎሚ ውድድር ተቐዳዳማይ ጋንታ ኲክ ስቴፕ እንግሊዛዊ ማርክ ካቨንዲሽን ተቐዳዳማይ ጋንታ ሎቶ ሶውዳል ኣውስትራልያዊ ካሌብ ኢዋንን ሓያል ጥምጥም ከርእዩ ትጽቢት ተገቢሩሎም ዝነበሩ እዮም።
ብዘይካ'ዚ ኣርኖድ ደማር፡ ፌርናንዶ ጋቪራ፡ ፊል ባውሃስ፡ ግያኮሞ ኒዞሎ፡ ቢንያም ግርማይ፡ ማቲው ቫን ደር ፖኤልን ሰስ ቦልን ነቲ መድረኽ ክዕወቱሉ ከምዝኽእሉ ብተንተንቲ ግምት ዝተዋሃቦም እዮም ነይሮም።
ማርክ ካቨንዲሽን ካሌብ ኢዋንን ኣብቲ ትማሊ ረቡዕ ዝተኻየደ ሓምሻይ መድረኽ ካብታ ኤርትራውያን ቢንያም ግርማይን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ዝነበሩዋ ዓባይ ጉጅለ ኣብ ተሪር ዓቐበት ተቖሪጾም ድሕሪት እዮም ተሪፎም።
ብ 6 ግንቦት ኣብ ቡዳፐስት ሃንጋሪ ዝጀመረ ንመበል 105 ግዜ ዝካየድ ዘሎ ጂሮ ዲ'ኢታልያ ሓደ ካብቶም ሰለስተ ግራንድ ቱራት ዓለም እዩ።
እቲ ውድድር ንሰለስተ ሰሙን ዝቕጽል ኮይኑ 29 ግንቦት ኣብ ከተማ ቬሮና ኢጣልያ ክዛዘም እዩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







