9ይ መድረኽ ጂሮ ዲ'ኢታልያ ናትናኤል ተስፋጽዮን ወዲቑ ኣውስትራልያዊ ጀይ ሂንድሊ ተዓዊቱ

ቢንያም ግርማይ ምስ ናትናኤል ተስፋጽዮን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቢንያም ግርማይ ምስ ናትናኤል ተስፋጽዮን

ኣውስትራልያዊ ተቐዳዳማይ ጋንታ ቦራ ሃንስግሮ ነቲ ሎሚ ሰንበት ዝተኻየደ 191 ኪሜ ዝሸፈነ በዳሂ ውድድር 9ይ መድረኽ ጂሮ ዲ'ኢታልያ ተዓዊቱሉ።

እቲ ዛጊት ዝሓየለ ምዃኑ ዝተነግረሉ ካብ ኢሰርንያ ናብ ብሎክሃውስ ዝተካየደ ውድድር ተረርቲ ዓቐበት ዝበዝሖ እዩ ነይሩ።

ተቐዳዳማይ ጋንታ ድሮን ሆፐር ኣንድሮኒ ጅዯካቶሊ ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮን ውድድር ምስ ተጀመረ ብዙሕ ከይተጉዓዙ እዩ ምስ ብርክት ዝበሉ ተቐዳደምቲ ካብ ዓባይ ጉጅለ ሃዲሙ።

ናትናኤል ጸኒሑ'ውን ኣብ ከባቢ 131 ኪሜ ምስ ፈረንሳዊ ናንስ ፒተርስ ብምዃን ሃዲሙ። ነዊሕ ከይተጉዓዙ ከኣ ወዲ ጋንትኡ ኣርጀንቲናዊ ኤድዋርዶ ሰፑልቬዳን ኢጣልያዊ ዲየጎ ሮሳን ተጸንበርዎም።

ሒደት ኪሜ ምስ ተጉዓዙ ዲየጎ ሮሳ ንምህዳም መጥቃዕቲ ክፍጽም እንከሎ ናትናኤል ተጸንቢርዎ ንቕድሚት ወጺኦም።

ናትናኤል ኣብ ከባቢ 148 ኪሜ ኣብ ዝነበረ ናይ ዓቐበት ነጥቢ ዘውህብ ህንጻጽ፡ ንድየጎ ሮሳ ክሓልፍ ብምግባር ድየጎ ነጥቡ ብ40 ክብ ከብልን ሰማያዊ ማልያ ካብ ኮን ቦውማን ክርከባን ኣኽኢልዎ እዩ።

ክልቲኦም ብሓባር እናተጓዓዙ ዓቐበት ወዲኦም ቁልቁለት ኣብ ዝሓዙሉ ናትናኤል ብሓያል ፍጥነት ኣብ ቅድሚት እናተሓምበበ እንከሎ እዩ ኣብ ከባቢ 154 ኪሜ ኣብ መዕጸፊ ኩርናዕ ካብ ጽርጊያ ወጺኡ ወዲቑ።

ምስ'ቲ ዝነበሮ ፍጥነት ኣወዳድቕኡ ዘሰንብድ እኳ እንተነበረ ምስ መከልኸሊ ናይ ጽርጊያ ከይተጋጨወ ናብ ቈጥቋጥ ብምእታው ዕድለኛ እዩ።

ናትናኤል ተንሲኡ ጸወትኡ ከምዝቐጸለ ኣካየድቲ እቲ ውድድር ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሕዎ ሓበሬታ ገሊጾም።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ብድሕሪ'ዚ ዓባይ ጉጅለ ነቶም ዝሃደሙ ተቐዳደምቲ ንምርካብ ኣይደንጎየትን።

ኣብ መዛዘሚ ኣብ ዝተካየደ ቅጽበታዊ ውድድር ጀይ ሂንድለይ ክዕወት እንከሎ (5:34:44)፡ ፈረንሳዊ ተቐዳዳማይ ጋንታ ዲኤስኤም ሮመይን ባርደት ካልኣይ ኢኳዶራዊ ተቐዳዳማይ ጋንታ ኢነኦስ ሪቻርድ ካራፓዝ ብተመሳሳሊ ግዜ ሳልሳይ ኣትዮም።

መርሃዊ ቅዱስ መበል 59፡ ካብ ዝወደቖ ተሲኡ ጸወትኡ ዝቐጸለ ናትናኤል መበል 91 ቢንያም ግርማይ ከኣ መበል 128 ዛዚሞም።

ኣብ ሓፈሻዊ ምድብ ካብ ሰሉስ ጀሚሩ መሪሕነት ሒዙ ዘሎ ስጳኛዊ ዩዋን ፔድሮ ሎፐዝ ናይ ሎሚ ውድድር ክኸብዶ'ዩ ተባሂሉ እኳ እንተነበረ ሓደ ደቒቅን 46 ካልኢትን ድሒሩ ብምእታው ካብ ፖርቱጋላዊ ጃኦ ኣለሚዳ ብ 12 ካልኢት ተፈንቲቱ ሮዛ ማልያ ጌና ዓቂብዋ ኣሎ።

ንመበል 105 ግዜ ዝካየድ ዘሎ ጂሮ ዲ'ኢታልያ ጽባሕ ሰኑይ ኣዕሪፉ ሰሉስ 10ይ መድረኽ ካብ ፐስካራ ናብ ጀሲ (194) ክቕጽል እዩ።