9ይ መድረኽ ጂሮ ዲ'ኢታልያ ናትናኤል ተስፋጽዮን ወዲቑ ኣውስትራልያዊ ጀይ ሂንድሊ ተዓዊቱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣውስትራልያዊ ተቐዳዳማይ ጋንታ ቦራ ሃንስግሮ ነቲ ሎሚ ሰንበት ዝተኻየደ 191 ኪሜ ዝሸፈነ በዳሂ ውድድር 9ይ መድረኽ ጂሮ ዲ'ኢታልያ ተዓዊቱሉ።
እቲ ዛጊት ዝሓየለ ምዃኑ ዝተነግረሉ ካብ ኢሰርንያ ናብ ብሎክሃውስ ዝተካየደ ውድድር ተረርቲ ዓቐበት ዝበዝሖ እዩ ነይሩ።
ተቐዳዳማይ ጋንታ ድሮን ሆፐር ኣንድሮኒ ጅዯካቶሊ ኤርትራዊ ናትናኤል ተስፋጽዮን ውድድር ምስ ተጀመረ ብዙሕ ከይተጉዓዙ እዩ ምስ ብርክት ዝበሉ ተቐዳደምቲ ካብ ዓባይ ጉጅለ ሃዲሙ።
ናትናኤል ጸኒሑ'ውን ኣብ ከባቢ 131 ኪሜ ምስ ፈረንሳዊ ናንስ ፒተርስ ብምዃን ሃዲሙ። ነዊሕ ከይተጉዓዙ ከኣ ወዲ ጋንትኡ ኣርጀንቲናዊ ኤድዋርዶ ሰፑልቬዳን ኢጣልያዊ ዲየጎ ሮሳን ተጸንበርዎም።
ሒደት ኪሜ ምስ ተጉዓዙ ዲየጎ ሮሳ ንምህዳም መጥቃዕቲ ክፍጽም እንከሎ ናትናኤል ተጸንቢርዎ ንቕድሚት ወጺኦም።
ናትናኤል ኣብ ከባቢ 148 ኪሜ ኣብ ዝነበረ ናይ ዓቐበት ነጥቢ ዘውህብ ህንጻጽ፡ ንድየጎ ሮሳ ክሓልፍ ብምግባር ድየጎ ነጥቡ ብ40 ክብ ከብልን ሰማያዊ ማልያ ካብ ኮን ቦውማን ክርከባን ኣኽኢልዎ እዩ።
ክልቲኦም ብሓባር እናተጓዓዙ ዓቐበት ወዲኦም ቁልቁለት ኣብ ዝሓዙሉ ናትናኤል ብሓያል ፍጥነት ኣብ ቅድሚት እናተሓምበበ እንከሎ እዩ ኣብ ከባቢ 154 ኪሜ ኣብ መዕጸፊ ኩርናዕ ካብ ጽርጊያ ወጺኡ ወዲቑ።
ምስ'ቲ ዝነበሮ ፍጥነት ኣወዳድቕኡ ዘሰንብድ እኳ እንተነበረ ምስ መከልኸሊ ናይ ጽርጊያ ከይተጋጨወ ናብ ቈጥቋጥ ብምእታው ዕድለኛ እዩ።
ናትናኤል ተንሲኡ ጸወትኡ ከምዝቐጸለ ኣካየድቲ እቲ ውድድር ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሕዎ ሓበሬታ ገሊጾም።
ብድሕሪ'ዚ ዓባይ ጉጅለ ነቶም ዝሃደሙ ተቐዳደምቲ ንምርካብ ኣይደንጎየትን።
ኣብ መዛዘሚ ኣብ ዝተካየደ ቅጽበታዊ ውድድር ጀይ ሂንድለይ ክዕወት እንከሎ (5:34:44)፡ ፈረንሳዊ ተቐዳዳማይ ጋንታ ዲኤስኤም ሮመይን ባርደት ካልኣይ ኢኳዶራዊ ተቐዳዳማይ ጋንታ ኢነኦስ ሪቻርድ ካራፓዝ ብተመሳሳሊ ግዜ ሳልሳይ ኣትዮም።
መርሃዊ ቅዱስ መበል 59፡ ካብ ዝወደቖ ተሲኡ ጸወትኡ ዝቐጸለ ናትናኤል መበል 91 ቢንያም ግርማይ ከኣ መበል 128 ዛዚሞም።
ኣብ ሓፈሻዊ ምድብ ካብ ሰሉስ ጀሚሩ መሪሕነት ሒዙ ዘሎ ስጳኛዊ ዩዋን ፔድሮ ሎፐዝ ናይ ሎሚ ውድድር ክኸብዶ'ዩ ተባሂሉ እኳ እንተነበረ ሓደ ደቒቅን 46 ካልኢትን ድሒሩ ብምእታው ካብ ፖርቱጋላዊ ጃኦ ኣለሚዳ ብ 12 ካልኢት ተፈንቲቱ ሮዛ ማልያ ጌና ዓቂብዋ ኣሎ።
ንመበል 105 ግዜ ዝካየድ ዘሎ ጂሮ ዲ'ኢታልያ ጽባሕ ሰኑይ ኣዕሪፉ ሰሉስ 10ይ መድረኽ ካብ ፐስካራ ናብ ጀሲ (194) ክቕጽል እዩ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







