ቀይሕ መስቀል ድሕሪ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ንፈለማ እዋን ናብ ትግራይ መድሓኒት ከምዘብጸሐ ገሊጹ

ሰራሕተኛታት ቀይሕ መስቀል ኣብ ቶጎጋ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሰራሕተኛታት ቀይሕ መስቀል ኣብ ቶጎጋ

ዓለም ለኻዊ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል፡ ድሕሪ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ንፈለማ እዋን ናብታ ብሰንኪ ኲናትን ዕጽዋን ዝተሃሰየት ትግራይ ሓገዝ መድሓኒት ከም ዘብጸሐ ገሊጹ፡፡

እዚ ዜና ነታ ብሰንኪ እቲ ካብ ዝጅመር 15 ኣዋርሕ ኣቑጺሩ ዘሎ ኲናት፡ ብሕጽረት መሰረታዊ ቀረባት እትሳቐ ዘላ ክልል ተስፋ ዝህብ እዩ፡፡

ኣተሓባባሪ ጥዕና ቀይሕ መስቀል ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ምዕባለ ‘‘ዓብዪ ሩፍታ’’ ዝፈጥር እዩ ኢሉ፡፡

ኣድለይቲ መድሃኒት ዝሓዘት ነፋሪት ሎሚ ረቡዕ ናብታ ርእሰ ከተማ ትግራይ ዝኾነት መቐለ ከምዝኣተዋን፡ ቀይሕ መስቀል ኣብ ዝቕጽሉ መዓልቲታት'ውን ተወሰኽቲ በረራታት ከካይድ ምዃኑ፡ ከምኡ'ውን ብመሬት ናይ ጽዕነት መካይን ንምልኣኽ መደብ ከምዘለዎን ኣፍሊጡ'ሎ።

እቲ ምዕባለ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ዝግበር በረራታት ቀረብ መድሓኒትን መግብን ንምስላጥ ከም ዝሰርሕ ቃል ምእታዉ ስዒቡ እዩ መጺኡ ዘሎ፡፡

እንተኾነ እቲ ከም ብሓድሽ ኣብ መንጎ መዋሰንቲ ከባቢታት ትግራይን ዓፋርን ተወሊዑ ዘሎ ጎንጺ ነቲ ብመሬት ዝግበር ምጉዕዓዝ ሰብኣዊ ሓገዝ ክተሓላለኽ ገይሩዎ ኣሎ፡፡

ዓለም ለኻዊ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሕጽረት መሳርሒ ሕክምና ዶኳትር ንሓደ ግዘ ጥራሕ ዘገልግሉ ጓንትታትን መሳርሒታት መጥባሕትን ሓጺቦም ደጊሞም ክጥቀሙሉ ከም ዝተገደዱ ገሊጹ ነይሩ፡፡

ውድብ ጥዕና ዓለም ብተመሳሳሊ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ናብ ትግራይ ሓገዝ መድሓኒት ከየእቱ ከም ዝተኸልከለ ገሊጹ ነይሩ፡፡

እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተጀሚሩ ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝተጋፍሐ ኲናት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣስታት ሸውዓተ ሚልዮን ሰባት ተጸበይቲ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ክኾኑ ከም ዝገበረ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ፡፡

ነፋሪት ቀይሕ መስቀል ኣብ መቐለ

ምንጪ ስእሊ, ICRC

እቲ ደማዊ ኲናት ሓድሕድ ንከብቅዕ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣመሪካን ኬንያን ዝርከበአን ሃገራትን ጻዕሪ ይገብራ ኣለዋ፡፡

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶን ጉተረዝ፡ እቲ ብፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ፕረዚደንት ናይጄርያ ነበር ኦባሳንጆ ዝካየድ ዘሎ ጻዕሪ ጭቡጥ ተስፋታት ከም ዝተረኸቦ ኣብ ዝሓለፉ መዓልቲታት ገሊጹ ነይሩ፡፡

ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ንሱ ዝመርሖ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሓይልታት ትግራይ ንምዝርራብ ድልው ከም ዝኾነ ምዝራቡ እውን ማዕኸን ዜና ኣሶሺየትድ ፕረስ (ኤፒ) ጸብጺቡ።

ምስቲ ቀዳማይ ሚንስተር ነዊሕ ሰዓታት ዝወሰደ ዘተ ዘካየዱ ኣባላት ጉጅለ ዳያስፖራ ነጊሮምኒ ክብል ኣብ ዝዘርግሖ ዜና፡ መንግስቲ ፌደራል ምስቶም ንዝሓለፉ 15 ኣዋርሕ ክዋግኦም ዝጸንሐ ሓይልታት ትግራይ ናብ ድርድር ንምምጻእ ድልው ከም ዝኾነ ምሕባሩ ኣመልኪቱ።

እንተኾነ ኣብ ባይታ ግን ዛጊድ እቲ ኲናት ጠጠው ኣይበለን፡፡

ብፍላይ ኣብ መዋሰንቲ ክልላት ዓፋርን ትግራይን ከቢድ ኲናት ይካየድ ከምዘሎ ዝተሓበረ ኮይኑ፡ ሓይልታት ትግራይ ንገለ ካበቢታት ዓፋር ከም ዝተቖጻጸሩ ተገሊጹ ኣሎ፡፡