ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ምስ ሓይልታት ትግራይ ዘተ ከምዝህሉ ምዝራቡ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, PM Office
ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ንሱ ዝመርሖ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ሓይልታት ትግራይ ንምዝርራብ ድልው ከምዝኾነ ምዝራቡ ማዕኸን ዜና ኣሶሺየትድ ፕረዝ (ኤፒ) ጸብጺቡ።
ምስቲ ቀዳማይ ሚንስተር ነዊሕ ሰዓታት ዝወሰደ ዘተ ዘካየዱ ኣባላት ጉጅለ ዳያስፖራ ነጊሮምኒ ክብል ኣብ ዝዘርግሖ ዜና፡ መንግስቲ ፌደራል ምስቶም ንዝሓለፉ 15 ኣዋርሕ ክዋግኦም ዝጸንሐ ሓይልታት ትግራይ ናብ ድርድር ንምምጻእ ድልው ከምዝኾነ ምሕባሩ ኣመልኪቱ።
ኣቦ መንበር ኮሚቴ ህዝባዊ ጉዳያት ኣሜሪካውያን-ኢትዮጵያውያን (‘ኣሜሪካን ኢትዮጵያ ፐብሊክ ኣፈይርስ ኮሚቴ’) ኣይተ መስፍን ተገኑ፡ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣብ ዝነበሮም ዘተ ሓሙሽተ ሰዓታት ከምዝወሰደ ገሊጹ።
“እዚ ነገር [ኲናት] ደው ክብል ጽኑዕ ድልየት ኣሎ. . . ብርግጽ ከምኡ ንክኸውን እቲ ካልእ ወገን እውን ፍቓደኛ ክኸውን ኣለዎ” ክብል ድማ ኣረዲኡ።
ኣብቲ ዝተሳለጠ መድረኽ ዘተ እቲ ቀዳማይ ሚንስትር “ድርድር ክህልው እዩ፤ ንረብሓ እታ ሃገር ዘቐደመ ምኽንያታዊ ድርድር ክህልው’ዩ” ክብል ምዝራቡ ነቲ ኣቦመንበር ብምጽራሕ ኤፒ ጸብጺቡ።
ኣብ ቀረባ መዓልታት ናብ ኢትዮጵያ ዑደት ዘካየደ ሓድሽ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዴቪድ ሳተርፊልድ ድማ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝፈልጥዎ ነገር ከይሃለወ ከምዘይተርፍ ኣይተ መስፍን ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ።
ዛጊድ ግን ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኮነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እቲ ዝበሃል ዘሎ ድርድር ብወግዒ ዝገለጽዎ ነገር የለን።
ኣሶሺየትድ ፕረስ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ምስ ዳያስፖራ ዝገበርዎ ዘተ መዓስ ከምዝተኻየደን ኣብ እንታይ ጉዳይ ኣድሂቡ ከምዝተሳለጠን ዝርዝር ሓበሬታ ኣየቐመጠን።
ጻዕርታት ድርድር
ነቶም ኣብ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ዝዋግኡ ዘለዉ ተጻባእቲ ሓይልታት ናብ ድርድር ንምምጻእ ዝዓለመ ዓለምለኻዊ ጻዕሪታት ይካየድ ምህላዉ ይፍለጥ።
ብፍላይ ኣሜሪካን ሕብረት ኣፍሪቃን እቶም ሓይልታት ፍልልያቶም ብዘተ ፈቲሖም ነቶም ብኲናት ዝተሃሰዩ ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽበጽሖም ኣብ ምስራሕ ይርከቡ።
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣሜሪካ ዝነበረ ኣምባሳደር ጄፍሪ ፌልትማን ብተደጋጋሚ ናብ ኢትዮጵያ ብምምጻእ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ተራኺቡ ነይሩ። ንተወከልቲ ህወሓት እውን ኣብ ኬንያ ረኺቡ ከምዘዘራረቦም ምሕባሩ ይዝከር።
እቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተወከለ ፍሉይ ልኡኽ ኦሌሴጉን ኦባሳንጆ’ውን ንሰበስልጣን ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፤ ንሰበስልጣን ትግራይ ድማ ኣብ መቐለ እናረኸበ ብተደጋጋሚ ኣዘራሪብዎም’ዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድማ እቲ ንፌልትማን ዝተከአ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ዴቪድ ሳተርፊልድ ናብ ኢትዮጵያ ብምኻድ ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ከምዝተዘራረበ ይፍለጥ።
እዚ ኩሉ ጻዕሪታት፡ እቶም ኣብ ጎንጺ ዘለዉ ተጻባእቲ ሓይልታት ፍልልያቶም ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ክፈትሑ ንምግባር’ኳ እንተኾነ ዛጊድ ግን ጭቡጥ ዝኾነ ውጽኢት ኣይተረኣየን።
“ተስፋ ዝህብ ጻዕሪታት ኣሎ”
ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ቅድሚ መዓልታት ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ እቲ ኲናት ደው ንኽብልን ሰላም ንምምጻእን ዘኽእል ተስፋ ዝህብ ጻዕሪታት ምህላዉ ከምዘሐጎሶ ሓቢሩ ነይሩ።
ጉተረዝ ነዚ ዝበለ ንጉዳይ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ብዝምልከት ምስቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተወከለ ፍሉይ ልኡኽ ኦባሳንጆ ብስልኪ ድሕሪ ምዝርራቦም’ዩ።
ኦባሳንጆ ምስ ጉተረዝ ቅድሚ ምዝርራቡ ሓደ ሰሙን ኣቢሉ ናብ ኣዲስ ኣበባን መቐለን መገሻ ብምግባር ምስ ሰበስልጣን መንግስትን መራሕቲ ትግራይን ከምዝዘተየ ይዝከር።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







