ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ኬንያን ኣመሪካን ኲናት ሓድሕድ ንከብቅዕ ቀጻሊ ጻዕሪ ከምዝገብራ ገሊጸን

ፕሬዝደንት ኬንያታ ምስ አምባሳደር ሳተርፊልድ

ምንጪ ስእሊ, State house-keneya

መግለጺ ስእሊ, ፕሬዝደንት ኬንያታ ምስ አምባሳደር ሳተርፊልድ

ርግዓት ኢትዮጵያ ንሰላም እቲ ዞባ ወሳኒ ብምዃኑ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብቕልጡፍ መፍትሒ ክረክብ ኬንያን ኣመሪካን ዝገብረኦ ጻዕሪ ክቕጽላ ከም ዝተሰማምዓ ተገሊጹ፡፡

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ዴቬድ ሳተርፊልድ ምስ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝተዛተይሉ እዋን ነቲ ቅዋም ከም ዝወሰዱ ቤት ጽሕፈት እቲ ፕረዚደንት ኣፍሊጡ፡፡

ፕረዚደንት ኬንያ እቲ ኲናት ደው ንክብል ይገብሮ ንዘሎ ጻዕሪ ዝነኣደ ኣምባሳደር ሳተርፊልድ፡ ኣበርክቶ እቲ መራሒ ወሳኒ ምዃኑ ብምግላጽ ጻዕሩ ክሰምር ሓገዝ ኣመሪካ ከምዘይፍለዮ ገሊጹ፡፡

ኡሁሩ ኬንያታ፡ ኢትዮጵያን ኬንያን ብፍላይ ኣብ ህንጸት ቴሌኮምዩኒኬሽን ብሓባር ይሰርሓ ከም ዘለዋ ብምጥቃስ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኲናት ነቲ ዝተረኸበ ውጽኢት ከይጎድኦ ደው ክብል ከም ዘለዎ ተዛሪቡ፡፡

"ጥንካረ ኢትዮጵያ ንዓና ጠቓሚ እዩ፡፡ ዝተረጋገአት ኢትዮጵያ ተርብሓና እያ፡፡ ነዚ እዩ እቲ ጎንጺ መፍትሒ ክረክብ ዝኽኣልናዮ ኩሉ ንገብር ዘለና" ኢሉ፡፡

ሓድሽ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣምባሳደር ዴቪድ ሳተርፊልድ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝመጽአ ኮይኑ፡ ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ብምብጻሕ ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን እተን ሃገራት ከም ዝተዘራረበ ተገሊጹ እዩ፡፡

ንጄፍሪ ፌልትማን ተኪኡ ዝመጽአ ኣምባሳደር ሳተርፊልድ፡ ኣብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ሓላፊት ጉዳያት ኣፍሪቃ ምስ ዝኾነት ኣምባሳደር ሞሊ ፊ እዩ ነቲ ምብጻሕ ጀሚሩ፡፡

ፈለማ ናብ ስዑድ ዓረብ ብምኻድ፡ ብዛዕባ እታ ኣብ ከቢድ ፖለቲካዊ ጸገም እትርከብ ሱዳን ኣመልኪቱ ኣብ ዝተዳለወ ኣኼባ ተሳቲፉ፡፡

ቀጺሉ ድማ ናብ ካርቱም ኣምሪሑ ምስ ወታሃደራዊ መራሕትን ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ድሕሪ ምዝርራቡ ናብ ኢትዮጵያ ብምብጻሕ ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪቃን ከም ዝተዛተየ ተገሊጹ፡፡

እቶም ላዕለዎት ዲፕሎማሰኛታት ካብ ዋሽንግተን ቅድሚ ምብጋሶም ናብ ሃገራት ስዑድ ዓረብ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ከም ዝበጽሑ ተገሊጹ ነይሩ።

ብሰንኪ እቲ ካብ ዝጅመር 15 ኣዋርሕ ዘቑጸረ ኲናት ምስ ኢትዮጵያ ዝነበራ ርክብ ዝላሕለሐ ኣመሪካ፡ ርክባ ምስ ኬንያ ክጠናኸር ገይራ'ያ።

ኬንያ እውን እቲ ኲናት መፍትሒ ክረክብ ጻዕሪ ክትገብር ጸኒሓ'ያ። ፕረዚደንት ኡህሩ ኬንያታ'ውን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ብተደጋጋሚ ከም ዝተዘራረበ ይዝከር።