ኣብ ኢትዮጵያ ኣሽሓት ሓካይም ስለምንታይ ሸቕሊ ኣልቦ ኮይኖም?

ፕ/ር ሰናይት ፍሰሐ

ምንጪ ስእሊ, Senait Fisseha

መግለጺ ስእሊ, ፕ/ር ሰናይት ፍሰሐ

ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ሓካይም ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም፡፡

ደመወዝ ይወሰኸልና፤ ዝፍጸመና ጥሕሰት መሰላት ደው ይበል፤ ስርዓት ሕክምና ይመሓየሽ፤ ሕክምና መውሃቢ መሳርሒታት ይማልኡ፡ ካብቶም ዘቕረብዎም ሕቶታት ዝጥቀሱ እዮም፡፡

ናይቶም ናይ ሕክምና ተመረቕቲ ሕቶ ድማ ኣዝዩ መሰረታዊ እዩ፡ 'ስራሕ ቁጸሩና!'።

ስእነት ስራሕ ኣብቶም ሓካይም ጥራሕ እንተይኮነስ፡ ኣብቶም ንቐጻሊ ሕክምና ክመሃሩ ዝደልዩ እውን ጸቕጢ ዘሕድር እዩ፡፡

ውላዶም ተመሪቑ ሓኪም ክኸውን እዩ ኢሎም ዝጽበዩ ቤተሰብ፣ ብሰንኪ ሕጽረት በዓል ሞያ ሕክምና ኣብ እዋን ወሊድ ጸገም ዘጋጥማ ኣዶ፣ ኣለሻ ስራሕ ካብ ሃገር ዝስደድ ሓኪም. . . ናይቲ ጸገም መግለጺታት ብዙሓት እዮም፡፡

መንግስቲ ፌደራል ሰብ ሞያ ምምዳብ ምቁራጹ

ብኣቆጻጽራ ግእዝ ኣብ 2011 ዓ/ም ሚኒስትሪ ጥዕና ተመረቕቲ ሓካይም ምምዳብ ደው ኣቢሉ፡፡ ኣብ ክንድኡ ክልላት ሰብ ሞያ ኣወዳዲሮም ይቑጸሩ ተባሂሉ፡፡

ክልላት ድማ ብሕጽረት ባጀትን ካልኦት ምኽንያታትን ብዙሓት ሰብ ሞያ ንምቑጻር ተሸጊሮም፡፡

ስራሕ ዝሰኣኑ ሓካይም ክሳብ ሰልፊ ምውጻእ በጽሑ፡፡

ኣብዚ እዋን እዩ ሚኒስትሪ ጥዕና ምስ መሻርኽቲ ኣካላትን ክልላትን ብምዃን ሓካይም ኣብ ክልላት ናይ ምቑጻር ሓሳብ ዝተወጠነ፡፡

መንግስቲ ፌደራል 175 ሚልዮን ብር መዲቡ፤ በፌት ፋውንዴሽን ድማ እቲ ዝተረፈ 175 ሚልዮን ብር ንምሽፋን ተሰማሚዑ፡፡

በዚ ገንዘብ፡ ተመሪቖም ስራሕ ዘይረኸቡ 2898 ሰብ ሞያ ጥዕና ንሰለስተ ዓመታት ኣብ ክልል ከተማታት ክቑጸሩ እዮም፡፡

ፕረዚደንት ማሕበር ሓካይም ኣምሓራ ዶ/ር ኣብራራው ታደሰ "እዚ ኣሰራርሓ ብውሑድ ንዝተወሰነ ዓመታት ናይ ሓካይም ሸቕሊ ኣልቦነት ይቐርፍ እዩ" ይብል፡ ።

‘‘እቲ ሓሳብ ብኣወንታ ኢና እንቕበሎ፤ ንድግፎ ኢና፡፡ ከም ጊዝያዊ ፍታሕ ጽቡቕ እዩ፡፡ ዘላቒ መፍትሒ ግን ኣይኸውንን’’ ይብል፡፡

ዘላቒ መፍትሒ ዝመጽእ ሃገራዊ በጀት ጥዕና እንትውስኽ እዩ ይብል፡፡ ሽዑ ክልላት ናይ ምቑጻር ዓቕመን ኣጎልቢተን ብዙሓት ሰብሞያ ከዋፍራ ይኽእላ እየን፡፡

እቲ ሕዚ ዘሎ ስርዓት ጥዕና እንታይ ዓይነት በዓል ሞያ እዩ ዝደሊ? ተባሂሉ ሓኪም ብትልሚ ክስልጥን ይመክር፡፡

ድሕሪኡ ነቲ ዝተረፈ በዓል ሞያ ክተኣናግድ ዝኽእል ናይ ጥዕና ትካል ምህናጽ የድሊ፡፡

ብመሰረት ዓለም ለኻዊ ኣሰራርሓ፡ ሓደ ሓኪም ኣገልግሎት ምስዝረኽቡ ቁጽሪ ተሓከምቲ ንምምጥጣን ናይ ፖሊሲ ምምሕያሽ ክግበር ከምዘለዎ ይመክር፡፡

‘‘ክልላት ሓኪም ይደልያ እየን፡፡ በዓል ሞያ ጥዕና እንትመጸን ደስ ይበለን፡፡ ግን ድማ ንምቑጻር ዘኽእል ገንዘብ ሰለዘይብለን እቲ ክፍተት ተፈጢሩ’’ ይብል ዶ/ር ኣብራራው፡፡

ብተወሳኺ ‘‘ ሐዚ ዘሎ ናይ በዓል ሞያ ቁጽሪ ነታ ሃገር እኹል ኣይኮነን፡፡ እንተኾነ ነቲ ዘሎ በዓል ሞይ ክቖጽር ዝኽእል በጀት የለን፡፡ እቲ ቀንዲ ጉዳይ ባጀት ምምሕያሽ እዩ፡፡’’

ብዙሓት ሓኪም ኣብ ዘድልያ ሃገር፡ ስራሕ ዘይብሉ ሐኪም ምርኣይ ተቓራኒ ከምዝኾነ ይዛረብ።

‘‘ ብዙሓት ሓካይም ናብ ማሕበርና መጺኦም ስራሕ ድለዩልና ይብሉና፡፡ ግዘኦም ሂቦም፣ ንእስነቶም ወዲኦም፣ እታ ሃገር ብዙሕ ወጻኢ ገይራትሎም ስራሕ ዘይምርካቦም ተቓራኒ ነገር እዩ፡፡ ክፍጠር እዩ ኢልካ እውን ኣይግመትን፡፡’’

ሸቕሊ ኣልቦ ሓካይም ዝቑጸሩሉ ኣሰራርሓ

ኣማኻሪት ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ዶ/ር ሊያ ታደሰ ዝኾነት ዶ/ር ሰናይት በየነ፡ ዋላ‘ኳ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ሰብ ሞያ ጥዕና ብበዝሒ ተማሂሮም እንተተመረቑ፡ ናይቶም ዝቖጽርዎም ትካላት ናይ ምቕባል ዓቕሚ ሓቢሩ ኣይዓበየን፡፡

በዚ ድማ ተመሪቖም ስራሕ ዘይረኽቡ ሰብሞያ እናበዝሑ መጺኦም፡፡

መንግስቲ ዝሃቦ መፍትሒ፡ ሰብሞያ ንሰለስተ ዓመታት ኣብ ክልል ዝቑጸሩሉ ወጻኢ ምስ ሓገዝቲ ኮይኑ ምሽፋን እዩ፡፡

እዚ ናይ ወጻኢታት ምክፋል (Matching Fund) ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት ሰለስተ ደረጃታት ከምዝህልውዎ ዶ/ር ሰናይት በየነ ተረድእ፡፡

ኣብ መጀርታ ዓመት መንግስቲ ፌደራልን ፌት ፋውዴሽንን ሓድሕዶም 50 ምኢታዊት ወጻኢ ይሽፍኑ፡፡ ኣብ ዝቕጽል ዓመት ክልላት 25 ምኢታዊት የዋጽኣ፡፡ ኣብ ሳልሳይ ዓመት ክልላት 50 ምኢታዊት ወጻኢ ይሽፍና፡፡

ድሕሪ ራብዓይ ዓመት ናይቶም ሰብሞያ ደሞዝ ሙሉእ ብሙሉእ ብክልላት ዝኽፈል ይኸውን፡፡

‘‘ብዘላቕነት ዝሓዝናዮ ትልሚ ክልላት በጀት ሒዘን፡ በዓል በሞያ እናቖጸራ ክኸዳ ምግባር እዩ’’ ትብል እታ ኣማኻሪት፡፡

ኣብዚ መደብ ዝጠቓለሉ ብቐንዱ ኣብ ክልላት ምምዳብ ደው ካብ ዝበለሉ 2011 ዓ/ም ናብዚ ተመሪቖም ስራሕ ዘይረኸቡ ሰብ ሞያ እዮም፡፡

እቶም ሰብ ሞያ ኮምሽን ፈጠራ ስራሕ ንደለይቲ ስራሕ ኣብ ዘዳለዎ መርበብ ሓበሬታ መመልከቲ ብምቕራብ ድማ ተወዳዲሮም ይቑጸሩ፡፡

ማቺንግ ፈንድ ነቶም 75 መኢታዊት ዝኾኑ ተመሪቖም ስራሕ ዘይረኸቡ ሰብ ሞያ ስራሕ ከትሕዝ ትጽቢት ይግበረሉ ትብል ዶ/ር ሰናይት፡፡

‘‘ንሓካይም ኣብ ጸገም ዘውደቐ ምብልሻው ፖሊሲ እዩ’’

ፕሮፌሰር ሰናይት ፍሳሃ፡ ስፔሻሊስት ጥንስን ማህጸንን፡ ከምኡ እውን በዓለቲ ሞያ ሕግን ኣብ ዩነቨርሲቲ ኦፍ ሚሺጋን ሓላፊት ፋከልቲ ኣብ ፌት ፋውንዴሽን ድማ ናይ ዳይሬክተር ግሎባል ፕሮግራም እያ፡፡

እቲ ብፌት ፋውንዴሽን ንሰለስተ ዓመታት ዝተመደበ 175 ሚልዮን ብር፡ ሰብ ሞያ ሸቕሊ ኣልቦ ከይኮኑን ብሞየኦም ማሕበረሰቦም ከገልግሉን ዝሕግዝ እዩ ትብል፡፡

ቁጽሪ ዝመሃሩ ሓካይም እንትዓቢ እቲ ዓውዲ ጎኒ ንጎኒ ከምዘይዓበየ ብምግላጽ ‘‘ነዞም ሓካይም ንጸገም ክቃልዑ ዝገበሮም ናይ ፖሊሲ ምብልሻው እዩ’’ ትብል፡፡

ክልላት ናይ ባዕልቶም ሰብሞያ ይቑጸሩ እንተበሃል ካብ ናይ በጀት ውሱንነት ብተወሳኺ ‘‘ካብዚ ክልል እንተዘይኮይንኩም ወይ እቲ ቋንቋ እንድሕር ዘይተዛሪብኩም ኣይንቖጽረኩምን ’’ብምባሎም ጸገም ፈጢሩ ትብል፡፡

በዚ ጸገም ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሓካይም ካብ ስራሕ ወጻኢ ኮይኖም፡፡

‘‘ሞራሎም ተጎዲኡ እዩ፡፡ ወይ ኣብ ገዝእም እዮም ዝውዕሉ ወይ ዘይኮነ ስራሕ እዮም ዝሰርሑ ዘለዉ’’ ትብል ፕሮፌሰር ሰናይት ፍሳሃ፡፡

ማቺንግ ፈንድ ጊዝያዊ ፍታሕ ምዃኑ እያ ትኣምን፡፡ ሓካይም ተወዲቦም ሕክምና ክኸፍቱ ምግባር፣ ናብ ናይ ውልቀ ዓውዲ ክኣትዉ ምምችቻውን ናብ ወጻኢ ሃገር ኬድካ ምስራሕን ኣብ ቀጻሊ ክሕሰበሎም ዝግባእ ኣማራጺታት ከምዝኾኑ እውን ትመክር፡፡

ፕሮፌሰር ሰናይት ፍሳሃ፡ ኣብ ቅዱስ ጳውሎስን ጥቁር ኣንበሳን ዝነበሩ ኣባላት ማሕበር ተምሃሮ ሕክምና ኢትዮጵያ እውን፡ ናይ ምረቓ እዋኖም እንትበጽሕ ኣብ ክንዲ ዝሕጎሱ ‘‘ስራሕ ክንስእን ንኸውን’’ ዝብል ፍርሒ ከምዝነበሮም ትዝክር፡፡

ኣብ ናሃታ ሞያ ዘለዉ ሰባት ስራሕ ክስእኑ ምርኣያ ዝፈጠረላ ጓሂ ማቺንግ ፈንድ ንምጅማር ከምዝደፋፍኣ እውን ትዛረብ፡፡

ሓካይም

ምንጪ ስእሊ, NIYAZZ

ኢትዮጵያ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም ንሓደ ማሕበረሰብ የድልይዎ ዝበሎም በዝሒ ሓካይም ኣይተማልእን፡፡

ነዚ እዩ ንዘፈር ጥዕና ‘‘ቀዳምነት ክትህብ ኣለዋ’’ ኢላ ትመክር ፕሮፌሰር ሰናይት ፍሰሃ፡፡

ኣማኻሪት ሚኒስተር ጥዕና ኢትዮጵያ ዶ/ር ሰናይት በየነ ብወገና፡ ሓካይም ኣብ ስራሕ ክዋፈሩ ሚኒስትሪ ጥዕና ተወሰኽቲ ሓሳባት ከምዘለዉዎ ትገልጽ፡፡

ሓደ ናይ ውልቀ ሕክምና ንምኽፋት ቅድም ኢሉ ዝሕተት ዝነበረ ናይ ስራሕ ልምድን ብዙሕ መዋእለ ንዋይን ኣቕሊልካ ሓካይም ናይ ባዕሎም መሐከሚ ኦፊስ (Office Practice) ክኸፍቱ ዘኽእል ኣሰራርሓ ከምዝጸደቐ ኣመልኪታ፡፡

ካልኣይ ድማ ኢትጵያውያን ሓካይም ኣብ ሃገራት ወጻኢ ዝቑጸሩሉ ኣሰራርሓ እዩ፡፡

‘‘ብዙሓት ነገራት ጎኒ ንጎኒ ይስርሑ ስለዘለዉ፡ ኣብ ከይዲ ተመሪቑ ስራሕ ዘይሕዝ በዓል ሞያ ጥዕና ክህሉ እዩ ኢለ ኣይሓስብን’’ ትብል፡፡