ኬንያውያን ሓካይም ብጌጋ ርእሲ ኻልእ ሕሙም መጥባሕቲ ከፊቶም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኬንያውያን ሓካይም ብጌጋ ርእሲ ናይ ካልእ ሕሙም ብመጥባሕቲ ስለ ብምኽፋቶም ካብ ስራሖም ደስኪሎም ኣለዉ።
ካብ'ቶም ክልተ ሕሙማን ሓዲኦም ኣብ ሓንጎሉ ደም ስለዝረግአ መጥባሕቲ ዘድልዮ፣ እቲ ካልእ ከኣ ንሕበጡ ሕክምናዊ ክንክን ዘድልዮ እዮም ነይሮም ይብል ዘ ደይሊ ነሽን ዝተባህለ ጋዜጣ።
እቲ ጋዜጣ ቀጺሉ፡ "እቲ ዘሰንብድ ጌጋ እቲ ሕበጥ ዝነበሮ ሰብ ናይቲ ደም ኣብ ርእሱ ዝረግኦ ሰብ መፈለጥታ ካርድ ስለ ዝገበርሉ፡ ደፊኦም ንኣዳራሽ መጥባሕቲ የትዮሞ።"
እቶም ሓካይም ነቲ ጌጋ ብእዋኑ ኣይስተብሃልሉን። እቲ ጋዜጣ ይብል፡ "እቶም ሓካይም ነቲ ሕሙም ርእሱ ብመጥባሕቲ ድሕሪ ምኽፋት ነቲ ዝረግአ ደም ክረኽቡዎ ኣይከኣሉን። ሽዑ'ዩ ጌግኦም ተረዲኡዎም።"
ኬንያታ ሃገራዊ ሆስፒታል እቲ ጌጋ ኣዝዩ ከም ዘሕዘኖ ገሊጹ፣ ነቲ ቀንዲ ብጌጋ ዝጠብሐ ሓኪም ከም ዘደስከልዎ ድማ 'ስታንዳርድ' ዝተባህለ ካልእ ጋዜጣ ገሊጹ።
"ይዅን'ምበር ብጾት እቲ ሓኪም በዚ ጕዳይ'ዚ ዓገብ ይብሉ ኣሎዉ" ይብል "ስታር" ዝተባህለ ጋዜጣ። እቶም ሓካይም "እቲ ብጌጋ መፈለጥታ ካርድ ነቲ ሕሙም ዘገበረሉ ሰብ'ዩ ክቕጻዕ ዘሎዎ" ይብሉ።
ጋዜጣ "ዘ ደይሊ ነሽን" እቶም ክልቲኦም ሕሙማት ብድሓን ከም ዘሎዉ ሓቢሩ። እቲ ኣብ ርእሱ ደም ዝረግኦ ሕሙም ስለ ዝሓሾ መጥባሕቲ ኣየድልዮን ይበሃል ኣሎ።
![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







