ሩሲያ፡ ሓካይም ነቓፊ ፑቲን ናቫልኒ 'ኣብ ውሽጢ መዓልታት ክመውት' ይኽእል'ዩ ኢሎም

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ዶኳትር ኣብ ማእሰርቲ ዝርከብ ተቓዋምን ነቓፍን ፕረዚዲንት ቭላድሚር ፒቲን ዝኾነ ኣሌክሲ ናቫልኒ ግቡእ ሕክምናዊ ኣቓልቦ እንተዘይተገይርሉ "ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ክመውት" ይኽእል'ዩ ኢሎም።
ናቫልኒ፡ ኣብ ዝኾነ ህሞት ህርመት ልቡ ደው ክብል ወይ'ውን ናይ ኩሊት ሕማም ከጋጥሞ ከም ዝኽእል ውጽኢት መርመራ ደም የርእየና ኣሎ'ውን ኢሎም።
ኣሌክሲ ናቫልኒ ንዝሓለፉ 18 መዓልታት ኣድማ ምሕሳም መግቢ ክገብር እንከሎ፡ ንዘጋጠሞ ጸገም ዓንዲ ሑቐን ምድንዛዝ እግርን ግቡእ ሕክምና ክረክብ ይጠልብ።
እዚ ፍሉጥ ነቓፊ ፕሬዝደንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ዝኾነ ናቫልኒ ክሲ ምጥፍፋእ ቀሪብሉ ኣብ ወርሒ ለካቲት ከም ዝተኣሰረ ይዝከር።
ኣርባዕተ ሓካይም ናቫልኒ ከኣ ብቕልጡፍ ንክርእዩዎ ክፍቀደሎም ዝጠልብ ደብዳበ ናብ ኣመሓደርቲ እቲ ዘለወሉ ቤት ማእሰርቲ ጽሒፎም።
ካብዚኦም ሓንቲ ናይ ውልቂ ሓኪሙ ኣናስታሲያ ቫሲልቫ "ኣብ ኣሰካፊ" ኩነታት እዩ ዘሎ ክትብል ኣብ ትዊተር ጽሒፋ።
"እዚ ማለት ኣብ ዝኾነ እዋን ክልቲኡ ኩሊቱ ካብ ስራሕ ጠጠው ናይ ምባልን ጸገም ህርመት ልብን ከጋጥሞ ይኽእል'ዩ" ኢላ።
ኣብ ሓደ ሊትሮ መጠን ፖታሽየም ደም ልዕሊ 6.0 ሚሊሞለስ እንተኾይኑ፡ ኩል ግዜ ህጹጽ ሕክምና የድሊ።
ውጽኢት መርመራ ደም ናቫልኒ፡ 7.1 ከም ዝኾነ ይግለጽ። እቲ ናይ መግቢ ምሕሳም ኣድማ ካብ ዝጅምር ከኣ ካብ ዝነበሮ 76 ኪሎ ግራም ትሸዓተ ኪሎ ግራም ከም ዝነከየ ተሓቢሩ።
እቶም ዶኳትር ከኣ "ናቫልኒ ዘጋጠሞ ምስማምን ውጽኢት መርመራ ደሙን ኣብ ግምት ብምእታው" ኣመራርሓ እቲ ቤት ማእሰርቲ ሕክምና ንክገብርሉ ከፍቅዱሎም ሓቲቶም።
ወዲ 44 ዓመት ናቫልኒ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2020 ኖቪቾክ ብዝተባህለ ኬሚካል ተሰሚሙ'ዩ።
ንሱ፡ እቲ ምስማም ብትእዛዝ ፕሬዝደንት ቭላድሚር ፑቲን ዝተፈጸመ'ዩ ክብል እንከሎ፡ ሩሲያ ነዚ ክሲ ትነጽጎ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ልዕሊ 70 ፍሉጣት ጸሓፍቲ፣ ስነ ጥበባውያንን ሙሁራትን ፕሬዝደንት ፑቲን፡ ናቫልኒ ግቡእ ሕክምና ንክረክብ ከፍቅደሉ ዝጠልብ ክታሞም ዘዕረፍሉ ደብዳበ ጽሒፎም ኣለው።
ብቐዳም ፕሬዝደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ሕክምና ናቫልኒ "ፍጹም ዘይምዕሩይን ፍትሓዊ ዘይኮነን" እዩ ክብል ግቡእ ኣገልግሎት ክረክብ ኣለዎ ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።
ኣብ ወርሒ መጋቢት ስለያ ኣመሪካ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ናቫልኒ ዝተፈጸመ ምስማም ኢድ መንግስቲ ሩሲያ ኣለዎ ኢሉ ደምዲሙ እዩ።
ብሰሉስ ምምሕዳር ባይደን ከኣ ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሰብ መዚ ሩሲያ እገዳታት ከንብር እንከሎ፡ ሩሲያ'ውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ወሲዳ'ያ።
በዚ መሰረት ሩሲኣ 10 ዲፕሎማት ኣመሪካ ካብ ሃገራ ክወጽኡ ትዝኣዝ ክትህብ እንከላ፡ ካልኦት ሸሞንተ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኣመሪካ ድማ ናብ ሃገራ ከይኣትው ኣተሓሳሲባ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







