ሩስያ፡ 'ኣሌክሴ ናቫልኒ ብትእዛዝ ፑቲን ተመሪዙ' ንዝብል ክሲ ነጺጋ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ቤተ መንግስቲ ሩስያ- ክረምሊን፡ ምምራዝ ኣሌክሴ ናቫልኒ ብትእዛዝ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ከም ዝተፈጸመ ንዝገልጽ ክሲ ነጺጉ።
ወሃቢ ቃል ክረምሊን፡ ዲሚትሪ ፐስኮቭ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ክሲ ዘይሓቅን ብዕቱብ ዘይረኣይን እዩ ኢሉ።
ሓካይም ናቫልኒ ዝሕከመሉ ዘሎ ሆስፒታል ጀርመን ተመሪዙ ክኸውን ከም ዝኽእል እኳ እንተገለጹ፡ ፐስኮቭ ግን ንምንታይ ናብዚ መደምደምታ ከም "ዝተሃወኹ" ዘተሓታትት እዩ ኢሉ።
ደገፍቲ ናቫልኒ፡ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቶምስክ ኣብ ዝሰተዮ ሻሂ ስሚ ተገይሩ ክኸውን ከም ዝኽእል ይዛረቡ።
ብፅኑዕ ሓሙሙ ንዝርከብ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ሩስያ ኣሌክሴ ናቫልኒ ዝሕክም ዘሎ ሆስፒታል በርሊን ከምዝተመረዘ ገሊፁ።
ሆስፒታል ቻሪቴ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ኣሌክሴ ብ "ኮላይኔስትሬስ'' (cholinesterase inhibitors) ዝተባህለ ከሚካል ከምዝተመረዘ ገሊፁ።
ይኹን'ምበር ቅድም ክብል ሩስያውያን ዶኳትር ኣሌክሴ ከምዘይተመረዘን ኣብ ዘካየድዎ ምርመራ ዝኾነ ንጥረ ነገር ከምዘይረኸቡ እዮም ገሊፆም።
ሆስፒታል ቻሪቴ ድማ፡ ኣሌክሴ ናቫልኒ ዋላ እኳ ኣዝዩ እንተሓመመ ንህይወቱ ከምዘየስግእ እቲ ሆስፒታል ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ሩስያ ናብ ነፋሪት ምስ ኣተወ ሃለዋቱ ኣጥፉኡ ዝወደቐ ኣሌክሴ፡ ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ሻሂ ኣብ ዝሰተየሉ ግዘ ከምዝተመረዘ እዩ ዝግለፅ።
ፀኑሑ እውን ኣሌክሴ ካብ ሳይቤርያ ናብ ሞስኮ ኣብ ዝጓዓዘሉ ግዘ፡ ኣብ ከቢድ ቃንዛ ኮይኑ ዘርኢ ተንቀሰቓሲ ምስሊ ተዘርጊሑ ነይሩ።
ደገፍቱ ድማ ኣብቲ ኣብ ቶምሶክ ዝሰተዮ ሻሂ ከምዝተመረዘ ይጥርጥሩ።
"እቲ ትኽክለኛ ትሕዝቶ ክሳብ ሕዚ ኣይተፈለጠን። ሰፊሕ ምርመራ ተጀሚሩ እዩ። ናይቲ መርዚ፡ ማለት እውን ኮላይኔስትሬስ ዓጋቲ ኬሚካል ኣብ ኦርጋኒዝም ዘለዎ ሳዕቤን ኣብ ብዙሓት ናይ ውልቀ ቤተ-ሙከራ ተረጋጊፁ እዩ" ኢሉ።
ናቫልኒ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ኮማ ዝርከብ እንትኸውን፡ እቲ መርዚ ንቀፃሊ ኣብ ስርዓት መትንታቱ ሳዕቤን ክፈጥር ከምዝኽእል እቶም ጉጅለ ሓኻይም ኣጠንቂቖም።
ኣሌክሴ ናቫልኒ መን እዩ?
ብልሽውና ሰብመዚ ብምቅላዕ ኣብ ሩስያ ስሙይ ዝኾነ ወዲ 44 ዓመት ኣሌክሴ፡ ንናይ ቪላድሚር ፑቲን ሰልፊ ዩናይትድ ራሽያ " ናይ ገበነኛታትን ለያቡን" ውድብ ብምባል እዩ ዝገልፆ።
በዚ ድማ ብዙሕ ግዘ ኣደዳ ማእሰርቲ ኮይኑ እዩ።
ኣብ 2011 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን፡ ናይ ፑቲን ዩናይትድ ራሽያ መረፃ ኣታሊሉ እዩ ብምባል ን15 መዓልታት ተኣሲሩ።
ኣብ 2013 ድማ፡ ብምጥፍፋእ ክሲ ቀሪብሉ፡ ንሓፂር ግዘ ዝተኣሰረ እንትኸውን፡ ንሱ ግና ፖለቲካዊ እዩ ብምባል ውድቂ ገይርዎ እዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣብ 2017 ብዘጋጠሞ ናይ ኣሲድ መጥቃዕቲ የማናይ ዓይኑ ብምቅፃሉ ብከቢድ ተሳቕዩ እዩ።
ኣብ 2018 ኣብ መረፃ ክወዳደር ፈቲኑ ዝነበረ ኣሌክሴ፡ ቅድም ክብል ብምጥፍፋእ ተኸሲሱ ስለዝነበረ ኣብቲ መረፃ ንከይወዳደር ተኣጊዱ።
ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት 2019'ውን፡ ፍቓድ ዘይተውሃቦ ሰልፊ ተቓውሞ ፀዊዕካ ብዝብል ን 30 መዓልታት ተኣሲሩ እዩ።
ሽዑ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ኣብ ዝነበረሉ ግዘ ከምዝሐመመን፡ ዶካትር ናይ ቆርበት ኣለርጂ ከምዘጋጠሞን ገሊፆም።
ይኹን እምበር ኣሌክሴ፡ ናይ ቆርበት ምኩሳሕ (ኣለርጂ) ዝበሃል ነይሩኒ ኣይፈልጥን ብምባሉ፡ ደሓር ዶካትሩ ከይተረፉ "ንሓደ መርዛም ነገር ተቓሊዑ ክኸውን" ከምዝኽእል ሓቢሮሞ እዮም።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







