ነቓፊ ፑቲን 'ብጽኑዕ ስለዝሓመመ' ናብ ጀርመን ክኸይድ ኣይክእልን ተባሂሉ

ኣሌክሴ ናቫልኒ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ሩስያ ኣሌክሴ ናቫልኒ፡ ብጽኑዕ ሓሚሙ ስለ ዘሎ ናብ ጀርመን ክኸይድ ከም ዘይክእል ሓካይም ሩስያ ገሊጾም።

ንሱ፡ ሃለዋቱ ኣጥፊኡ ኣብ ሆስፒታል ከም ዘሎን፡ ተመሪዙ ክኸውን ከም ዝኽእልን'ዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ብዝኾነ ሰብ ዘይድፈር ንዝበሃል ፕረዝደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ ብድፍረት ብምቅዋም ዝፍለጥ ኣሌክሴ ናቫልኒ ካብ ትማሊ ሓሙስ ጀሚሩ፡ ኣብ ሳይቤርያ ኣብ ሆስፒታል ኣብ ሃለዋቱ ኣጥፊኡ ይርከብ።

መሻርኽቲ ኣሌክሴ፡ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ሻሂ ኣብ ዝሰተየሉ ግዘ ተመሪዙ ዝብል ጥርጣረ እዩ ዘለዎም።

ብድሕሪኡ ናብ ነፋሪት ምስ ኣተወ ግና ሃለዋቱ ኣጥፊኡ ወዲቑ።

እዚ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ፡ ከም ዝተመረዘ ምስ ተገለፀ ሃገራት ጀርመንን ፈረንሳይን፡ ክሕክምኦ ሓቲተን እየን።

በዚ ድማ መሳርሒ ሕክምና ዝተገጠመላን ፍሉያት ሓኻይም ዝሓዘትን ኣምቡላንስ ነፋሪት ካብ በርሊን፡ ህይወት ኣሌክሴ ናቫልኒ ንምትራፍ ናብ ሳይቤርያ በሪራ ኣላ።

ኣብ ጀርመን ዝርከብ ሆስፒታል ቻራይት ድማ፡ ቀንዲ ነቓፊ ፕረዝደንት ፑቲን ንዝኾነ ኣሌክሴ ንምሕካም ከም ዝተዳለወ ተገሊፁ።

እንተኾነ፡ ሩስያውያን ሓካይም ኣሌክሴ ብጽኑዕ ሓሚሙ ብምህላው ንዝያዳ ንሕክምና ናብ ጀርመን ክኸይድ ከም ዘይኽእል ገሊፆም።

መራሒት ሃገረ ጀርመን ኣንጌላ ሜርክል፡ "ኩሉ ዘድሊ ሕክምና ካባና ክረክብ ይኽእል እዩ፡ ምሕረት ከውርደሉ ድማ እምነ" ኢላ።

ኣፈኛ ፕረዚደንት ሩስያ'ውን፡ ትማሊ ሓሙስ፡ ኣሌክሴ ካብ ሃገር ወጺኡ ክሕከም ኣድላይ እንተኾይኑ፡ ክሬምሊን ከምትሕግዝ ብምሕባር፡ "ቀልጢፉ ክሓዊ" ምንዮቱ ገሊጹ።

ጀርመን ንዝተመረዙ ሩስያውያን ክትሕክም እዚ ፈላማይ ኣይኮነን።

ኣብ 2018 እውን፡ ምልክታት ምምራዝ ንዝነበሮ ሩስያዊ ተጠባቂ ሰብኣዊ መሰላት ቨርዚሎቭ፡ ኣብ ጀርመን ሕክምና ረኺቡ እዩ።

በዓልቲ ቤቱ ንኣሌክሴ ናቫልኒ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኣሌክሴ ናቫልኒ እንታይ እዩ ኮይኑ?

ፕረዚደንት ቪላድሚር ፑቲን ዘመን ስልጣኑ ምንውሑ ስዒቡ፡ ኣሌክሴ፡ እቲ ፕረዝደንት ሕገ-መንግስቲ ጥሒሱ እዩ፤ ዕልዋ መንግስቲ ካብ ምክያድ ዘይንእስ ተግባር እዩ ብምባል ክኹንን እዩ ፀኒሑ።

ኣሌክሴ ናቫልኒ፡ ትማሊ ሓሙስ ካብ ቶምሶክ ናብ ሞስኮ ኣብ ዝጓዓዘሉ እዋን፡ ብጽኑዕ ስለዝሐመመ እታ ነፋሪት ኣብ ሳይቤሪያ ክትዓርፍ ተገዲዳ።

እቲ ኣንጻር ብልሽውና ብምጉስጓስ ዝፍለጥ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ፡ ኣብ 2011 ኣቖፃፅራ ኣውሮጳውያን ኣብ ዘጣየሾ ትካል ኣፈኛ ዝኾነት ኪራ ያርሚሽ፡ "ንኣሌክሴ መርዚ ኣስትየሞ" ክትብል ብትዊተር ሓቢራ።

ቀጺሉ ድማ ኣሌክሴ ኣብ ሓያል ቃንዛ እንከሎ ዘርኢ ኣዝዩ ዝርብሽ ተንቀሳቓሲ ምስልን፡ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቶምሶክ ሻሂ እናሰተየ ዘርኢ ስእልን ተቓሊሑ።

ኣሌክሴ ኣብዚ ሰዓት ብመተንፈሲ ማሽን (ቨንትሌተር) እናተንፈሰ ኣብ ኮማ ዝርከብ ኮይኑ፡ መኮንናት ድማ ነቲ ሆስፒታል ከምዝኸበብዎ ተገሊፁ።

ኣብ መጀመርታ ናብቲ ሆስፒታል ከይትኣቱ ተኸልኪላ ዝነበረት በዓልቲ ቤቱ ዩሊያ ናቫለና'ውን ደሓር ኣትያ ክትርእዮ ተፈቒዱላ እዩ።

ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ንሓደ ፖሊስ ብምጥቃስ፡ ኣሌክሴ ናቫሊ፡ ኣብ ዝሓለፈ ለይቲ ኣልኮል ሰትዩ ሰኺሩ ከምዝነበረ ከምዝጸብጸቡን፡ በዓልቲ ገዝኡ ግና፡ እዚ "ሙሉእ ዓጀውጀው እዩ፤ ንሱ ኣብ ሩባ ክሕምስ እዩ ኣምስዩ" ብምባል ነጺጋቶ።

ኣሌክሴ ናቫልኒ መን እዩ?

ኣሌክሴ ናቫልኒ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ብልሽውና ሰብመዚ ብምቅላዕ ኣብ ሩስያ ስሙይ ዝኾነ ወዲ 44 ዓመት ኣሌክሴ፡ ንናይ ቪላድሚር ፑቲን ሰልፊ ዩናይትድ ራሽያ " ናይ ገበነኛታትን ለያቡን" ውድብ ብምባል እዩ ዝገልፆ።

በዚ ድማ ብዙሕ ግዘ ኣደዳ ማእሰርቲ ኮይኑ እዩ።

ኣብ 2011 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን፡ ናይ ፑቲን ዩናይትድ ራሽያ መረፃ ኣታሊሉ እዩ ብምባል ን15 መዓልታት ተኣሲሩ።

ኣብ 2013 ድማ፡ ብምጥፍፋእ ክሲ ቀሪብሉ፡ ንሓፂር ግዘ ዝተኣሰረ እንትኸውን፡ ንሱ ግና ፖለቲካዊ እዩ ብምባል ውድቂ ገይርዎ እዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣብ 2017 ብዘጋጠሞ ናይ ኣሲድ መጥቃዕቲ የማናይ ዓይኑ ብምቅፃሉ ብከቢድ ተሳቕዩ እዩ።

ኣብ 2018 ኣብ መረፃ ክወዳደር ፈቲኑ ዝነበረ ኣሌክሴ፡ ቅድም ክብል ብምጥፍፋእ ተኸሲሱ ስለዝነበረ ኣብቲ መረፃ ንከይወዳደር ተኣጊዱ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት 2019'ውን፡ ፍቓድ ዘይተውሃቦ ሰልፊ ተቓውሞ ፀዊዕካ ብዝብል ን 30 መዓልታት ተኣሲሩ እዩ።

ሽዑ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ኣብ ዝነበረሉ ግዘ ከምዝሐመመን፡ ዶካትር ናይ ቆርበት ኣለርጂ ከምዘጋጠሞን ገሊፆም።

ይኹን እምበር ኣሌክሴ፡ ናይ ቆርበት ኣለርጂ ዝበሃል ነይሩኒ ኣይፈልጥን ብምባሉ፡ ደሓር ግና ዶክተሩ ከይተረፉ "ንሓደ መርዛም ነገር ተቓሊዑ ክኸውን" ከምዝኽእል ሓቢሮም።