ነቓፊ ፑቲን ናቫልኒ 'ካብ ቤት ማእሰርቲ ሞስኮ ወጺኡ' ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተወሲዱ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መራሒ ተቓዋሚ ሰልፍን ተቓላሲ ብልሽውናን ኣሌክሲ ናቫልኒ ኣብ ሞስኮ ካብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ወጺኡ ናብ ዘይተፈልጠ መዳጎኒ ከም ዝተወስደ ተገሊጹ።
ንደገፍቱ ዝኾነ ዓይነት ሓበሬታ ከይተዋህበ ከም ዝተወስደ ክግለጽ እንከሎ፡ ናብ ካልእ መዓስከር ቤት ማእሰርቲ ተወሲዱ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።
ጠበቓ ናቫልኒ ቫዲም ኮብዚቭ ናብቲ ኣብ ሞስኮ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ክረኽቦ ከይዱ ኣብኡ ከም ዘየለ ከም ዝተነግሮ ይዛረብ።
ኣባል ሰብኣዊ መሰላት እሱራት ዝከታተል ኮሚሽን ሞስኮ ዝኾነት ኢቫ መርካቼቫ ብወገና፡ እሱራት ካብ ህዝቢ ዘለዎ ከባቢ ተነጺሎም ናብ ዝውሰድሉ ቦታ'ዩ ተወሲዱ ኢላ ከም እትኣምን ንኤኤፍፒ ገሊጻ።
"ካልእ ምርጫ የለን" ዝበለት ኢቫ፡ ብመሰረት ሕጊ ናቫልኒ ካብታ ከተማ ርሒቑ ዝኾነ ግዜ ፍርዱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኮይኑ ክውድኦ ይግባእ ትብል።
ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ፡ በቲ ኣብ 2014 ተኺሱሱ ብዝነበረ ገበን ምጥፍፋእ፡ ንኣስታት ሰለስተ ዓመት ክእሰር ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ከም ዝወሰነ ይዝከር።
ንሱ፡ እቲ ክሲ ፖለቲካዊ ከም ዝኾነ ክዛረበሉ ጸኒሑ።
ናቫልኒ፡ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ካብ ዘለው ቀንዲ ነቐፍቲ ሰብ መዚ ሩሲያ እቲ ሓደ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሰርቪያ ተመሪዙ ኣብ ጀርመን ሕክምና ዝተገብረሉ ናቫልኒ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ እዚ ዓመት ናብ ሩሲያ ምስ ተመለሰ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።
ኣሌክሲ ናቫልኒ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ሞት ንስለ ዝተረፈሉ ምምራዝ፡ ንሰብመዚ ሩስያ እዩ ዝነቅፍ።
ናይ ምርመራ ጋዜጠኛታት’ውን፡ ንክሲ እዚ መራሒ ተቓውሞ ዘራጉድ ፀብፃባት ኣቃሊሖም እዮም።
መራሕቲ ሕብረት ኤውሮጳ ግን ኣብ ጉዳይ ኣተሓሕዛ ናቫልኒ ዘለዎም ቅርታ ብምግላጽ ብቕልጡፍ ክፍታሕ ጠሊቦም ኣለው።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







