ሩስያ ዝምድናኣ ምስ ኣውሮጳዊ ሕብረት ክትበትኽ ከም እትኽእል ኣጠንቂቓ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌ ላቭሮቭ ሞስኮ 5 ለካቲት 2021

ምንጪ ስእሊ, EPA

ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ልዕሊ ሩስያ እገዳ እንተኣንቢሩ፡ ሃገሩ ምስቲ ሕብረት ዘለዋ ዝምድና ክትበትኮ ከም እትኽእል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌ ላቭሮቭ ኣጠንቂቑ።

ሩስያ ኣሲራቶ ንዘላ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ፡ ኣሌክሲ ናቫልኒ ዝሓዘትሉ ኣገባብ ኣሰሓሓቢ ኮይኑ ኣብ ዝርከበሉ እዋን፡ ኣውሮጳዊ ሕብረት ተወሳኺ እገዳታት ክገብር ከም ዝኽእል ይግለጽ።

ምስቲ ሕብረት ዝምድና ናብ ምብታኽ ገጻ ትኸይድ እንተላ ብጋዜጠኛ ሕቶ ዝቀረበሉ ሚስተር ላቭሮቭ፡ "ንዕኡ ድልዋት ኢና ዘሎና" ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ "ሰላም ትደሊ እንተኾይንካ፡ ንኲናት ተዳሎ" ኢሉ።

ብኣውሮጳዊ ሕብረት ዝግበር እገዳ ንቁጠባ ሩስያ ሃሳዪ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝገለጸ እቲ ሚኒስተር፡ ምብታኽ ዝምድናታት ከኸትል ይኽእል እዩ ብምባል "ካብ ዓለምለኻዊ ጉዳያት፡ ርእስና ክነግልል ኣይንደልን ኢና፤ ግና ንዕኡ ድልዋት ክንከውን ኣሎና" ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሩስያን ኣውሮጳዊ ሕብረትን ምስ ጉዳይ ናቫልኒ ብዝተኣሳሰር፡ በብወገነን ሰለስተ ዲፕሎማት ኣባሪረን እየን።

ሩስያ፡ ሰለስተ ዲፕሎማሰኛታት ኣውሮጳዊ ሕብረት ንናቫልኒ ኣብ ዝድግፍ ዘይሕጋዊ ሰላማዊ ሰልፊ ተሳቲፎም ብምባል፡ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ጆሴፍ ባሮል፡ ኣብ ሩስያ ኣብ ዑደት እንከሎ፡ ኣባሪራቶም። ኣውሮጳዊ ሕብረት ግን ነቲ ክሲ ነጺግዎ እዩ።

ኣብዚ ሰሙን ድማ እተን ዲፕሎማሰኛታተን ዝተሰጎግወን ሃገራት፡ ጀርመን፡ ፖላንድን ሽወደንን፡ ንሩስያውያን ዲፕሎማት ኣባሪረን።

ተወሳኺ እገዳታት ብኣውሮጳዊ ሕብረት

ጆሴፍ ቦረል ብሰሉስ ንኣባላት ፓርላማ ኣውሮጳ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ዝቕጽል መድረኽ "እገዳታት ዘጠቓልል ክኸውን ከም ዝኽእል" ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ፡ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ልዕሊ ሽዱሽተ ላዕለዎት ሰበስልጣንን ማእከል ምርምር ኬሚካላዊ ኣጽዋር ሩስያ እገዳ ኣንቢሩ እዩ። እቶም ዝተጠቕሱ ኣካላት ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ምምራዝ ኣሌክሲ ናቫልኒ ብቐጥታ ከም እተዋስኡ እቲ ሕብረት ይኸስስ።

ኣሌክሲ ናቫልኒ ኣብ ጀርመን ብዝተገብረሉ ሕክምና ካብቲ ምምራዝ ድሒኑ።

ኣብዚ እዋን ብዙሓት ካብ ተሓባበርቲ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ ብኣውሮጳዊ ሕብረትን ኣሜሪካን ናይ ርእሰማል ምድስካልን ናይ መገሻን እገዳ ተነቢሩሎም ኣሎ።

እቲ እገዳ ካብቲ ሩስያ ንሓውሲ ደሴት ክረምያ ኣብ ግዝኣታ ዝጸምበረትሉ 2014 ጀሚሩ ዝጸንሐ እዩ።

ሚስተር ባሮል ናብ ሞስኮ ዝገበሮ ዑደት "መሕፈሪ" ምንባሩ ብምግላጽ፡ ብርክት ዝበሉ ኣባላት ፓርላማ ኣውሮጳ ካብ መዝነቱ ክወርድ እኳ እንተሓተቱ፡ ብመራሕቲ ግና ድጋፍ ኣይረኸበን።