ኮቪድ፡ ብኮሮቫይረስ ዝተለኸፉ ዶኳትር ቤልጅም ስራሕኩም ቐጽሉ ተባሂሎም

በዓልቲ ሞያ ጥዕና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ቤልጅም መልከፍቲ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ይወስኽ ብምህላዩ ቑጽሪ ናብ ሆስፒታል ዝኣትው ሕሙማት ይውስኽ ኣሎ።

ኣብ ከተማ ሊጅ ዝርከቡ ዶኳትር እታ ሃገር ድማ ዋላ'ውን ብኮሮናቫይረስ ሓሚሞም እንተሃለው'ውን፡ ስራሕከም ቐጽሉ ኣለው።

ዳርጋ ርብዒ ሰብ ሞያ ሕክምና እታ ሃገር ብኮቪድ-19 ከም ዝሓመሙን ካብ ስራሕ ከም ዝቦኾሩን ይግለጽ።

ሕጂ ድማ 10 ሆስፒታላት ምልክታት ዘየርኣዩ ግን ድማ ብኮሮናቫይረስ ከም ዝተለኸፉ ዝፈለጡ ሰራሕተኛታተን ናብ ስርሖም ክምልሱ ሓቲተን።

ሓላፊ ማሕበር ሰብ ሞያ ሕክምና ቤልጅም ንቢቢሲ ከም ዝበሎ፡ ብምኽንያት እቲ ሕጂ ዘጋጥም ዘሎ ናህሪ መልከፍቲ ኮቪድ-19 እተን ሆስፒታላት ኣብ ጸገም ክወድቃ ስለ ዝኽእላ ኣማራጺ የብልናን ኢሉ።

ዶክተር ፍሊፕ ዴቮስ እቲ ቫይረስ ናብቶም ሕሙማት ናይ ምትሕልላፍ ተኽእሎ ከም ዝህልዎም ግን ኣይሓብአን።

ኣብ ምብራቓዊት ከተማ ቤልጅም፡ ሓደ መሰለስ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ኮይኖም ኣለው።

እዚ ካብ ሆስፒታላት ዘጋጥም ዘሎ ምትሕልላፍ ኮይኑ፡ ሃንደበታዊ መጥባሕቲ እንተዘይኮይኑ ንግዝኡ ካልኦት ኣገልግሎት ሕክምና ደው ክብል ገይረን።

ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር፡ እቲ ኩነታት ክንቆጻጸሮ እንተዘይክኢልና ብ"ማዕበል" እቲ ለበዳ ክንውሓጥ ኢና ክብል ኣጠንቂቑ እዩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ሃገራት ኤውሮጳ ኣጋጢሙወን ንዘሎ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ዝተፈላለዩ ስጉምታት ክወስዳ ጀሚረን እየን።

ትካል ጥዕና ዓለም ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ጉዕዞ ጠጠው ክብል፣ ሰባት ኣብ ገዝኦም ከፍ ክብሉ ክንገሮምን ሙሉእ ዕጽዋ ክእወጅን ሓሳብ ሂቡ እዩ።

ኣብ ወርሒ መጋቢት ብምኽንያት እቲ ቫይረስ ከቢድ ሓደጋ ሞትን መልከፍትን ኣጋጢሙዋ ዝነበረት ጥልያን፡ ዳግም ናይ ጂም፣ ትያትር፣ መሐንበሲ ቦታታት ክዕጸው ገይራ ኣላ።

ብተወሳኺ ሬስቶራንታት፣ ባራትን ካፌታትን ኣገልግሎት ዝህባሉ ሰዓት ክግደብ ገይራ። ኣገዳሲ እንተዘይኮይኑ ድማ ሰባት ካብ ዝነብሩላ ከተማ ወጻእ ከይንቀሳቐሱ ምዒዱ።

ብሰንበት ጥራሕ ልዕሊ 21 ሽሕ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ረኺባ እያ።

ተጠቀምቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮፓኸ?

ከተማ ቤልጅም ዝኾነት ብራስለስ፡ ናይ ጂምን መሐንበሲ ቦታታትን ክዕጸው ብምግባር ድኳናት ክሳብ ምሸት ሰዓት 2፡00 ክኽፈቱ ኣፍቂዳ።

ሰባት ብብዝሒ ኣብ ዝርከቡሎም ናይ ህዝቢ ቦታታት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ምጥቃም እውን ተገድድ።

ኣብ ብሪጣኒያ፡ ካብ 16 ክሳብ 25 ዕድሚኦም ብምኽንያት እዚ ለበዳ ካብቶም ብዕድመ ዝዓበዩ ንላዕሊ ብልዕሊ ክልተ ዕጽፊ ስርሖም ክስእኑ ይኽእሉ።

ኣብ ፈረንሳ ድማ ሰብ ሞያ ጥዕና መዓልታዊ መልከፍቲ ኮቪድ-19 ኣስታት 100 ሽሕ ክበጽሕ ከም ዝክእል የጠንቅቑ ኣለው።

ፈረንሳ ናይ ለይቲ ሰዓት እቶ እቶ ዝኣወጀት ኮይና፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ቑጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ልዕሊ 1.1 ሚሊን በጺሑ፤ ልዕሊ 34 ሽሕ ድማ ሞይቶም።

ስፔን ድማ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ብምእዋጅ ናይ ለይቲ ሰዓት እቶ እቶ ኣዊጃ ትርከብ። ኣብ ውሽጢ ዞባታት እታ ሃገር'ውን ምንቅስቓስ ካብን ናብን ደው ክብል ከም ዝክእል ይግለጽ ኣሎ።

ኣብታ ሃገር መልከፍቲ ኮቪድ-19 ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ክበጽሕ ከሎ፡ ልዕሊ 34 ሽሕ ሰባት ከኣ ሞይቶም።

ሩሲያ፡ መዓልታዊ መልከፍቲ ልዕሊ 17 ሽሕ ሰባት ተመዝግብ ኣላ። ሞስኮ ከቢድ ቑጽሪ መልከፍቲ ዝርኣየላ ዘሎ እያ።

ኮሮና