ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ኣሜሪካ ኣብ ክልል ዓፋር ሓድሽ ኲናት ምውልዑ ከምዘሻቐላ ገሊጻ

ኔድ ፕራይስ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኔድ ፕራይስ

ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ንክልላት ዓፋርን ትግራይን ኣብ ዘዋስን ከባቢታት ሓድሽ ኲናት ምውልዑ ከምዘሻቐሎ ገሊጹ።

ኣፈኛ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ኔድ ፕራይስ ብሓሙስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ኣብ ክልል ዓፋር ኲናት ከም ብሓድሽ ምጅማሩ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ እዩ" ኢሉ።

ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ሓይልታት ህወሓት ምስ ትግራይ ንዘዋስኑ ሰለስተ ወረዳታት ምቁጽጻሮም ሓላፊ ቢሮ ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ክልል ዓፋር ንቢቢሲ ተዛሪቡ ምንባሩ ይዝከር።

ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም ካብ ሓይልታት ዓፋር ክመጾም ንዝጸንሐ መጥቃዕቲ ክከላኸሉ ምጽንሖም ብምግላጽ ሰኑይ 16 ጥሪ 2014 ኣቆጻጽራ ግእዝ 'ተሪር ወተሃደራዊ ስጉምቲ' ምውሳዶም ገሊጾም ነይሮም።

መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ግጭት ደው ክብልን ብኹሎም ወገናት ተፈጺሞም ዝበሃሉ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ሻራ ብዘይብሉ ወገን መርመራ ክካየድ ጻውዒት ክገብር ምጽንሑ ኔድ ፕራይዝ ጠቒሱ።

ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ዴቪድ ሳተርፊልድ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ካልኦት ሰበስልጣን መንግስትን ውጽኢታዊ ዘተ ምክያዱ ኔድ ፕራይስ ሓቢሩ።

እቲ ኣፈኛ ወሲኹ፡ እቲ ኲናት ንኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ ንጸጥታ ቀርኒ ኣፍሪቃ ስግኣት ምዃኑ ብምጥቃስ፤ ኣብቲ እቲ ግጭት ዘለዎ ስፍራ ዝርከቡ ሰባት፡ ሰብኣዊ ረድኤት ዝረኽቡሉ መገዲ ክጣጣሕን እቲ ግጭት ብዘተ መዕለቢ ክግበረሉን ድልየት መንግስቲ ኣሜሪካ ምዃኑ ተዛሪቡ።

ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ

ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት መንግስቲ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ነቲ ንዝሓለፈ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ መላእ እታ ሃገር ተነቢሩ ዝጸንሐ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ክለዓል ምውሳኑ መንግስቲ ኣሜሪካ ብጽቡቕ ከም ዝርእዮ እቲ ኣፈኛ ተዛሪቡ።

ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት እቲ ኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ክለዓል ብምውሳን ዝሓለፈ ረቡዕ ናብ ቤትምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ መሪሕዎ ኣሎ።

መንግስቲ ኣሜሪካ፡ እቲ ውሳነ ብቤትምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ክጸድቕ ተስፋ ከም ዘለዎ ኔድ ፕራይስ ሓቢሩ።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተወልዐ ኲናት ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ኣብ ዝተዘርግሓሉ እዋን እዩ መንግስቲ፡ እታ ሃገር ሓደጋ ገጢምዋ ከም ዘሎ ብምግላጽ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ህጹጽ እዋን ኣዊጁ።

እቶም ምስቲ ኣዋጅ ብዝተሓሓዝ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዝርከቡ ሰባት ክፍትሑ'ውን እቲ ኣፈኛ ሓቲቱ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ንምስፋንን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ደው ምባልን ዝከኣል እቲ ግጭት ብዘተ ምስ ዝዛዘም፣ እሱራት ምስ ዝፍትሑ፣ ሰብኣዊ ረድኤት ክፍቀድ ከሎን ንኹሉ ዘካተተ ሃገራዊ ዘተ ንምክያድ ባይታ ምስ ዝጣጣሕ ምዃኑ'ውን ገሊጹ።

ኣሜሪካ እቲ ኣብ ትግራይ ጀሚሩ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝለሓመ ኲናት ካብ ዝውላዕ ኣትሒዛ መንግስቲ ምስቶም ዕጡቓት ዘተ ብምግባር ነቲ ኲናት መፍትሒ ክገብረሉ ጸቕጢ ክትገብር ምጽንሓ ዝፍለጥ ኮይኑ፤ ፍሉይ ልኡኽ መዚዛ ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ዝርርብ ክተካይድ ጸኒሓ ኣላ።