ጀነራል ባጫ ደበሌን ኢንጂነር ስለሺን ንዝርከብዎም 27 ውልቀሰባት ሽመት ኣምባሳደር ተዋሂቡ

ቀንዲ ኣፈኛ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ኲናት ትግራይ ብምንባሩ ዝፍለጥን ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ካብ ሌ/ጀነራል ብዓል ኣርባዕተ ኮኾብ ምሉእ ጀነራል ማዕርግ ዝተዋህቦን ጀነራል ባጫ ደበሌ ኣምባሳደር ክኸውን ብፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ተመዚዙ።
እቲ ኣብ ኲናት ትግራይ ብዝነበሮ ተራ "ተወዳዳሪ ዘይብሉ ጅግና ጸሊም ኣንበሳ" ዝብል ሽልማት'ውን ዝተዋህቦ ጀነራል ባጫ፡ ድሕሪ ማዕርግን ሽልማትን ምቕባሉ ሰለስተ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ግዜ ካብ ዝነበሮ ወተሃደራዊ መዝነት ስለምንታይ ክወርድ ተደልዩ ዝተፈልጠ ነገር የለን።
ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ኲናት ኣብ ትግራይ ምስ ተወልዐ ካብ ጥሮታ ተጸዊዑ ዝመጸ ጀነራል ባጫ፡ ኣባላት ሰሜን እዚ ዝነበሩ ወተሃደራት "ዕርቃኖም ወጺኦም" ናብ ኤርትራ ከይዶም ክብል ብምዝራብ፡ ኣንጻር ህወሓት ሓያል ጎስጓስ ካብ ዘካይዱ ዝነበሩ መኮንናት ኢትዮጵያ'ዩ።
ንሱ፡ ሓይልታት ትግራይ "ሓርጭ ኮይኖም'ዮም" ድሕሪ ምባሉ፡ ዳግመ-ውዳበ ብምግባር ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ሰፋሕቲ ከባቢታት ሒዞም ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝግስግስሉ ዝነበሩ እዋን'ውን ተነቒፉ ምንባሩ ይዝከር።
ጀነራል ባጫ ኣብየነይቲ ሃገር ወይ ዓለምለኻዊ ውድብ ከምዝተመደበ ግን ዛጊት ኣይተገልጸን።
ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ሓደ እዋን ሓላፊ ወተሃደራዊ ስለያ ዝነበረ ራብዓይ ኮኾብ ዝተዋህቦ ጀነራል ሓሰን ኢብራሂም'ውን ብተመሳሳሊ ኣምባሳደር ክኸውን ተመዚዙ'ሎ።
ቅድሚ ኲናት ትግራይ ምውልዑ ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝነበረ ጀነራል ኣደም መሓመድ'ውን ብተመሳሳሊ ካብ መዝነቱ ወሪዱ ኣምባሳደር ኮይኑ ተመዚዙ ምንባሩ ይዝከር።
ካብቶም ንኣምባሳደርነት ተመዚዞም ዘለዉ፡ 24 ውልቀሰባት፡ ጎሊሑ ዝጥቀስ ዘሎ፡ ሚኒስተር ማይን ጸዓትን ብምዃን ኣብ ድርድር ምስሕሓብ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ብምስታፉ ዝፍለጥ ኢንጂነር ስለሺ በቀለ'ዩ።
ብመሰረት እቲ ካብ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ 16 ውልቀሰባት ሽመት ምሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ክወሃቦም እንከሎ ካልኦት 11 ከኣ ናይ ኣምባሳደር ሽመት ተዋሂቦም።
ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ጀነራል ማዕርግ ካብ ዝተዋሃቦም ወተሃደራዊ መኮንናት ዝኾነን ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ሓላፊ ምውህሃድ ምህናጽ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ዝኾነ ጀነራል ባጫ ደበሌ በዓል ምሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኮይኑ ተሸይሙ ኣሎ።
ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ዝነበረን ምስ ኲናት ትግራይ ስሙ ዝለዓልን ጀነራል ባጫ ደበሌ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝነበሮ ሓጺር ጻንሒት፡ 'ዘተ ሰላም ንዓይ ዝምልከት ኣይኮነን ናተይ ስራሕ ምውጋእ እዩ' ኢሉ ነይሩ።
ቅድም ክብል ሚኒስተር ማይ፣ መስኖን ጸዓትን ነበር ኣብዚ እዋን ከኣ ብማዕርግ ሚኒስተር ዋና ተደራዳርን ኣማካርን ዶብ-ሰገር ሩባታትን ግድብ ህዳሰን ኮይኑ ኣብ ምግልጋል ዝርከብ ዶክተር ኢንጅነር ስለሺ በቀለ'ውን በዓል ምሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ኮይኑ ተሸይሙ ኣሎ።
ካልኦት ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ሓላፍነት ከገልግሉ ዝጸንሑ 25 ውልቀሰባት'ውን ሽመት ምሉእ ስልጣን ኣምባሳደርን ናይ ኣምባሳደር ሽመትን ከም ዝተዋሃቡ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ብምሉእ ስልጣን ኣምባሳደርነት ዝተሸሙ
- ጀነራል ባጫ ደበሌ
- ጀነራል ሓሰን ኢብራሂም
- ዶክተር ስለሺ በቀለ
- ኣቶ ተፈራ ደርቤው
- ኣቶ ደሴ ዳልኬ
- ወይዘሮ ሽታዬ ምናለ
- ፕሮፌሰር ፍቓዱ በየነ
- ኣቶ ረሻድ መሓመድ
- ኣምባሳደር ጀማል በከር
- ኣቶ ፈይሰል ዓሊ
- ኣቶ ኢሳያስ ጎታ
- ኣቶ ጸገኣብ ክበበው
- ኣቶ ጣፉ ቱሉ
- ዶክተር ገነት ተሾመ
- ኣቶ ዳባ ደበሌ
- ኣቶ ፈቓዱ
ብኣምባሳደርነት ዝተሸሙ
- ኣቶ ኣሳዬ አለማየሁ
- ኣቶ ሃይላይ ብርሃነ
- ኣቶ ኣወል ወግሪስ
- ወይዘሮ ብዙነሽ መሰረት
- ኣቶ ኣንተነህ ታሪኩ
- ኣቶ ኣክሊሉ ከበደ
- ኣቶ ሰይድ መሓመድ
- ኣቶ ዮሴፍ ካሳዬ
- ኣቶ ዘላለም ብርሃን
- ወይዘሮ ፍርቱና ዲባኮ
- ኣቶ ወርቃለማሁ ደስታ







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







