‘ዘተ ሰላም ንዓይ ዝምልከት ኣይኮነን ናተይ ስራሕ ምውጋእ እዩ’ ሌተናል ጀነራል ባጫ ደበሌ

ምንጪ ስእሊ, FDRE Defense Force/fb
ቢቢሲ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኢትዮጵያን ብዛዕባ እዚ ዝካየድ ዘሎ ኵናትን ኣመልኪቱ ኣብ ሚኒሰትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ሓላፊ ምውህሃድ ምህናጽ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ሌተናል ጀነራል ባጫ ደበሌ ቃለ መሕተት ኣካይዱ ኣሎ።
ሌተናል ጀነራል ባጫ ደበሌ፡ ሰራዊቱ ብዛዕባ ዘካይዶ ዘሎ ወፍሪ፡ ብዛዕባ ናይ መወዳእታ ሸቶ እቲ ወፍሪ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ግንባር ምኻዱን ዝምጽኦ ለውጥን፡ ነቲ ውግእ ደው ንኽብል ብዛዕባ ክህሉ ዝኽእል ዘተን ካልእን ኣብ ዝምልከት ንዝቐረበሉ ሕቶታት መልሲ ሂቡ ኣሎ።

ቢቢሲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሳምንታት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ገለ ለውጥታት ከምዘሎ ይርአ ኣሎ፡ ክሳብ ሕጂ ዘሎ ሓደሽቲ ለውጥታት ዶ ክትነግረና?
ሌተናል ጄነራል ባጫ ደበሌ፡ ወያነ ዘዳለዎ ሰራዊት ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ ንኢትዮጵያ ክብትና እየ ብዝብል ሓሳብ ኣብ ሰሜን ሽዋ ኣብ ዝተወሰነ ከባቢታት ኣትዩ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ። እናተኸላኸልካ ብምድኻም ብድሕሪኡ ብምጥቃዕን ንምድምሳስን ዝብል መሪሕ ሓሳብ መሰረት ብምግባር ነዚ ሓይሊ ንዝሓለፈ ሓደ ወርሒ ክንከላኸሎ ጸኒሕና።
እናተኸላኸልና፡ ንምጥቃዕ ዝሕግዘና ግቡእ ምድላዋት ክንገብር ጸኒሕና፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኸኣ ነቲ ናይ ምጥቃዕ ስጉምቲ ወሲድናዮ፡ በዚ መሰረት ኣብ ሰሜን ሽዋ ዝነበረ ሓይሊ ጸላኢ ከነህድሞ ክኢልና። ኣብ ጋሺን፡ ደቡብ ወሎ፡ ወረኢሉ ከምኡ'ውን ብምብራቕ ካብ ጭፋራ ሓሊፍና ኣብ ቀንዲ መስመር ባቲ ዝነበረ ከነህድሞ ክኢልና ኣለና። ጽባሕ [ሎሚ ዓርቢ] ኸኣ ንባቲ፡ ደሴን ኮምቦልቻን ብሓደ ክንሕዘን ዝብል ግምት ኣለና። ኣብዚ ሰሙን ዘሎ ምዕባለታት ነዚ ይመስል እዚ ኸኣ ኩሉ ብመደብ እዩ ዝግበር ዘሎ።
ቢቢሲ፡ እዚ ሕጂ ዝርከብ ዘሎ ውጽኢት ምስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ግንባር ምኽታቱ ዝተሓሓዝ ድዩ?
ሌተናል ጄነራል ባጫ ደበሌ፡ እወ ዝተሓሐዝ እዩ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብቲ ሰራዊት ምኻዱ ናይቲ ሰራዊት ናይ ምሰራሕ ዓቕሚ ዘጎልብት እዩ። ከም ቀዳማይ መራሒ ሃገር እዩ፡ ፍቱውን ኣዝዩ ዝኽበርን መራሒ'ውን እዩ። ጻዕራም ንህዝቡ ዘፍቅር ንዓብን ንንእሽተይን ብማዕረ ዘፍቅር ስለዝኾነ ሕልና ዘለዎ ሰብ ክፈትዎ ግድን እዩ።
ኣብ ሰራዊት'ውን ኣዝዩ ዝኽበርን ዝፍቶን መራሒ እዩ፡ ከምዚ ዓይነት መራሒ ኣይኮነንዶ ናብ ቅድመ ግንባር ከይዱ ኣብ ዝኾነ ቀሊል ነገር'ውን ኣነ ቀዲመ ክሰርሕ እንተኢሉ ኩሉ እዩ ክሰርሕ ዝህንደድ።
እቲ ካልኣይ ነጥቢ ኸኣ፡ ልዑል ናይ ሓላፍነትን ናይ ስራሕን ወኒ ወሲኹ ኣሎ። ጽልዋ ናይ ምፍጣርን ናይ ኣመራርሓ ብቕዓትን ተወሲኽዎ እዚ ዝኸውን ዘሎ ዓወታት ክምዝገብ ክኢሉ ኣሎ።
ቢቢሲ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣቐዲሙኸ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያዶ ኣይኮነን ነይሩ? ሕጂ ናብ ውግእ ምኻዱ እቲ ፍሉይ ነገር እንታይ እዩ? ዝብል ሓሳብ ይልዓል እዩ፡ ኣብዚ መልስኻ እንታይ እዩ?
ሌተናል ጄነራል ባጫ ደበሌ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኮይናካ ምምራሕን፡ ኣብ ግንባር ኬድካ ኣብቲ ኵናት ዝካየደሉ ዘሎ ቦታ ምስ ሰራዊት ኮይንካ ምምራሕን ፍልልዩ ሰማይን ምድርን'ዩ።
ኣይኮነን ብደረጃ ቀዳማይ ሚኒስተር ብደረጃይን ብትሕተይ ዘሎ ጽፍሕን ውርድ ኢልና ምስ ኣባላት ኮይንና ነቲ ስራሕ ምስ እነሳልጦ ውጽኢቱ ብዕጽፊ እዩ ዝዓቢ።
ስለዚ ቀዳማይ ሚነስተር ኸኣ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኮይኑ ዘይኮነስ ኣብ ግንባር ኮይኑ እዩ ዝመርሕ ዘሎ። ኣብ ቤት ጽሕፈት ኮይኑ እናመረሐ ዓወታት ኣመዝጊቡ እዩ። ከምትፈልትጥዎ ወያነ ኣብ 15 መዓልታት ከም ሕሱም'ዩ ተደሲቑ። ቅድሚኡ'ውን ነቲ ኩናት ብቐጥታ እናርኣየ እዩ ዝመርሖ ነይሩ። ብድሮናት ዝግበር መጥቃዕቲ እናርኣየ እዩ ትእዛዛት ዝህብ ነይሩ።
ቢቢሲ፡ ብቐጥታ ክትብል እንከለኻ ብኣየር ዝግበር ዝነበረ መጥቃዕትታት ይከታተሎ ነይሩ ማለት ድዩ? ኣብርሃልና?
ሌተናል ጄነራል ባጫ ደበሌ፡ ውግእ ክካየድ እንከሎ ኣብ 'ስክሪን ሲቹወሽን ሩም' ኮይኑ ይከታተሎ። እቲ ውግእ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ እቲ ውግእ ናብ ቤት ጽሕፈት ይመሓላለፍ እዩ። ኣብቲ 'ስክሪን ሲቹወሽን ሩም' ኮንካ ኸኣ ኩሉ ክተከታተሎ ትኽእል ኢኻ።
ስለዚ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ'ውን ነቲ ኵናት ብኸምኡ'ዩ ዝከታተሎን ዝመርሖን ነይሩ። ሕጂ እቲ ፍልልይ ብኣካል ስለዝኸደ እዩ። ብኣካል ክኸውን እንከሎ ኸኣ ንነፍሲ ወከፍ ነገር ብዓይኑ ንኽርእይ ይሕግዞ። ንኣባላት ሰራዊት እናኸደ ይረኽቦም፡ የዘራርቦም ትእዛዝ ይህቦም።
እዚ ኸኣ ሞራል ናይቲ ሰራዊት ክብ የብሎ እዩ። ስለዚ ቀደም'ውን ኣዛዚ እዩ ነይሩ ሕጂ'ውን ኣዛዚ እዩ ዘሎ ንዝበሉ ሰባት ኣብ ቤት ጽሕፈት ኮይንካ ምምራሕን ኣብ ግንባር ኮይንካ ምምራሕን ዘለዎ ፍልልይ ካብ ዘይምግንዛብ'ዩ።
ቢቢሲ፡ ትማሊ ካብ ሰራዊት ትግራይ ዝተውሃበ መግለጺ ኣሎ። እዚ ኸኣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ሒዞሞ ካብ ዝነበሩ ቦታታት ብተክኒካዊ ውሳነ ከምዝወጽኡ ገሊጾም ኣለዉ። ንስኹም ኸኣ ብውግእ ከምዘውጻእኩሞም ኢኹም ትሕብሩ ዘለኹም።
ሌተናል ጄነራል ባጫ ደበሌ፡ እንታይ ክብሉ ድኣ ትጽቢት ይግበር? ብኣቐዲሞም'ውን እኮ ብዓቕሞም ኣይኮኑን ኣብኡ በጺሖም። ብዓቕምን ጉልበትን እቶም ዝልኣኽዎም እዮም ኣብዚ በጺሖም። ጎይቶቶም ንምሕጓስ ድኣ ካብዚ ወጻኢ እንታይ ክብሉ ይኽእሉ?
ካልእ ንሶም እኾ ኣዲስ ኣበባ ንምእታው ብመዓልታት ዘይኮነ ብሰዓታት እዮም ዝቆጽሩ ነይሮም። ገለ ማዕከናት ዜናታት እኮ ኣዲስ ኣባበ ተኸቢባ ኣላ። ክኣትዉ እዮም ኢሎም ጸብጻብ ከቅርቡ ተዳልዮም ነይሮም'ዮም። ስለዚ [ህወሓት] ተሰዒርና ኢና ክብሉ ኣይክእሉን እዮም።
ብዛዕባ ዘተ ሕቶ ኣብ ዝተለዓለሉ 'መንግስቲ የለን እቲ ኵናት ተወዲኡ እዩ፡ ምስ መን ኢና ክንዛተ?' እኾ ተባሂሉ እዩ። ሕጂ ንሶም ብዘይተጸበይዎ መጥቃዕቲ ምስ ወረዶም እዛ ዝበልዋ ጥራይ እዮም ክብሉ ዝኽእሉ። ንምንታይ እቲ መግለጺ ብጽሑፍ ኣውጺኦሞ ንምንታይ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝገብርዎ ዝነበሩ በቲ ጻድቃን ዝብሃል መራሒኦም ወይ ብካልእ ሰቦም ገይሮም መግለጺ ዘይሃቡ?
ብዛዕባ ሃለዋቶም እጠራጠር እየ። ካልእ ኸኣ ነዚ ክዛረቡ ክሓፍሩ እዮም። ነዚ ዓበይቲ ምዕራባውያን እዮም ክሓፍርሉ። ስለዚ ኣይተሳዓርናን ባዕልና ኢና ወጺእና ጥራይ እዮም ክብሉ ዝኽእሉ። ተመሊስና ከነጥቅዕ ኢና ዝብል ቃል እዮም ዝኣትዉ ዘለዉ።
እንተኾነ፡ ብሳተላይት ይከታተሉና እዮም ይብሉ ነይሮም እዮም። ስለዚ ተሃሪሞም ከምዝወጽኡ ንሶም እንተኸሓድዎ፡ እቶም ጎይቶቶም ይፈልጡ'ዮም። ካብ ክልል ኣምሓራ ባዕልና ኢና ወጺእና እንተኢሎም ኣብ ክልል ዓፋርከ ካብዚ ኩሉ ሒዞሞ ዝነበሩ ቦታታት ብኸመይ እዮም ወጺኦም? ካብ ጭፍራ፡ ቡርቃ፡ ጪፍቱ ዓፋር፡ ነዚ ኹሉ መሬት ብኸመይ እዮም ክገድፍዎ ክኢሎም። ንሶም ይእመኑ ኣይእመኑ እቲ ዝኸውን ዘሎ እዚ እዩ።
ቢቢሲ፡ ኣልእ ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ምምቅቃል ኣሎ ዝብል ነጥቢ ይልዓል እዩ። ኣብ ሰራዊትኩም ምምቅቃል ኣሎ ድዩ ወይ ነይሩ ድዩ?
ሌተናል ጄነራል ባጫ ደበሌ፡ ዝተመቃቐለ ሰራዊት ከምዚ ዓይነት ዓወታት ከመዝግብ ኣይክእልን እዩ። ሰራዊትና እንተዝመቓቐል ኣዲስ ኣበባ ንኽኣቱ 200 ኪሎሜተር ንዝተረፎን ሎሚዶ ጽባሕ ክኣቱ'የ ንዝብል ዝነበረ ሰራዊት እናተኸላኸለ እኹል ምድላዋት ብምግባር ጸራሪጉ ኣይመርሓቖን።
ስለዚ እቲ ቀዳማይ ነጥቢ ኣብ ሰራዊትና ኣይኮነን ዶ ምክፍፋል እቲ ሓሳብ'ውን የለን፡ ቀደም ምክፍፋል ነይሩ'ዩ። ነዚ ከኣ ወያነ እዩ ኮነ ኢሉ ዝገብሮ ነይሩ።
ቢቢሲ፡ ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ብዘለው ሰባት ውጥናት ዕልዋ መንግስቲ ነይሩ እዩ ዝብል ሓሳብ'ውን ይልዓል'ዩ። ብሓቂ ከምኡ ዓይነት ሓሳብ ነይሩ ድዩ?
ሌተናል ጄነራል ባጫ ደበሌ፡ እዚ እሞ ፈጺምካ ዘይከኣል ነገር እዩ ነይሩ። ኣነ ብዝፈልጦ ኣብ ውሽጥና ዕልዋ መንግስቲ ንምግባር ኮነ ንክገብር ዝሓስብ ሰብ የለን። ምኽንያቱ ንሓድሕድና ንፋለጥ ኢና ብሓደ ዝዓበና ኢና።
ዕልዋ መንግስቲ ገይርካኸ እቲ ውጽኢት እንታይ እዩ ክኸውን? ብድሕሪኡኸ? ዝብል ንፈልጦ ኢና። ነዚ ሰራዊት ዝመርሑ ኩሎም ብዕልዋ መንግስቲ ዝመጽእ ለውጢ የለን ዝብል ጽኑዕ እምነት ዘለዎም ሰባት እዮም።
ብዕልዋ መንግስቲ ዘይኮነ ህዝቢ ዝደለዮ ሰብ ይምረጽ። ንዓና ዝምልከት ኣይኮነን። ንሕና ስራሕና ሃገር ምሕላው እዩ።
ሰለዚ እዚ ዘይሕሰብ እዩ፥ ኣይተሓሰበን፤ ኣይተገበረን ሓሶት እዩ። ኣነ'ውን ይሰምዕ እየ፡ ብዓል እገለ ከምዚ ገይሮም፡ ካብ ወያነ ሰልዲ ተቐቢሎም ካልእ ካልእ ይብሃል ነይሩ እዩ።
ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኣብ ሰራዊት መታን ክኣቱ፡ ሓሲብዎ ዘይፈልጥ መታን ክሓስቦ ዝግበር ናይ ጸላእቲ ወረ እዩ።
ቢቢሲ፡ ኣብ ቀረባ መዓልታት ናብ ደሴ ከምእትኣትዉ ገሊጽካለይ ጸኒሕካ፤ ናብ መቐለ ናይ ምቅጻል ውጥንከ ኣለኩም ድዩ?
ሌተናል ጄነራል ባጫ ደበሌ፡ እዚ ወተሃደራዊ ጉዳይ እዩ። ንሕና ኣብዚ ደው ክንብል ኢና ኣይንብልን ኢና። እቲ ወተሃደራዊ ኩነታት እዩ ዝውስኖ። ኵናት ርግጽ ኮይንካ ትዛረበሉ ኣይኮነን። ግምት ዘይተውሃቦም ክስተታት ዘጋጥመሉ ዓውዲ እዩ፥ ስለዚ እቲ ዝኸውን ኣብ ዝቅጽል ዘጋጥም ነገራት'ዩ ዝውስኖ ንሕና ግን ደው ኣይክንብል ኢና።
በብመድረኹ ወያነ ዝሓዞ ቦታታት ነጻ እናኣውጻእና ክንቅጽል ኢና። ኣብ መቐለ ዲና ደው ክንብል ንዝብል ደው ኣይክንብልን ኢና። ሕጂ ግን ውጥንና ክሳብ ኣብዚ እዩ ዝብል ኣይኮነን። ንወያነ ኣብ ዝኣተዎ ኣቲና ክሳብ ነጥፍኦ ክንቅጽል ኢና።
ቢቢሲ፡ እርድኣኒ እዩ ወተሃደራዊ መራሒ ኢኻ። እንተኾነ እዚ ኩናት ደው ኢሉ ነገራት ብሰላም ንኽዛዘሙ ጻዕርታት ክግበሩ ጸኒሖም'ዮም፡ ስለዚ እዚ ኵናት ብሰላም ንኽፍታሕ ብኣኹም እንታይ ዓይነት ተገግሶ እዩ ዘሎ?
ሌተናል ጄነራል ባጫ ደበሌ፡ ዘተ ሰላም ንዓይ ዝምልከት ኣይኮነን፡ ንዓይ ምውጋእ'ዩ ስርሐይ። እንተደልዮም ብሰላም ይወድእዎ እንተደልዮም ብዘተ ይፍትሕዎ እዚ ነቶም ፖሎቲከኛታት እዩ ዝምልከት። ንዓይ ግን እቲ ፊት ንፊት ዘሎ ጻላኢ ደምስስ ዝብል ትእዛዝ ተዋሂብኒ ኣሎ ኣብ ዝኣተዎ ኣትየ ከጥፍኦ'የ።
በቃ ድው ኣብሎ ብሰላም ክንፈትሖ ኢና፡ ዘተ ጀሚርና ኣለና ምስ ተባሃለኩ ደው ክብል እየ። እዚ እዩ።
እንተዝዛተዩ ጽቡቕ እዩ ወይ ኣይኮነን ኢለ ርእይቶ ክህብ ናተይ ሓላፍነት ኣይኮነን።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







