ኢትዮጵያ፡ ተማሃሮ ኣብ ሃገራዊ ወፍሪ ንኽሳተፉ ንሓደ ሰሙን ኣብያተ ትምህርቲ ክዕጸዋ ምዃነን ተገሊጹ

ተማሃሮ

ምንጪ ስእሊ, EDUARDO SOTERAS

ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝርከባ ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ንሓደ ሰሙን ክዕጸውን ተማሃሮ ኣብ ሃገራዊ ወፍሪ ብምስታፍ ውጽኢታዊ ዝኾነ ተግባራት ከካይዱን ምውሳኑ ገሊጹ።

እተን ኣብያተ ትምህርቲ ካብ ዝመጽእ ሰኑይ 6 ታሕሳስ 2021 ጀሚረን ከምዝዕጸዋን ተማሃሮ፣ መምህራንን ሰራሕተኛታትን ከከም ኩነታት እቲ ኣከባቢኦም "ንሃገራዊ ቃልሲ ከበርክቱ" ከምዝተወሰነ ሓቢሩ።

እዚ ውሳነ ዝሓለፈ ሰብመዚ ሚኒስትሪ ትምህርቲ፣ ምስ ሓለፍቲ ቤት ጽሕፈት ትምህርቲ ናይ ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ድሕሪ ዝገበርዎ ርክብ ምዃኑ'ውን ተሓቢሩ።

ሚኒስተር ትምህርቲ ኢትዮጵያ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ "ሃገር እንተዘየሎ ምንባር ስለዘይከኣል ኩሉ ንሃገሩ ናይ ምሕላው ሓላፍነት ኣለዎ" ብምባል እቲ ዓውደ ትምህርቲ ብመንጽር ህሉው ኩነታት ትጽቢት ንዝግበረሉ ሃገራዊ ሓላፍነት ምእንቲ ክዋጻእ እቲ ውሳነ ከምዝሓለፈ ጠቒሱ።

ኣብቲ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝርከባ ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ ዝዕጸውሉ እዋን ተማሃሮ፣ መምህራንን ካልኦት ሰራሕተኛታት እቲ ጽላትን ኣብ ከባቢኦም ንዝርከብ ናብ ሰራዊት ናይ ዝኸተቱ ሓረስቶት ዘራእቲ ኣብ ምእካብን ንስድርኦም ኣብ ምድጋፍን ዝኣመሰሉ ተግባራት ክዋፈሩ እዮም።

ብዘይካ'ዚ ዝተፈላለዩ እቶም ኣካላት ንሃገራዊ ኣገልግሎት ዝውዕል ከም ምልጋስ ደም፡ ምድላው ስንቂ ዝኣመሰሉ ገንዘባውን ካልእል ዝተፈለለየ ነገራት ከምዘበርክቱ ተነጊሩ።

ብምኽንያት እቲ ምዕጻው ንዝፍጠር ናይ ሓደ ሰሙን ምስንካላት መስርሕ ምምሃር ምስትምሃር ክከሓሓስ ምዃኑ'ውን ተሓቢሩ።