ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ: መንግስቲ ንመመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተከዘ ደብዲቡ ንዝብል ክሲ ነጺግዎ

ምንጪ ስእሊ, Ethiopian monitor
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ትግራይ ንዝርከብ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ግድብ ተከዘ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ብነፈረቲ ደብዲቡ ንዝብል ክሲ ነጺግዎ።
ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ትማሊ ብመገዲ ትዊተር ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ ኣብ ልዕሊ ግድብ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ተከዘ ደብዳብ ከምዝተፈፀመ ገሊፁ ነይሩ።
ኣባል ላዕለዎት መሪሕነት ህወሓት ወይዘሮ ሊያ ካሳ ንቢቢሲ ብፅሑፍ ኣብ ዝለኣኸቶ መልሲ፡ ኣየናይ ክፋል እቲ ግድብ ከምዝተወቐዐ’ኳ እንተዘየነፀረት፡ እቲ ግድብ ንህዝቢ ዝህቦ ዝነበረ ኣገልግሎት መብራህቲ ከምዝተቛረፀ ሓቢራ።
ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ብናይ ፌስቡክ ገፁ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ግና፡ እቲ መመንጨዊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ “ብመንግስቲ ተደብዲቡ ዝብል ሓበሬታ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ’ዩ” ኢሉ።
መንግስቲ፡ ንሓይልታት ትግራይ’ምበር ንግድብ ተከዘ ከምዘይደብደበ እቲ ትካል ገሊፁ።
ኵናት ትግራይ ምስተወልዐ ኣብ ፈላሞት ኣዋርሕ እውን ብተመሳሳሊ ኩነታት ኣብቲ ግድብ ደብዳብ ኣየር ከምዝተፈፀመ መራሕቲ ትግራይ ሓቢሮም ምንባሮም ይዝከር። ኣብቲ እዋን'ውን መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ክሲ ''ፕሮፓጋንዳ'' ብምባል ኒጺግዎ ነይሩ።
ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ነቲ ናይ ትማሊ መጥቃዕቲ ኣመልኪቱ ኣብ ዝዘርግሖ ምላሽ፡ “ግድብ ተከዘ ኣብቲ ዝሓለፈ ክራማት ብዝወቅዐ ዝናብ ሙሉእ ብምዃኑ፡ ህወሓት ዓለምለኻዊ ኣተኹሮ ንምስሓብ ነቲ ማይ ከፍስሶ (ክኽዕዎ) ይኽእል’ዩ። ስለዝኾነ ኣብ ትሕቲ እቲ ግድብ ኣብ ዝርከቡ ከባብታት ጣንቋኣበርገለ፣ ፀለምቲ፣ ሑመራ፣ ፀገዴ፣ ኣበርገለን ወልቃይትን ትነብሩ ክፋላት ሕብረተሰብ ክጥንቀቑ ንፅውዕ” ኢሉ።
ኣብዚ እዋን ኣብ ትግራይ ብሰንኪ ዕግታ፡ ሓይሊ ኤለክትሪክን ካልኦት ኣገደስቲ ዝበሃሉ ኣገልግሎትን የብላን።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሕዳር ዝተወልዐ ኵናት ትግራይ ናብ ጎረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ልሒኹ፡ ኣብ ክልል ዓፋርን ኣምሓራን ሓያል ኵናት ይካየድ ከምዘሎ ይግለጽ ኣሎ።
መንግስቲ ፌደራል፡ ርእሰከተማ ትግራይ ከተማ መቐለ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ናይ ድሮንን ኣየርን መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመ ይፍለጥ።
በዚ መሰረት ሰባት ከምዝተቐተሉን ኣብ ንብረት ዕንወት ከምዝወረደን ይግለፅ።
እንተኾነ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ “ንወተሃደራዊ መሰልጠኒ ቦታታት ከምኡ’ውን ኣፅዋር ዝተኸዘነሎምን መራኸቢ ናውቲ ዝርከበሎምን ቦታታት ዒላማ ከምዝገበረ” እዩ ዝገልፅ።
ሓይልታት ትግራይ ብወገኖም፡ ክሳብ ሎሚ ዝተኻየዱ መጥቃዕትታት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ዜጋታት ዘነፃፀሩ ከምዝኾኑ ብምግላፅ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ይኸሱ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







