ቅልውላው ትግራይ፡ 'ዓሳ ክዘፍፍ ከይደ፡ ሬሳ ረኺበ'- ኣብ ሩባ ተከዘ ዓሳ ብምግፋፍ ዝናበር ስደተኛ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ዶብ ትግራይን ሱዳንን ኣብ ሩባ ተከዘ (ሰቲት) 50 ሬሳታት ተዘፊፎም ምውጸኦም ይዝከር እዩ። ሰብመዚ ጉዳያት ወፃኢ ሱዳን፡ እቲ ኣብ ሩባ ተከዘ ዝተረኸቡ ሬሳታት ናይ ተወለድቲ ትግራይ ምዃኑ ንኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ካርቱም ከምዝገለፀሉ ይፍለጥ።
ብርክት ዝበሉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ከምኡ'ውን ካብ ምዕራብ ትግራይ ዝርከብ ሑመራ ሃዲሙ ኣብ ሱዳን ዝርከብ ዶ/ር ቴድሮስን ከምዝሓበርዎ፡ እቶም ግዳያት ካብቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ፈደራልን ኵናት ዝካየደሉ ዘለው ምዕራብ ትግራይ ዝመጽኡ እዮም።
ዶ/ር ቴድሮስ፡ ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ፡ መብዛሕትኦም እቶም ሬሳታት ናይ ጥይት መውቓዕቲ ገሊኦም ድማ ኢዶም ኩርንኩሪት ተኣሲሮም እዮም ተረኺቦም። እቶም ሬሳታት፡ ንኣስታት ሸውዓተ መዓልቲ ኣብቲ ማይ ጸኒሖም ክኾኑ ከምዝኽእሉን፡ ኣብ መንጎ እቶም ሬሳታት ናይ ደቂ-ኣንስትዮን ደቂ-ተባዕትዮን ከምዝርከብዎም ሓቢሩ ነይሩ።
ቢቢሲ፡ ካብቶም ሬሳታት ኣብ ምውጻእ ዝተሳተፉ መሰኻኽር ዓይኒን ግዳያትን ንገለ ኣዛሪቡ ኣሎ።
"ዓሳ ክዘፍፍ ከይደ ሬሳ ረኺበ"
ብሰንኪ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ንሱዳን ካብ ዝሰደድ 10 ወርሒ ዝገበረ ኣይተ ዳዊት ካብ ሩባ ተከዘ ዓሳ ገፊፉ እናሸጠ ህይወቱ ክመርሕ ጀሚሩ።
"ምስፀገመኒ ዓሳ እናዘፈፍኩ ክሸይጥ ጀሚረ" ዝብል ኣይተ ዳዊት፡ ካብቲ ህይወቱ ንምድሓን ዝሰገረሉ ሩባ ተከዘ፡ ዓሳ ብምዝፋፍ፡ ኣብ ሓምዳይት ናብ ዝርከቡ ሱዳናውያንን ካልኦትን ብምሻጥ ይመሓደር።
እንተኾነ ብ17 ሓምለ 2013 ዓ.ም ከም ወትሩ ዓሳ ክገፍፍ ምስ ወፈረ ንቑልቁል ኣፉ ዝተደፍአ ሰብ ርእዩ ምስ ዓርኩ ኣውጺኦም ቀቢሮምዎ።
ኣዝዩ ብዘሰንብድ መልክዑ፡ "ዓሳ ክዘፍፍ ከይደ ሬሳ ረኺበ" ይብል።
ነቲ ሬሳ ምስ ቀበሩ፡ ሎሚ ዓሳ ምዝፋፍ ይትረፈና ንኺድ ኢሎም ምስ ነቐሉ ድሕሪ ገለ ደቓይቕ ካልኣይ ሬሳ መጺኡ ንዕኡ እውን ቀቢሮምዎ። ብድሕሪኡ ምግቢ እውን ክበልዑ ኣይከኣሉን ሰምቢዶምን ሓዚኖምን ንገዝኦም ተመሊሶም።
ንጽባሒቱ እውን ሓደ ሬሳ፤ ብ26 ሓምለ ከኣ ሰለስተ ሬሳ ካብቲ ሩባ ኣውጺኦም ኣብ ደንደስ ሩባ ከምዝቐበርዎምን ሓደ ሬሳ ግን እናረአዩዎ ከምዘምለጦም ንቢቢሲ ገሊፁ።
"ብዕለት 18 ሓምለ እናኣተና ከለና ክልተ ሰለስተ ዝኾኑ ሓሊፎምና'ዮም፤ ብ26 ድማ ሰለስተ ሬሳታት ረኺብና፤ ሓደ ምስኦም ዝነበረ ሬሳ ብዓይንና እናረኣናዮ ኣምሊጡና። እቶም ዝረኸብናዮም ዕድል ገይሮም እቲ ሩባ ናብ ጫፍ እናደፍአ ዘምፅኦም እዩ" ብምባል፡ ቁፅሪ በቲ ሩባ ዝተወሰዱ ሬሳታት ልዕሊ እቲ ዝረኸብዎ ከምዝኾነ ዘመልክት'ዩ ይብል።
ካብ'ቶም ዝረኸብዎም ሬሳታት፡ ''እቲ ሓደ ኣብ ኢዱ መስቀል ዝተወቀጠ፣ እቲ ካልኣይ ድማ ኣብ ክሳዱ 'ወይ'ከ ፈተኽ' ዝብል ውቃጦ ከምዝነበሮን ኣብ ክሳዶምን ርእሶምን ናይ ጥይት መውቃዕቲ ምልክት ነይሩዎም" ከኣ ይብል።
"ሰለስተ ሰባት ኢድ ንኢድ ዝተኣሰሩ ረኺብና"
እቶም ሰባት መቕርቦምን ኣዝማዶምን ኣብ ምዕራብ ትግራይ ገዲፎም ብምምፅኦም "እቲ ሬሳ ናይ መን ኮን ይኾን" ብምባል ኣብ ሻቕሎት ከምዝርከቡ ይዛረቡ።
ካብ ሩባ ተከዘ ኣብ ሓደ መዓልቲ 25 ሬሳታት ከምዝወፅኡ ዝገልፅ ኣይተ ካሕሳይ ዝተባህለ ካልእ ናይ ዓይኒ ምስክር፡ ካብቶም ዘውፀእዎም ሬሳታት ደቂኣንስትዮን ቆልዑን ከምዝርከብዎም ይገልፅ።
"እቶም ዘውፃእናዮም 25 ሬሳታት ጥራሕ ነብሶም'ዮም ኔሮም። ሰለስተ ሰባት ኢድ ንኢድ ዝተኣሰሩ እውን ረኺብና፤ ገሊኦም ኣብ ኣፍ ልቦም ገሊኦም ከኣ ኣብ ግምባሮም ናይ ጥይት ውቃዕ ዝነበሮም እዮም። ሓንቲ ካብኦም ጓል ኣንስተይቲ ምስ ክልተ ቆልዑ ብኮበርታ ተጠቕሊላ፡ ብገመድ ተኣሲራ ረኺብናያ። ዘስካሕክሕ እዩ" ክብል ምስክርነቱ ንቢቢሲ ሂቡ።
ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙን፡ ካብ ሩባ ተከዘ መዓልታዊ ሓሙሽተ ሽድሽተ ሬሳ ከይወፅአ ከምዘይውዕል እቲ ሬሳ ከኣ ካብ ከተማታት ሑመራ፣ ኣደባይን ራውያንን ዝመፅአ ክኸውን ይኽእል'ዩ ይብል።
እቶም ንቢቢሲ ቃሎም ዝሃቡ ምንጭታት እቶም ኣብ ሩባ ተከዘ (ሰቲት) ዝተረኸቡ ሬሳታት ነቲ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ይፍፀም ዘሎ "መጥቃዕቲ" ዘንፀባርቕ እዩ ዝብል እምነት ኣለዎም።
ኣብቲ እዋን ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝውነን ትዊተር ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ፡ "ናይ ሓሶት ምስልታት ብምጥቃም ኣብ ሑመራ'ስኑዕ ህልቂት' ተፈጺሙ ዝብሉ ፕሮፓጋንዳታት ካብ ደገፍቲ ህወሓት ይወጽእ ኣሎ" ክብል ገሊጹ።
ሓላፊ ጉዳያት ኮሚዩኒኬሽን ክልል ኣምሓራ ኣይተ ግዛቸው ሙሉነህ ኣብ ፈለማ ወርሒ ነሓሰ ብዛዕባ ኣብ ሩባ ተከዘ ዝተረኽቡ ሬሳታት ብዝምልከት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ " እዚ ኮነ ኢልካ ንማሕበረሰብን ትካላትን ዓለም ሓበሬታ ብምዝባዕ ኣብ ግጉይ ውሳነን ቅዋምን ንክበፅሑ ዝዓለመ እዩ። ጻዕዳ ሕሶት እዩ። ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ሓቀኛታት ፋኖ ኣምሓራን ከምዚ ዓይነት ሕሱር ተግባር ዝሰርሕ ልኡኽ የብሎምን" ክብል ንቢቢሲ ምላሽ ሂቡ ኔሩ።
ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ዝምልከት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ሱዳን 'ዋድ ኢል ሃይሎ' ተጓዒዙ ሰፊሕ ጸብጻብ ዘቕረበ ጉጅለ መርማሪ ሲኤንኤን፡ ኣብ መገዱ ኣብ ሓደ መዓልቲ ጥራሕ ሰለስተ ሬሳታት ከምዝረኸበ ገሊጹ።
ሰብመዚ እቲ ከባብን ሰብ ሞያ ምርመራ ሬሳን፡ "ኩሎም እቶም ክሳብ ሕዚ ዝተረኸቡ ሬሳታት ቅድሚ ናብቲ ሩባ ምእታዎም ዝተቐትሉ ክኾኑ ከምዝኽእሉ" ከምዝገለፅሎም ከኣ ፀብፂቡ።
"ብጥይት ተኩሶም ፀጋመይቲ ኢደይ ወቒዖምኒ"
ኣብ መዕቖቢ ስደተኛታት ሱዳን ሕክምና ዝከታተል ዘሎ ትግራዋይ ስደተኛ ኣይተ *ተወልደ፡ ብሰንኪ ኣብ ከተማ ሑመራ ኣሎ ዝበሎ 'ጃምላዊ ማእሰርቲ' ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ ምስ ሳልሳይ ርእሱ ዶብ ተከዘ ኣቋሪፁ ንሱዳን ክሰግር እንከሎ ብጥይት ከምዝተወቕዐ ንቢቢሲ ይገልፅ።
"ሰዓት 10 ናይ ወጋሕታ፡ 'ጠጠው በሉ' ኢሎምና፡ ከይወቕዑና ኢልና ኣብ ዘለናዮ ኮፍ ኢልና። ክወቕዑና ምስደለዩ ሃዲምና ናብ ጫካ ኣቲና ኣይተራኸብናን። ክሃድም እንከለኹ ብጥይት ተኩሶም ፀጋመይቲ ኢደይ ወቒዖምኒ። ብዙሕ ደም ፈሲሱኒ፡ ወዲቐ። መሬት ምስ ወግሐ፡ ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝነበሩ ፈለስቲ ከይደ፡ መስገርቲ ፀዊዖም ናብ ሱዳን ኣስጊሮምኒ" ይብል።
ኣብ ከተማ ሑመራ ቀበሌ 03 ከባቢ ቤተ-ክርስትያን እንዳ ሚካኤል ኣብ ዝርከብ ናይ ሰሊጥ መፃረይ ኣብ ዝነበረ መኽዘን፡ ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ተጋሩ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ኣይተ ተወልደ ንቢቢሲ ገሊፁ።
ፍሉይ ሓይልን ፋኖን ኣምሓራ፡ ካብ 12 ሓምለ ጀሚሮም ገዛ ንገዛ እናዘሩ ንተጋሩ እናፈለዩ ክኣስሩን ከሳቕዩን ሪኡ ናብ ጫካ ሃዲሙ ኣምሊጡ ከምዝወጽአ ይዛረብ።
ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ከተማታት ሑመራ፣ ኣደባይ፣ እድሪስ፣ ወረዳ ቃፍታ ሑመራን ቁሸት ደጓጉምን፡ ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ሓድሽ ፆታዊ ዓመፅ፣ ዝምታ፡ ጃምላዊ ማእሰርትን ቅትለትን ይፍፀም ምህላው ግዳያት ንቢቢሲ ምግላፆም ይዝከር።
ሓላፊ ቢሮ ፀጥታን ድሕነትን ክልል ኣምሓራ ዶክተር ሰማ ጥሩነህ፡ "ኣብቲ ዝብሃል ዘሎ ከባቢ ፀገም በፂሑኒ ኢሉ ናብ ቢሮይ ሪፖርት ዝገበረ ዋላ ሓደ ተዛራቢ ትግርኛ የለን" ክብል ነቲ ቅድሚ ሕዚ ዝቐረበ ክስታት ይነጽጎ።
ኣብ ወርሒ ሕዳር ኲናት ምስ ተወለዐ፡ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ሕቶ ይግበኣኒ ዘልዕለሎም ንብዙሓት ከባብታት ምዕራባዊ ግዝኣት ትግራይ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳሩ ገይሩ ይርከብ።
ኣብ ጎኒ ሰራዊት መንግስቲ ፌደራል ተሰሊፎም ኣንፃር ሰራዊት ትግራይ ክዋግኡ ዝፀንሑ፡ ፍሉይ ሓይልን ሚሊሻን ኣምሓራ፣ ዕጡቓት ፋኖን ሰራዊት ኤርትራን ንምዕራብ ትግራይ ተቖፃፂሮምዎ ከም ዘለው ይፍለጥ።
ካብ ምዕራብ ትግራይ ልዕሊ 60 ሽሕ ሰባት ህይወቶም ንምድሓን፡ ናብ ሱዳን ተሰዲዶም ከምዘለውን፡ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሰባት ድማ ናብ ካልኦት ከባብታት ትግራይ ከምዝተመዛበሉን ፀብፃባት ውድብ ሕቡራት ሃገር ይሕብሩ።
መንግስቲ ኣመሪካ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዘውጸኦ መግለፂ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ምስ ምፅናት ዓሌት ዝጽብጸብ ተግባራት ይፍጸም ምህላው ስክፍታ ከምዝፈጠረሉ ምዝራቡ ይዝከር።
እንተኾነ ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ነቲ ክሲ 'ጻዕዳ ሕሶት'ዩ' ክብል ነጺግዎ እዩ። ሰብመዚ ክልል ኣምሓራ ብወገኖም ነቶም ዝቐርቡ ክስታት ብተደጋጋሚ ክነጽግዎም ጸኒሖም ኣለው።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







