ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ብመንግስቲ ቅሬታ ዝቐረበሉ ትዊተር ኣብ ጉዳይ እታ ሃገር ሻራ ከምዘይወስድ ገሊጹ

ናይ ትዊተር ምልክት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝድግፉ ድምጽታት ይዕፍን ኣሎ ዝብል ክሲ ዝቐረበሉ ዓቢይ ኩባንያ ማሕበራዊ መራኸቢታት ትዊተር፡ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ጸግዒ ከምዘይወስድ ገሊጹ።

ኣፈኛ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ብልለኔ ስዩም ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ትዊተር "ንኢትዮጵያ ዝድግፉ ድምጽታት ይዕፍን ኣሎ" ድሕሪ ምባላ እቲ ትካል ኣብ ዝሃቦ ምላሽ "ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ጸግዒ የብለይን" ኢሉ።

ኣፈኛ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ንዝልጠፉ ትሕዝቶታትን ገጻትን ብዝምልከት መምርሒታት እቲ ትካል ብዘይ ኣፈላላይ ኣብ ኩሉ ተፈጻሚ ይኸውን ምህላው ሓቢሩ።

እቲ ትካል ቀዳምነት ዝህቦ ድሕነት ምዃኑ ብምግላጽ: ኣብ ልዕሊ ንመምርሒታት ትዊተር ዝጠሓሱ ብርክት ዝበሉ ገጻት ስጉምቲ ከምዝተወሰደ'ውን ሓቢሩ።

ቢልለኔ ደገፍቲ ህወሓት ዝኾኑ ሰባት ኣብ ትዊተር ኣትዮም ከምዘለው ብምግላጽ ብዛዕባ እቲ ኩነታት ንጉጅለ ፖሊሲ እቲ ትካል ከምዝተሓበረ ተዛሪባ ነይራ።

ንኢትዮጵያ ዝድግፉ ድምጽታት ክዕፈኑ እንከለው ንህወሓት ዝድግፉን ናይ መንግስቲ ለውጢ ክካየድ ዝጉስጉሱን ሓሳባት ክንጸባረቑ ይፍቀድ ኣሎ ክትብል ከሲሳ እያ። እንተኾነ ብዛዕባ እቶም ተዓፊኖም ዝበለቶም ድምጽታት ዝርዝር መብርሂ ኣይሃበትን።

ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብወገኑ ብሰሉስ፡ ትዊተር ንገጻት ዋና ዳይሬክተር 'ኒው ኣፍሪካ ኢንስቲትዩት' ዶክተር ስምኦን ተስፋማርያም ምድስካሉ ብምንቃፍ ዳግመ መረመራ ክገብር ሓቲቱ።

"ዶክተር ስምኦን ተስፋማርያም ስለቲ ካብ ፖለቲካዊ ምዝዛው ንዝነቅል ብቀንዲ መራኸቢ ብዙሓን ንዝፍኖ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ንምግጣም ዘቕርቦ ጥንቁቕን ሚዛናውን ጸብጻባቱ ሽልማት እዩ ዝግብኦ። ትዊተር ንገጻቱ ምድስካሉ ምኽንያት ዘይብሉን ቅልጡፍ ዳግመ ምርመራ ዘድልዮን እዩ" ኢሉ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ዋና ዳይሬክተር 'ኒው ኣፍሪካ ኢንስቲትዩት' ምዃኑ ዝገልጽ ስምኦን ኣብቲ ኲናት ንመርገጺ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘቃልሕ ትሕዝቶታት ብተደጋጋሚ ክዝርግሕ ይርአ።

ኤርትራ፡ ሓይልታታ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ፈደራል ኢትዮጵያ ብምስላፍ ኣብ ኲናት ትግራይ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ክትዋጋእ ምጽንሓ ይፍለጥ።

ትዊተር እቶም ስጉምቲ ዝተወሰደሎም ገጻት 'ፕላትፎርም ማኒፕዩለሽን' ከምኡ'ውን 'ስፓም ፖሊሲ' ዝጠሓሱ ምዃኖም ገሊጹ ኣሎ።

ካብ ኣሰራርሓ ትዊተር ውጽእ ብዝበለ መገዲ፡ ዝተፈላለዩ ሜላታት ብምጥቃም ኣጋገይቲ መልእኽትታት ኣብ ሓደ ግዜ ንብዙሓት ተጠቀምቲ ንምብጻሕ ዝግበር ጻዕሪ ትዊተር 'ፕላትፎርም ማኒፕዩሌሽን' ክብል ይገልጾ።

ቅድሚ ሒደት ሰሙናት፡ ትዊተር፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ብቐረባ ይከታተሎ ምህላውን ጎንጺ ዘለዓዕሉን ንሰባት ዘነኣእሱን መልእኽትታት ከምዘየተኣናግድን ገሊጹ ነይሩ።

እቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ንቢቢሲ ብኢመይል ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ "ካብቲ ገጻት ንዝተኣለዩ ናይ ሓሶት ከምኡ'ውን ተመሳሰልቲ ትሕዝቶታት መሊስካ ንምልጣፍን ናይ ሓሶት ተሳትፎታትን ንምፍጣር ዝተኸፈቱ ኣካውንትታት እዮም" ኢሉ።

ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ምዕባለታት ብቕርበት ምክትታል ከምዝቕጽልን: መንግስቲ ምስ ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ኣካላት ርክብ ይግበር ምህላው'ውን ኣመልኪቱ።

ትዊተር ንዝበጽሕዎ ቅሬታታት ወይ'ውን ጥርዓናት ንምርኣይ ወትሩ ድልው ምዃኑ እቲ ኣፈኛ ትዊተር ንቢቢሲ ገሊጹ።

ትዊተር ኣብዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ እናዓበዩ ካብ ዝመጹ መድረኻት ማሕበራዊ መራኸቢታት ኮይኑ፤ ኣብዚ ቀረባ ግዚያት ጸግዒ ሒዙ ኣሎ ዝብል ክስታት ይቐርበሉ ኣሎ።