ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ነባራዊ ኩነታት እንታይ ይመስል? ናበይ'ከ የምርሕ?

ኣየለ ኣብ መዓልቲ መርዕኡ ምስ በዓልቲ እንድኡ

ምንጪ ስእሊ, AYELE

መግለጺ ስእሊ, ኣየለ ኣብ መዓልቲ መርዕኡ ምስ በዓልቲ እንድኡ

ኣየለ ተስፋዬ ሓዳር ካብ ዝምስርት ገና ሓደ ወርሒ ኣይመልኦን። 21 ጥቅምቲ 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ እዩ ተመርዕዩ። ኢትዮጵያ ሕዚ ትርከበሉ ኩነታት ኣብቲ ዝምስርቶ ሓዳር ፅዕንቶ ይፈጥር'ዶ ይኸውን ብዝብል ብዙሕ ሓሲቡ'ዩ።

"ከም ሰብ ሃገር ኣብ ኵናት ኮይና፣ ሰብ እናሞተ ንሕና መርዓ ክንድግስ ደስ ኣይብልን። ግና ህይወት ትቕፅል'ያ" ዝብል ኣየለ፡ እንታይ ክፍጠር ይኾን ዝብል ሻቕሎት ከምዝነበሮ ይዛረብ።

"ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ሓዳር ምግባር፣ ዝተረጋግዐ ናብራ ምምስራትን ቆልዓ ንምውላድን ዘተባብዕ'ኳ እንተዘይኮነ፡ ዝሐሸ ነገር ክመፅእ'ዩ ኢልናን ኣምላኽ ኣሚንናን ኢና ሓዳር መስሪትና" ይብል።

ኣዲስ ኣበባ ብኣንደበት ነበርታ ከመይ ቀንያ?

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተወሊዱ ዝዓበየን ወለዱ ተጋሩ ዝኾኑን መሓሪ* ክሳብ ናይ ዩኒቨርሲቲ ትምህርቱ ኣብ ከተማ ኣዲስኣበባ'ዩ ተማሂሩ። ኣብታ ከተማ ተጋሩ ከምዝግለሉን ትግርኛ ምዝራብ ከምዘፍርሕን ንቢቢሲ ገሊፁ።

"ናብራ ኣዲስ ኣበባ ከም ልሙድ ኣይቀፀለን፤ ሰዓት እቶ እቶ'ኳ እንተዘይሃለወ፡ ሰባት ብግዘ'ዮም ናብ ገዝኦም ዝኣትዉ" ብምባል እቲ ኵናት ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ ምግላል ከምዝበፅሖ ይገልፅ።

ብፍላይ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ካብ ዝእወጅ ንነዘ ብትግርኛ ምዝራብ ኮነ ሙዚቃታት ትግርኛ ምስማዕ መፍርሒ'ዩ ዝብል መሓሪ* ንጉሆ ካብ ገዝኡ እንትወፅእ "ከይምለስ እኽእል'የ" ብምባል ከምዝእሰር ተዳልዩ ከምዝወፅእ ይሕብር።

መስመር

ኣየለ ግን እታ ከተማ ሕዚ ትርከበሉ ኩነታት ብፍላይ ብመራኸብቲ ሓፋሽ ወፃኢ ካብ ዝስማዕ ከምትፍለ'ዩ ዝዛረብ።

"ንሕና ኢና ኣብዚ ንነብር ዘለና። ሕዚ ኣብ ሓደ ካፌ ማክያቶ እሰቲ ኣለኹ። እቲ ዘሎ ምንቅስቓስ ሰላማዊ'ዩ" ዝብል ቅዋም ኣለዎ።

ካልእ ነባሪ እታ ከተማ ኣይተ ኣብዲ ድማ፡ ብሰንኪ እቲ ኵናት ሃዲሞም ዝመፅኡ ኣዝማዱ፡ ኣብ ሓደ እስላማዊ ቤት ትምህርቲ ኣፅሊሎም ከምዝርከቡን ዝተወሰነ ቁፅሪ ዘለዎም ተመዛበልቲ'ውን ኣብታ ከተማ ክረኣዩ ከምዝጀመሩ ይገልፅ።

መስመር

ካልእቲ ነባሪት ከተማ ኣዲስ ኣባባ ራህዋ* ብተመሳሳሊ "ግድን እንተዘይኮይኑኒ ካብ ገዛ ኣይወፅእን። ዋላ'ኳ ናይ መለለይ መንነት ካርደይ ብሄር ዝገልፅ እንተዘይኮነ፡ ብናይ ኣቦይ ስም ትግራወይቲ ምዃነይ ስለዝፈለጥ ይሻቐል'የ። ካብ ገዛ እንተወፅየ ግና ክእሰር እኽእል'የ ኢለ ተዳልየ እየ ዝወፅእ" ትብል።

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ፡ "ብሄር መሰረት ዝገበረ ማእሰርቲ ከምዘይፍፅምን ብግብረ ራዕዲ ምስ ዝሰመዮም ጉጅለታት ርክብ ንዘለዎምን መረዳእታ ንዝተረኸበሎምን ጥራሕ ዒላማ ከምዝገብር'ዩ" ብተደጋጋሚ ዝገልፅ።

ነቲ ኵናት ስዒቡ ተፈጢሩ ዘሎ ኣመለኻኽታን ዝወሃብ ግብረ መልስን ኣብ ሞንጎ እቲ ማሕበረሰብ ንዝነበረ ማሕበራዊ ምትእስሳር ብምፅላዉ፡ ስግኣትን ጥርጣረን ምፍጣሩ ኣይተረፈን።

መሓሪ "ንባዕለይ ከምድሌተይ ኣይገልፅን። ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብ ናይ ሓደ መሓዛይ መርዓ ናይ ትግርኛ ደርፊ ምኽፋት ዘሰቅቕ ስምዒት ተፈጢሩ ነይሩ" ብምባል ነቲ ኣብታ ከተማ ዘሎ ኩነታት የረድእ።

ከተማ ኣዲስኣበባ

ምንጪ ስእሊ, Addis Ababa City Press Secretary/FB

ራህዋ ኣብ ክልል ኣምሓራ ተወሊዳ፡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እያ ግዘ ንእስነታ ኣሕሊፋቶ።

"እቲ ኵናት ምስተጀመረ፡ መሓዙተይ ኣብ ትግራይ ብዛዕባ ዘለዉ ኣዝማደይ ክሓቱኒ፣ ከፅናዕንዑኒ'ዮም ኢለ እኳ እንተተፀበኹ፡ ትፅቢተይ ኣይኮነን። ሓደ ሓደ ግዘ ይግበኦም እዩ ዝብል ፅሑፍ ብማሕበራዊ ሚድያ ክፅሕፉ እርእይ ነይረ።

"ቅድሚ እዚ ኵናት ብሄር የብለይን ኢትዮጵያዊት እየ ኢለ እሓስብ ኔረ። ሕዚ ግና ሕማቕን ፅቡቕን ሓቢርና ዘሕለፍና ሰባት ሃገር ከምዝኸሓደ ሰብ'ዮም ዘግልሉኒ" ብምባል፡ ነቲ ህሉው ኩነታት ተረድእ።

ቅድሚ ሕዚ ብ 'ዞን 9' ኣብ ዝፍለጥ ፀሓፍቲ ዓምዲ ኢንተርኔት ከምኡ'ውን ሕዚ ኣብ ዝሳተፈሉ ሲቪል ማሕበረሰብ ዝፍለጥ በፍቃዱ ኃይሉ፡ ከም ሓደ ነባሪ እታ ከተማ ኮነ ኩነታት ፖለቲካ እታ ሃገር ብቕርበት ከምዝከታተል ሰብ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንተጋሩ ከባድ ከምዝኾነት'ዩ ተዓዚቡ።

"ሕዚ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተወላዲ ትግራይ ምዃን ከቢድ'ዩ። ሓደሓደ ሰባት ዝተፈለየ ፖለቲካዊ እምነት እንተልይዎም፡ ኣብ ልዕሊ እዚ ድማ ብሄር ክውሰኾ ከሎ፡ ብቐሊሉ ንህወሓት ወጊኖም ብዝብል ብቐሊሉ ይጥርጠሩ" ይብል።

"እዚ ካብ መንግስትን ካብቲ ማሕበረሰብን ዝምንጩ'ዩ። ምኽንያቱ እቲ ማሕበረሰብ ኣብ ሞንጎ ተወልድቲ ትግራይን ህወሓትን ዘሎ ቀጢን ኣፈላላይ ንምርዳእ ዓቕሚ ወይ ድሌት የብሉን። ስለዚ እዚ ነቲ ኩነታት ከምዘኽበዶ ምርዳእ ይከኣል" ብምባል የረድእ።

እንተኾነ ሕዚ ይኽሰት ንዘሎ ኩነታት ንምርዳእ ንድሕሪት ምልስ ኢልካ ምድህሳስ ኣድላይ እዩ ኢሉ ዝኣምን በፍቃዱ፡ ነቲ ሕዚ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ኩነታት "ስምባደ" ክብል'ዩ ዝገልፆ።

ለውጥታት ኣዲስኣበባ እንትድህሰሱ

በፍቃዱ፡ ሕዚ ይዋግኡ ናይ ዘለዉ ሓይልታት ፖለቲካ ጎንፂ፡ ኣብ ሞንጎ ናይ ቅድሚ ሕዚ ኣባላት ኢህወደግ ዝካየድ ዘሎ እንትኾን፡ ህወሓት ንትግራይ፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ንመንግስቲ ፌደራል ሒዞም "ኣይፈልጠካን ተባሂሎም" ብምባል ይዝክር።

እዚ ክንህር ዝፀንሐ ፖለቲካዊ ወጥሪ ናብ ኵናት እንክሰጋገርን እናሰፍሐ እንክመፅእን፡ "ኣዲስ ኣበባ መፈፀምታ ከምዝገበረ ምልክታት ክረኣዩ ጀሚሮም" ብምባል ነቲ ስምባደ ኢሉ ዝገለፆ ኩነታት የብራህርህ።

"እቲ ስምባደ ብምንታይ ይግለፅ እንተድኣ ተባሂሉ፤ መንግስቲ ሰምቢዱ'ዩ ዘሎ። ነዚ እዩ ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ኣዊጁ። በብመንገዱ ልዑል ቁፅፅርን ተፍትሽን ኣሎ፣ ራድዮን ተሌቬዥንን ተጠንቀቑ ንርእስኹም ሓልዩ እናበሉ እዮም ዘውግዑ። እዚ ድማ እቲ ማሕበረሰብ ንሕድሕዱ ብክፉእ ንክረኣኣይ ይገብር ኣሎ"

ሓደ ሓደ ነበርቲ ምናልባት እቲ ኩነታት ካብቲ ዘለዎ እንተሓሲሙ ብዝብል ልዕሊ ልሙድ ኣስቤዛ ይዕድጉ ከምዘለዉ ዝገለፀ በፍቃዱ፡ "ናይ ምሸት ሂወት ዋላ'ኳ እንተነከየ፡ ዝተወሰነ ምንቅስቓስ ኣሎ" ይብል።

እዚ ኩነታት ኣብ ልዕሊ ተወልድቲ ትግራይ ዝተፈለየ ከምዝኾነ ዝገልፅ በፍቃዱ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ዓሚቕ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ዘምፅኦ ኣፈላላይ ተረኽ ከምዝኾነ ይኣምን። ብምኽንያት ኣፈላላይ እዚ ተረኽ፡ ኣብ ከተማ ኣዲስኣበባ ንዝነብሩ ተጋሩ ናይ ምጥርጣርን ምጥቋምን ኩነታት ከምዘሎ ንቢቢሲ ገሊፁ።

መስመር
ኣዲስኣበባ

ምንጪ ስእሊ, Addis Ababa City Press Secretary/fb

ምርብራብ ማሕበረሰብ ዓለም ግነት'ዶ ርትዓዊ ስግኣት?

ዲፕሎማሰኛታት ካብ ሃገር እንትወፅኡ ከምዝረኣየ ዝገልፅ ኣብ መጓዓዝያ ኣየር ዝሰርሕ ኣይተ ኣብዲ፡ "ሚድያታት ወፃኢ ትፅብፅብዎ'ዩ፡ ኣብ ወፃኢ ኮነ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንዝነብር ሰብ የሻቕሎ ዘሎ። እዚ ፖለቲካ እዩ" ዝብል ኣመለኻኽታ ኣለዎ።

ኣብዚ ቅነ ብዙሓት ዓለምለኸ ትካላትን ኤምባሲታትን ሰራሕተኛታተንን ዜጋታተን ካብ ኢትዮጵያ ከምኡ'ውን ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክወፁ ፃውዒት የቕርባ ኣለዋ። እዞም መጠንቀቕታት ሕዚ'ውን ተጠናኺሮም ቀፂሎም ኣለዉ።

ሓደ ሓደ ትካላት፡ ካብ ኢትዮጵያ ክወፅኡ ንዝደልዩ ሰራሕተኛታት ውሽጢ ዓዲ ከይተረፈ ኣማራፅታት ብምሃብ ካብ ካልእ ሃገር ኮይኖም ስርሖም ክቕፅሉ ባይታታት የጣጥሑ ኣለዉ።

ተንታኒ ክራይስስ ግሩፕ ዊሊያም ዳቪሰን፡ ብፍላይ ድማ፡ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብዚ ቀረባ ግዘ ዘውፆኦም መግለፅታትን ፀብፃባት መራኸብቲ ሓፋሽን ነፃፂሉ እዩ ዝርእዮም።

መንግስቲ ኣሜሪካ ብዛዕባ መገዲ ኣየርን ስግኣታት ግብረ ራዕድን ዘውፅኦም መግለፅታት እንከዳሉ ነዚ ዝደረኾ ሓበሬታት ክህልዎ ከምዝኽእል ምግማት እኳ ዝከኣል እንተኾነ፡ "እዞም መግለፅታት ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ካቡል ብዝነበረ ክስተት ዝተፀለዉ'ዮም ኢለ እኣምን" ይብል።

እቶም "መግለፅታት ንዜጋታት ኣሜሪካ ንምሕጋዝ ዝዓለሙ እኳ እንተኾኑ፡ ኢትዮጵያውያን ዘለውዎም ስግኣታት ኣብ ግምት ዘእተዉ ኣይኮኑን" ብምባል የረድእ።

እቲ ካልኣይ ኣብ መራኸብቲ ሓፋሽ ዘሎ ጉዳይ'ዩ ዝብል ዳቪሰን፡ "ንኣብነት ሲኤንኤን ሓይልታት ትግራይ ኣብ ጫፍ ኣዲስ ኣበባ በፂሖም ኢሉ ዝፀብፀቦ" ከም ኣብነት የልዕል።

"ውሑዳት ዕጡቓት ግንባር ናፅነት ኦሮሞ ካብ ኣዲስአበባ ካብ 50 ክሳብ 100 ኪሎሜትር ኣብ ዘሎ ርሕቐት ይንቀሳቐሱ እንተይሎም እሺ። እዚ ግና ኣዲስ ኣበባ በፂሖም ምባል ኣየኽእልን። ስለዚ ሓደሓደ ሰባት ኾነ ተባሂሉ ክውሰኽ ዝተደለየ ፀቕጢ ኣሎ ክብሉ ዝገበረ እመስለኒ" ኢሉ።

ዊሊያም ዳቪሰን፡ ማሕበረሰብ ዓለም ብዘይ ገለ ምኽንያት'ዩ ካብ ኢትዮጵያ ዝወፅእ ዘሎ ዝብል ግና "ማይ ዘይቛፅር ትንተና'ዩ"፡ ምኽንያቱ ሓይልታት ትግራይ ንደሴን ኮምቦልቻን ድሕሪ ምቁፅፃሮም ኣብ ዘለዉ ሒደት ሰሙናትን ኣዋርሕን ናብ ኣዲስኣበባ ክበፅሑ ከምዝኽእሉ ዘርእይ ስግኣት ከምዝተፈጠረ ዘይከሓድ እዩ፡ ክብል ንቢቢሲ ገሊፁ።

"ስግኣት ስለዘሎ እኮ እዩ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ስልጣኑ ንምክትሉ ወኪሉ፡ ናብ ግንባር ዝኸደ። ኣዋጅ ህፁፅ ግዘ ዝተኣወጀን ኣብ መላእ ኣዲስኣበባ ኮሚቴ ሓለዋ ከባቢ ዝተጣየሸን ስግኣት ስለዘሎ'ዩ" ብምባል የረድእ።

ስግኣትን ተስፋን ከተማ ኣዲስኣበባ?

ኣየለን ኣብዲን፡ መንግስቲ እዚ ኵናት ንከብቅዕን ነገራት ክሃድኡን እንተሰሪሑ፡ ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ዝተፈጠረ ምጥርጣር ክፀብብ ከምኡ'ውን ዝሐሸ መዓልቲ ክመፅእ ከምዝኽእል ይኣምኑ።

መሓሪ ግና፡ ከም ውልቁ ኣብ ህይወት ዘመኑ ተስፋ ከምዝሰኣነ የረድእ።

"ኣነ ኣብ ኣዲስኣበባ ተወሊዱ ከምዝዓበየ ሰብ ተስፋ ኣይረኣየንን። ኣቦይ ብንእስነቱ'ዩ ካብ ትግራይ ወፅዩ። ሕዚ ኣቦይን ኣደይን ብሂወት የለዉን። ሪፈረንደም እንተድኣ ተኻይዱ፡ ንሕና ኣብ ምንታይ ኢና ክንነብር?" ዝብል ሕቶ የልዕል።

ናይ ራህዋ ሓሳብ ግን ካብ ናይ መሓሪ ዝተፈለየ'ዩ። "እቲ ኵናት ምስ ኣብቀዐ፡ ብኸመይ'ዩ ዝተሰበረ ልበይ ዝፅገን? ይቕረ ንምባል'ከ ክንደየናይ ጥንካረ ይህልወና። እዚ ኣቦሓጎታተይ፣ ወለደይን ኣነን በብትውልድና ነሕልፎ ዘለና ግፍዒ'ዩ። ደቀይ'ኸ? ድሕሪ ሕዚ'ኸ ብኸመይ እየ ኣብ ኢትዮጵያ ክነብር ዝኽእል? ናብ ካልእ ሃገር ከምዝተሰደትኩ እምበር ዜጋ ከምዝኾንኩ ኣይስመዐንን" ብምባል ሓሳባ ትዛዝም።

ከምመዕፀዊ

በፍቃዱ ኮነ ዊልያም ዳቪሰን፡ ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ማእኸል ዲፕሎማሲ ናይ ዝተብሃለት ኣዲስኣበባ ተስፋ ዝምንጩ፡ እቲ ኵናት ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ናይ ምፍታሕ ዕድል ምስዝህሉ'ዩ ይብሉ።

" ዝበዝሕ ነባሪ ኣዲስኣበባ ንመንግስቲ ፌደራል'ዩ ዝድግፍ ዝብል ገምጋም ምሃብ ይከኣል። ዝበዝሕ፡ ሓይልታት ትግራይ 'ናብ ኣዲስኣበባ ኣይመፁን፡ ኣይኽእሉን' ዝብል ኣመለኻኽታ'ዩ ዘሎ" ዝብል በፍቃዱ፡ እዚ ኵናት ወተሃደራዊ ተዓዋቲ'ምበር ዘላቒ ተዓዋቲ የብሉን ዝብል እምነት ኣለዎ።

''እቲ ኵናት ደው እንተዘይሉ፡ ናብ ኣዲስኣበባ ዝበፅሐሉ ዕድል የለን ምባል ኣይከኣልን'' ዝብል ዳቪሰን፡ "ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ይፍፀም ዘሎ ማእሰርቲ ናብ መጥቃዕቲ እንተድኣ ኣምሪሑ፡ ሓይልታት ትግራይ ብዘይተፀንዐን ንዝስዕብ ውፅኢት ከይተዳለዉን ናብ ኣዲስኣበባ እንተኣትዮምን፡ ካብታ ከተማ ሓሊፉ ብብርኪ ሃገርን ኣህጉርን ብዙሕ ቅልውላው ክፍጠር ይኽእል'ዩ ዝብል ትንታነ ምሃብ ይከኣል" ይብል።