ሱዳን፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ሓድሽ መጥቃዕቲ ከፊቱ ክትብል ከሲሳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ሞንጎ ኣብ ዶባት ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝርከቡ ሰራዊት ክልቲአን ሃገራት ሓድሽ ረጽሚ ከም ዝተወልዐ ጸብጻባት ሓቢሮም።
ማዕኸን ዜና ሱዳን ትሪቡን ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ብቐዳም ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሱዳን ሓድሽ መጥቃዕቲ ከም ዝኸፈተ ብምግላጽ በቲ መጥቃዕቲ ሽዱሽተ ኣባላት ሰራዊት ሱዳን ከም ዝተቐትሉ ሓቢሩ።
ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ኢትዮጵያ ጄነራል ብርሃኑ ጁላ ግን ነቲ ካብ ሱዳን ዝቐረበ ክሲ ብምንጻግ፡ ሃገሩ ኣብ ልዕሊ ሱዳን መጥቃዕቲ ከምዘይፈጸመት ሓቢሩ።
እቲ ጄነራል ንኢትዮጵያ ሳተላይት ቴሌቪዥን (ኢሳት) ከምዝበሎ፡ "ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሱዳን መጥቃዕቲ ኣይፈነወትን፣ መጥቃዕቲ እትፍንወሉ ምኽንያት'ውን የለን" ብምባል ካብ ሱዳን ንዝቐረበ ክሲ ነጺግዎ።
ሮይተርስ፡ ካብ ምንጪታት ሰራዊት ሱዳን ረኺበዮ ዝበሎ ሓበሬታ ጠቒሱ ኣብ ጥቓ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ብዝነበረ ሓድሽ ጎንጺ ሽዱሽተ ሰራዊት ሱዳን ከም ዝተቐትሉ ገሊጹ።
ሰራዊት ሱዳን ኣብ ፌስቡክ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ "ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያን ሚሊሻን ኣብ ኣል ፋሽጋ ኣል ሹግራ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ሓይልታቱ መጥቃዕቲ ከም ዝኸፈቱን ሞት ከም ዝስዓበን" ብምግላጽ . . . "እንተኾነ ሰራዊት ሱዳን ብዝሃቦ ዓጸፌታዊ ምላሽ ኣብ ልዕሊ እቶም መጥቃዕቲ ዝኸፈቱ ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ኪሳራ በጺሑ'ዩ" ኢሉ።
ካብዚ ወጻእ ዝሃቦ ዝርዝር ሓበሬታ ግን የለን።
እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብዝቕጽል ዘሎ ኲናት ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ዝገጥም ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሒሩ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ እዩ ነቲ ክሲ ነጺግዎ ዘሎ። ጀነረል ብርሃኑ፡ ኣብ ልዕሊ ዶብ ጥሒሶም ክኣትዉ ዝፈተኑ ዕጡቓት ስጉምቲ ከምዝተወሰደ እዩ ዝገልጽ።
ማዕኸን ዜና ሱዳን ትሪቡን፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ዶብ 17 ኪሎ ሜትሮ ሰጊሮም ብምእታው ምስ ሰራዊት እታ ሃገር ከቢድ ውግእ ከም ዝገጠሙ ክገልጽ እንከሎ፡ እቲ ጎንጺ ኣብ ምብራቕ ኡም ዲሳን ባራካት ኖሪንን ዝበሃሉ ቦታታት ከም ዝነበረ ሓቢሩ።
ኣብዚ "ንልዕሊ ሸውዓተ ሰዓታት ኣብ ዝጸንሕ ረጽሚ ከበድቲ ብረትን ኣጽዋራትን" ከም ዝተተኮሱ ምንጪታት ሰራዊት ሱዳን ጠቒሱ ጸብጺቡ።
መንግስቲ ሱዳን፡ ብሞት እቶም ወተሃደራት ኣዝኡ ሓዚኑ ክብል ትሪቡን ኣቓሊሓ።
ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ውጥጥ ዘዘኻኸረ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ፡ እቲ ተወሲዱና ዝብልዎ መሬት ብሕጋዊ መገዲን ብዘተን ናይ ምምላስ መርገጺ ከምዘሎን ኲናት ዝኸፍትሉ ምኽንያት ከምዘየሎን ተዛሪቡ።
ካብዚ ብተጻራሪ፡ ብወገን ሱዳን ምትንዃያት ከምዘሎ ዝገለጸ እቲ ጀነራል፡ ዕጡቓት ብሱዳን ወገን ዶብ ጥሒሶም ክኣትዉ ከምዝግበር ብምሕባር፡ "ሱዳን ህንጸት ግድብ ህዳሰ ንምትእጉጓል ትሰርሕ ኣላ" ክብል ከሲሱ።
"ብዚ ምኽንያት ንሳቶም ዝለኣኹዎም ሓይልታት ኢና ደምሲስና። ናይ በዓልትና ተለኣኣኽቲ ኢና ንድምስስ 'ምበር 'ንስኹም ንምንታይ ትልእኹዎም' ኢልና ናብ ጎንጺ ክንኣቱ ኣይንደልን" ኢሉ።
ሓላፊ ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን፡ ሚኒስትር ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ብወገኑ፡ ንሃገራዊ ቴሌቪዥን ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ብዶብ ሱዳን ኣቢሉ ክኣቱ ኣብ ልዕሊ ዝፈተነ ጉጅለ ዕጡቓት ስጉምቲ ከምዝተወስደ ብምሕባር ብመንግስቲ ሱዳን ንዝቐረበ ክሲ ነጺጉ።
ክልቲአን ሃገራት ብምኽንያት እቲ ኣብ ከባቢ ዶብ ዘሎ ልሙዕ መሬት ኣል ፋሽጋ ካብ ወርሒ ሚያዚያ 2020 ጀሚሩ ናብ ግጭት ዝኣተዋ ኮይነን ክሳብ ሕጂ 90 ወተሃደራት ሱዳን ከም ዝሞቱ ይግለጽ።
ኣል-ፋሽጋ ኣብ ከባቢ ዶብ ሱዳን ዝርከብ ዓቢ ናይ ሕርሻ ቦታ ኮይኑ፡ ንብዙሓት ዓመታት ግን ዕጡቓት ኢትዮጵያ ሒዞምዎ ከምዝጸንሑ እዩ ዝፍለጥ።
ኢትዮጵያን ሱዳንን 750 ኪሎ ሜትር ሓባራዊ ዶብ ኣለወን። እንተኾነ ግን እዚ ዶብ ዝበዝሕ ክፋሉ፡ ንጹር ብዝኾነ መገዲ ኣብ ባይታ ኣይተከለለን።
ንሱዳንን ኢትዮጵያን ዘዋጥጥ ዘሎጉዳይእንታይእዩ?
ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ትሰሓሓበሉ ዘላ ከባቢ፡ ልሙዕ ኮይኑ፡ ኩርናዕ ኣልፋሽጋ ብዝብል ይፍለጥ።
ኣብቲ ዶብ ብኽልቲኡ ሸነኻት ዝርከቡ ሓረስቶት፡ ነቲ ስግሪ ዘሎ ልሙዕ መሬት ይምነዩ።
ኩርናዕ ኣልፋሽጋ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ሱዳን፡ ምብራቓዊ ገዳርፍ ዝርከብ መሬት እዩ።
ኣልፋሽጋ 250 ትርብዒት ኪሎሜተር ዝሽፍንን ልዕሊ 240 ሄክታር ልሙዕ መሬት ዝሽፍን እዩ።
ክልቲኦም መንግስታት ቅድሚ ሕጂ፡ ነዚ ኣሰሓሓቢ ዶብ፡ ዳግማይ ንምሕንጻጽ፡ ናይ ሓባር ፕሮጀክትታት ንምጅማርን ንህዝቢ እቲ ከባቢ ተረባሒ ንምግባር ስምምዓት ተጌሮም ነይሮም።
ኣብ 2014 ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ነበር ሃይለማርያም ደሳለኝን ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ሓሰን ኣልበሽርን ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ክልቲአን ሃገራት፡ እቲ ዶብ ኣብ ባይታ ዝምልከተሉ ዕለት ክሕብሩ ትእዛዝ ኣመሓላሊፎም ነይሮም።
እንተኾነ ነቲ ዶብ ናይ ምምልካት ስራሕ ክሳዕ ሎሚ ኣይተፈጸመን።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







