ጀነራላት ሱዳን ንወለዶይ ጠሊሞምዎ’ዮም - ርእይቶ

ኣይፋል ንወተሃደራዊ ምሕደራ ዝብል ጽሑፍ ዝሓዘ ሰልፈኛ 17 ሕዳር 2021

ምንጪ ስእሊ, AFP

ቢቢሲ ካብ ኣፍሪቃውያን ጸሓፍቲ ንዝመጾ ጽሑፋት ኣብ ዘቕርበሉ መደብ፡ ድሕሪ ህዝባዊ ሰውራ ኣብ 2019 ናብ ሱዳን ዝተመለሰ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ነበር ሞሃናድ ሓሽም፡ ሰራዊት ዕልዋ ድሕሪ ምፍጻሙ ናይ ብዙሓት ተስፋ ከም ዝተቖጸየ ዘዘንትወሉ ጽሑፍ ቀሪብናልኩም ኣሎና።

Short presentational grey line

ከም ሰራሕተኛ ሃገራዊ ብሮድካስቲን ኮርፖሬሽን ሱዳን ኤስኤንቢሲ፡ ናብ ስርሐይ ንምምላስ ኣብዚ ሰሙን ናብ ሱዳን ክበርር ነይሩኒ። ነቲ ትካል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ነሓሰ እየ ተጸምቢረዮ።

ካብ ወዲ 19 ዓመት ጀሚረ ኣብ ስደት ብምንባረይ፡ ናብታ ካብ ዑመር ኣልበሽር ነጻ ዝኾነት ሱዳን ምኻድን ኣብኡ ናይ ምስራሕን ሕልመይ ክውን ኮይኑ።

እንተኾነ ግና ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተኻየደ ዕልዋ ንህይወተይ ፋሕብትን እዩ ኣእትዩሉ።

ስድራይ ክርኢ ናብ ለንደን ኣብ ዝገሽኩሉ እዩ ኣጋጢሙ፤ በዚ ድማ ኣብዚ እዋን ኣነ ብዘይ ስራሕ፡ ዓደይ ድማ፡ እቲ ጁንታ ኣንጻር እቲ ንደሞክራሲ ዝጽውዕ ተቓውሞታት ስልጣኑ ንምጥጣሕ ኣብ ዝጽዕረሉ ዘሎ ኩነታት፡ ኣብ ዕግርግር ንርከብ።

ብዙሓት ተጠሊምና ዝብል ስምዒት ከም ዘለዎም እቶም ካብ ዓዲ ከዘራርቦም ዝኸኣልኩ ሰባት ነጊሮምኒ።

ብዙሓት ሱዳናውያን ነቲ ኣብ 3 ሰነ 2019 ኣብ ኣፍደገ ዋና ቤትጽሕፈት ሰራዊት እታ ሃገር ኣብ ዝካየድ ዝነበረ ተቓውሞ ንዝተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለት ይዝክሩ ኣለው።

ሽዑ እቲ ሰራዊት ንፕረዚደንት ኣል በሽር ብምዕላው ንኽልተ ወርሒ ስልጣን ተቖጻጺሩ ብምንባሩ፡ እቶም ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት፡ ሰራዊት ስልጣኑ ንሲቪል ከረክብ ይጠልቡ ነይሮም።

ኣብታ ዕለት ግና ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ እቶም ሰልፈኛታት ብዝወሰድዎ ስጉምቲ ብውሑዱ 87 ሰባት ተቐቲሎም።

ስልጣን ናብ ሲቪል ክሰጋገር ዝጠልቡ ሱዳናውያን ሰልፈኛታት ኣብ ጎደናታት ካርቱም 21 ጥቅምቲ 2021

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣርባዕተ መዓልትታት ቅድሚ እቲ ዕልዋ፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ መላእ እታ ሃገር ነቲ ሲቪላዊ ምምሕዳር ዝድግፍ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም

እቲ ጉዳይ ድሕሪ ኽልተ ዓመት’ውን ጌና ፍትሒ ከምዘይረኸበ ብዙሓት ይኣምኑ፤ እዚ ዕልዋ ከኣ ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን ንህዝቢ ንዝኣተዎ ቃል ንካልኣይ ጊዜ ከም ዝጠለመ ጌሮም ይቖጽርዎ።

ኣነ ዝፈልጦም ብዙሓት ብተግባር እቲ ሰራዊት ጉህዮም እዮም።

ኣብ መንጎ እቶም ካብ ነሓሰ 2019 ጀሚሮም ስልጣን ተመቓሪሖም ዝጸንሑ ወተሃደራውያንን ሲቪልን መራሕቲ ምትፍናን ብምጽንሑ፡ እቲ ዕልዋ ትጽቢት ዘተይገበረሉ እኳ እንተዘይኮነ፡ እቲ ዝተፈጸመሉ ግዜ ግና ዘሰንብድ ኮይኑ ከም ንዕቐት ይርአ።

ካብ ስራሕ ምግላፍን ናብ መዝነት ምምላስን

ኣርባዕተ መዓልትታት ቅድሚ እቲ ዕልዋ፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ መላእ እታ ሃገር ነቲ ሲቪላዊ ምምሕዳር ዝድግፍ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካዪዶም - እዚ ድማ ኣብቲ መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሓን ጽቡቕ ሸፈነ ተዋሂብዎ።

25 ጥቅምቲ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ግና፡ ብረት ዝዓጠቑ ወተሃደራት ኣብ ኦምዱርማን ንዝርከብ ቤትጽሕፈት ኤስኤንቢሲ ተቖጻጺሮምዎ።

ናይ ቀደም ጀነራላትን ሓለፍቲ ጸጥታን፡ ኣብ ፈነወታት ብምቕራብ እቲ ስጉምትታት ነቲ ሰውራን ቅኑዕ መስመሩን ንምድሓን ምዃኑ ብምዝራብ እቲ ስጉምቲ ምኽንያታዊ ምዃኑ ከረድኡ ፈተኑ።

ንዝቐጸሉ ሒደት መዓልትታት፡ ክልተ ኣዘዝቲ ነቲ ሃገራዊ ማዕከን ዜና ኣካየድዎ። ብድሕሪኡ ኣብ እዋን ኣል-በሽር ሓላፊ እቲ ማእከን ዜና ዝነበረ ኢብራሂም ኣል-ቡዛኢ ናብ መዝነቱ ተመለሰ።

ኤስኤንቢሲ

ምንጪ ስእሊ, Mohanad Hashim

መግለጺ ስእሊ, ኤስኤንቢሲ ንዝተፈላለዩ ድምጽታት ከምዘካትት ንምግባር ጻዕርታት ይካየድ ነይሩ

ብጾተይ ከም ዝነገሩኒ፡ ንሰልፊ ኣልበሽር (ሰልፊ ሃገራዊ ባይቶ) እሙናት ዝነበሩ ውልቀሰባት ናብ መዝነቶም ተመሊሶም ኣለው።

ንሳቶም በቲ ዘለዎም እስላማዊ ዝንባለ ፍሉጣት ኮይኖም በቲ ንስርዓት ኣል-በሽር ንምብታን ዝቖመ ኮሚተ ካብቲ ኮርፖሬሽን ተባሪሮም ነይሮም።

ገለ ደገፍቲ ናይቲ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ዝርከብ ብቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ ዝምራሕ ሲቪላዊ መንግስቲ ኢኹም ዝተባሃሉ ኣባላት ካብ ስርሖም ደው ኢሎም ኣለው።

እቲ ንሸፈነ ኤስኤንቢሲ ነጻ ንምግባር ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕሪ ንድሕሪት ተመሊሱ እቲ ትካል ዳግማይ ልሳን ናይቲ ስርዓት ኮይኑ ኣሎ።

ኣብዚ እዋን ንተለቪዥን ሱዳን ምስ እትርእይ፡ እቲ ኣቀራርባ ካብቲ ናይ እዋን ኣል-በሽር ዝተፈለየ ኣይኮነን።

ድምጽታት ተቓውሞ

ኣነ ሓደ ካብቶም እቲ ሃገራዊ ማእከን ዜና ንሓድሽ ምስሊ ሱዳን ከንጸባርቕ ዝጽዕሩ ዝነቡ እየ።

ድሕሪ ንሰሙናት ዝዘለቐ ምዕጻው ኢንተርነት፡ ማእሰርቲ ጋዜጠኛታት፡ ምዕጻው ጋዜጣታትን መደበራት ኤፍኤምን፡ ፈነወታት ቢቢሲን ኣርኤፍኣይን ብኤፍኤም ከይመሓላለፍ ምኽልኻልን ካልእን ግና ነዚ ሕልሚ ኣሕሲስዎ ኣሎ።

ንደሞክራሲ ዝጽውዑ ጎስጎስቲ ግና ጌና ተስፋ ኣይቆረጹን።

ሰልፈኛታት ሱዳን ጽርጊያ እናዓጸው: 30 ጥቅምቲ 2021

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ኮሚተታት ተቓውሞ ኣንጻር እቲ ዕልዋ ሰላማዊ ሰልፍታት ይውድቡ

ኣብቲ ዝነብረሉ ከባቢ ኦምዱርማን፡ ወለንታውያን መንእሰያት ከም ሕብስቲ፡ ሽኮርን ጋዝን ዝኣመሰሉ መሰረታውያን ቀረባት ንምርግጋጽ ናይ ግልጋሎታት ኮሚተታት የካይዱ።

እዞም ኮሚተታት ተቓውሞ: ኣወሓሓድቲ ደገፍቲ ደሞክራሲ ናይ ዝኾነ ናይ ምንቅስቓስ ውዳበታት ኣወሃሃድቲ ብምዃን ንነበርቲ እቲ ከባቢ የለዓዕሉ ኣለው።

ሰላማዊ ሰልፍታት ይውድቡን ኣንጻር እቲ ሰራዊት መገድታት ይዓጽውን።

ካብ ህዝቢ ሱዳን እቲ 65% ትሕቲ 30 ዓመት ዕድመ ዘለዎ ኮይኑ እቲ ዝበዝሐ ነቲ ድምጹ ንምዕፋን ንዝግበር ጻዕሪ ሰጊሩ ድምጹ ክስማዕ ይደሊ።