ኣብ ሱዳን ዓሰርተ ኣርባዕተ ሰልፈኛታት ከም ዝተቐትሉ ሓካይም ገሊጾም

ኣብ ሱዳን ንዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ ብምቅዋም ኣብ ጎደናታት ንዝካይድ ዘሎ ኣሽሓት ዝሳተፍሉ ሰላማዊ ሰልፍታት ንምብታን ሓይልታት ጸጥታ ብዝቶኮስዎ ጠያይቲ 14 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ሓካይም እታ ሃገር ገሊጾም።
ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም፡ ኣብ ልዕሊ ካልእ ጉጅለ ተቓወምቲ ድማ መንብዒ ጋዝ ከምዝተቶኮሶም'ውን ምንጭታት ገሊጾም።
ነጠፍቲ ሱዳን፡ እዛ ዕለት ሓደ ሲቪላዊ መራሒ ካብቲ ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ስልጣኑ ዝርከበሉ ግዜ እዩ ነይሩ'ሞ ንዘክራ ብዝብል ህዝቢ ናብ ጎደናታት ወጺኡ ተቓውምኡ ከስምዑ ጻውዒት ይገብሩ ኣለዉ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ዝመርሐ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል-ቡርሃን ነቲ ናይ ሓባር መሰጋገሪ መንግስቲ ኣፍሪሱን ንሲቪላዊ መራሕቲ ኣሲሩን ንርእሱ ሓላፊ ሓድሽ ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ገይሩ ሸይሙ ኣሎ።
ሓይልታት ጸጥታ ብወገኖም ናይ ሓይሊ ስጉምቲ እናወሰዱ እንተኾኑ'ኳ፡ ሰብኡት፣ ኣንስቲ ህጻውንቲ ናብ ጎደናታት ወጺኦም ተቓውሞ የስምዕ ኣለዉ። ሓይልታት ጸጥታ ጭካነ ዝተመልኦ ስጉምቲ ይወስዶ ከምዘለዉ ዘርእኡ መረዳእታት ይወጽኡ ኣለዉ።
ኣብ ዝተፈለላለዩ ከባብታት፤ ጉጅለታት ተቓውሞ ባንዴራ ሱዳን ከንበልብሉን ነቲ ሰራዊት ከኹንኑን ተራእዮም።
እቶም ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ቃልሲ ዘካይዱ ዘለዉ ሰልፈኛታት ሓያል ድጋፍ ማሕበረሰብ ዓለም ኣለዎም።
ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ እቲ ሰራዊት ካብ ተግባሩ እንተዝእረም፡ እቲ ብፍላይ ኣብዚ እዋን ንሱዳን ኣዝዩ ዘድልያ ገንዘባዊ ሓገዝ ምተለቐቐ ነይሩ ኢሉ።
ኣመሪካ ንሱዳን ቃል ዝኣተወቶ ገንዘባዊ ሓገዝ፡ ነቲ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ስዒቡ ምእጋዳ ዝዝከር እዩ።
ሓለፍቲ ጸጥታ እታ ሃገር ግን፡ ብናቶም መገዲ ጥራይ ዝጓዓዙ ዘለዉ ይመስሉ፤ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ስጉምቲ ምውሳድ ቀጺሎምሉ ኣለዉ።
እንተኾነ እዚ፡ ነቶም ተባዓት ሰልፈኛታት ሱዳን ካብ ምቅዋም ንድሕሪት ኣየበሎምን። ነዚ እዩ ድማ፡ ሱዳን ኣብ ኣዝዩ ወጥሪ ዝመልኦ ኩነታት እትርከብ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







