ሱዳን፡ ኣንጻር ዕልዋ መንግስቲ ዝካየድ ሰለማዊ ሰልፊ ይቅጽል ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ነቲ ኣብ ሱደን ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ዝቃወሙ ሱዳናውያን፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ንዝርከብ ዓበይቲ ጎደናታት ብኣእማን ብምሕጻር ተቓውምኦም የስምዑ ኣለዉ።
ኣብቲ ብቀዳም ዝነበረ ሰለማዊ ተቓውሞ፡ ኣካላት ጸጥታ ኣብ ከባቢ ከተማ ኡንዱርማን ንዝነበሩ ሰልፈኛታት ንምብታን ብዝተኾስዎ መንብዒ ጋዝ ሰለስተ ሰባት ከምዝተቐተሉ ካብ ኣብያተ ሕክምና ሱዳን ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልክት።
ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሱዳን ናብ ሰልፈኛታት ዝኾነ ጥይት ከምዘይተተኮሰ ገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ወተሃደራዊ ሓይሊ እታ ሃገር ንቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክን ገለ ሲቪላውያን ሚኒስተራትን ኣብ ቀይዲ ብምእታው ዕልዋ መንግስቲ ከምዝገበሩ ይዝከር።
ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ቮከር ፓርተስ፡ ብሰንበት ንዓብደላ ሓምዶክ ናብ መንበሩ ቤቱ ብምኻድ ኣዘራሪብዎ።
ቮከር ፓርተስ፡ ዓበደላ ሓምዶክ ጽቡቕ ከምዘሎ ብምሕባር ክሳብ ሕጂ ናይ ገዛ ሕዩር ኮይኑ ከምዘሎ ንማዕከናት ዜና ገሊጹ።
ቮከር ፓርተስ ብምስዓብ "ብዛዕባ ተኽእሎታት ዕርቕን መጸኢ ዕድል ሱዳንን ተመያይጥና ኣለና" ክብል'ውን ተዛሪቡ።
ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ብመሪሕነት ዘካየዶ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ድሕሪ እቲ ዕልዋ መንግስቲ ብሰኑይ ንኹሉ ሲቪላዊ ምሕደራ ከምዘደስከሎ ምግላጹ ይዝከር።
እቲ ጀነራል ኣብ ሱዳን ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ብምድንጋግ፡ እቲ ዕልዋ መንግስቲ ንሱዳን ካብ ኵናት ሓድሕድ ንምድሓን ኢሉ ዝተገበረ ምዃኑ እኳ እንተገለጸ፡ ካብ ብዙሓት መንግስታትን ዓለምለኻውያን ትካላትን ሓያል ኩነኔ ኣጋጢምዎ ይርከብ።
እቲ ብቀዳም ዝተኻየደ ሰለማዊ ሰልፊ እቲ ዝሓየለን ዝበዝሐ ሰብ ዝተሳተፈሉን እዩ ነይሩ። እቶም ባንዴራ ሱዳን ዝሓዙ ሰልፈኛታት "ኣይፋል ንወተሃደራዊ ምሕደራ" ብምባል ክጭድሩ ተሰሚዖም።
ኣባል ኮሚተ ተቓውሞ ሱዳን ዝኾነ ሻሀን ኣል ሻሂፍ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "እዚ ሰለማዊ ሰልፊ፡ ዋል ጥይት እናተተኮሰና ብዘይጎነጽ ክንቅጽሎ ኢና" ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ኣካላት ጸጥታ ብዝተፈጠረ ጎንጺ፡ 10 ካብቶም ሰለማዊ ሰልፊ ዘካይዱ ዝነበሩ ሰባት ከምዝተቐተሉ ዝዝከር እዩ።
እቲ ዕልዋ ዘካየደ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ኢንተርኔትን መስመራት መራኸቢታትን ዓጽዩዎም'ዩ ዘሎ።
ን30 ዓመታት ንሱዳን ዝመርሓ ዑመር ኣልበሽር ኣብ 2019 ካብ ስልጣን ምስ ተኣለየ፡ ክሳብ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ፡ ስልጣን ኣብ ሞንጎ ሲቪላውያንን ወተሃደራውያን ሓይልን ብምምርቓሕ'ዩ ክካየድ ጸኒሑ።
ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ኣብ 2023 ብምርጫ ንዝተዓወተ መንግስቲ ስልጣን ከረክብ ምዃኑ'ዩ ገሊጹ ዘሎ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







