ሱዳን፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ሱዳን ወተሃደራዊ ሓይሊ ስልጣን ምሓዙ ኮኒኑ

ኣብ ሱዳን ኣንጻር እቲ ዕልዋ መንግስቲ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ተዋውሞ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ እቲ ኣብ ሱዳን ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ብቅልጡፍ ሲቪላዊ መንግስቲ ከቑምን ተኣሲሮም ዘለዉ ፖሎቲከኛታት ክፍትሑን ተማሕጺኑ።

ጆ ባይደን፡ ነቲ ብሰኑይ ብጀነራል ዓበደል ፈታሕ ኣል ቡርሃን ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ ብምቅዋም ናብ ጽርግያ ኣብ ዘወጽኡ ሰልፈኛታት ጎነጻዊ ሓይሊ ምጥቃም ደው ክብል’ውን ብትሪ ጸዊዑ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ “ናብ ወተሃደራውያን ሰብመዚ ሱዳን እነሕልፎ መልእኽቲ ብሩህ’ዩ፡ ህዝቢ ሱዳን ብሰላማዊ መንገዲ ተቓውምኡ ከስምዕ ክፍቀዶ ኣለዎ፡ እቲ ሲቪላውያን መራሕቲ ዝርከብዎ ኣብ ስልጣን ዝነበረ መንግስቲ ኸኣ ናብ ቦትኡ ክምለስ ኣለዉ” ኢሉ።

ኣቐድም ኣቢሎም ዓረብ ሊግ፡ ሕብረት ኣውሮጳን ካልኦት ዓለምለኻውያን ማሕበራትን ውድባትን ነቲ ንሰኑይ ኣብ ሱዳን ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ምኹናኖም ዝዝከር ኮይኑ፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን’ውን ተጸንቢርዎም ኣሎ።

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ መግለጺኡ ነቲ ኣብ ሱዳን ዝተበገሰ ህዝባዊ ሰውራ ኣብ መዓልብኡ ንምብጻሕ ኣብ ጎኒ እቲ ዘይጎነጻዊ ቃልሲ ህዝቢ ሱዳን ከምዝኸውን ነሊጹ።

ብመሰረት ካብ ሱዳን ዝተረኸበ ሕክምናዊ ጸብጻባት ኣብቲ ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ሰለማዊ ሰልፊ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝቖሰሉን ቁጽሪ ምውታት 11 ከምዝበጽሕን ይግለጽ።