ናይጀርያ፡ ነብሱ ክሸይጥ ኣብ ጎደናታት ዓዳጊ ክእልሽ ዝተረኸበ ውልቀሰብ ኣብ ቀይዲ ውዒሉ

ምንጪ ስእሊ, Aliyu Idris
ኣብ ናይጀርያ ግዝኣት ካኖ፡ ፖሊስ ንሓደ "ብሰንኪ ድኽነት" ንባዓሉ ናብ ዕዳጋ ዘቕረበ መንእሰይ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘውዓሎ ተሓቢሩ።
ወዲ 26 ዓመት ኣሊዩ ኢድሪስ ዝተባሃለ መንእሰይ ንባዓሉ ክሸይጥ ናብ ዕዳጋ ከምዘቕረበ ዝገልጽ ሓበሬታ ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ብስፍሓት ምስተዘርግሐ 'ሚስባህ' ብዝበሃሉ እስላማዊ ፖሊስ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ'ሎ።
ኣዛዚ ፖሊስ ሃሩን ኢብን፤ ተግባር እቲ መንእሰይ ብሃይማኖት ስለዘይፍቀድ'ዩ ኣብ ቀይዲ ክውዕል ዝተገበረ ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።
"ብሰሉስ ኣብ ቀይዲ ኣውዒልናዮ ኣለና። እቲ ተግባር ኣብ ሃይማኖት ምስልምና ዝተኸልከለ እዩ። ዝኾነ ይኹን ሰብ ዋላ ኣብ ጸገም እንተሃለወ ንነብሱ ክሸይጥ ኣይክእልን" ኢሉ።
ብስፌት ክዳን ዝናበር ዝነበረ መንእሰይ ኣሊዩ፤ በቶም ሃይማኖታዊ ፖሊስ ኣብ ቀይዲ ቅድሚ ምውዓሉ፤ ኣብ ከቢድ ሕጽረት ገንዘብ ከምዘሎ ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ ነይሩ።
በዚ ምኽንያት ኣብ ባኮ ዝተጸሓፈ ዋጋ ኣብ ክሳዱ ኣንጠልጢሉ ክወጽእ ከምዝተገደደ ድማ ኣረዲኡ።
ንነብሱ ዝተመነላ ዋጋ ከኣ 20 ሚልዮን ናይራ [ገንዘብ ናይጀርያ] ክኸውን ከሎ፤ እዚ ድማ ኣስታት 50 ሽሕ ዶላር ኣሜሪካ ይበጽሕ።
ንመጠን እቲ ገንዘብ ከፊሉ ንዝዕድጎ ሰብ ድማ ብምሉእ ልቡ ከግልግሎ ምዃኑ ሓቢሩ ነይሩ።
"ብሰንኪ ድኽነት'የ ናብዚ ውሳነ በጺሔ። ዝዕድገኒ ሰብ እንተረኺበ ፍርቂ ካብቲ ዝረኽቦ ገንዘብ ንስድራይ ክህቦም'የ" ክብል'ውን ተዛሪቡ።
ዝፍጽሞ መሸጣ ሕጋዊ ክኸውን ከምዘለዎ ዝወሰነ ኣልዩ "ካብቲ መሸጣ ንመንግስቲ ዝግባእ 12 ሽሕ ዶላር ግብሪ ንምኽፋል" ድልው ምዃኑ ኣብቲ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት ሓቢሩ ምንባሩ ተፈሊጡ።
ብዘይካ'ዚ "ዓዳጊ ንኽረክብ ዝሕግዞ ደላሊ እንተረኺቡ 5 ሽሕ ዶላር ክኸፍሎ ድልው'የ፤ ዝተረፈ ገንዘብ ድማ ንባዓለይ ይጥቀመሉ" ክብል ብፖሊስ ቅድሚ ምትሓዙ ንጋዜጠኛታት ገሊጹ ነይሩ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







