ፊሊፕንስ፡ 25 ሚልዮን ዶላር ዘውጽእ ዕንቊ ባሕሪ ኣብ ኢድ ዘይሕጋውያን ነጋዶ ተታሒዙ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ፊሊፕንስ ኣስታት 200 ቶን ዝምዘን ብዘይሕጋውያን ነጋዶ ዝተኣከበ ዋግኡ 25 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ገዘፍቲ ዕንቊ ባሕሪ (ሼል) ተታሒዙ።
ኣርባዕተ ጥርጡራት ኣብ ደሴታዊት ዞባ ፓላዋን ተታሒዞም ኣለዉ።
ዝበዝሐ ማያዊ ክፋል ዞባ ደሴት ፓላዋን ህይወታዊ ብዙሕትነት ንምዕቓብ ተባሂሉ ዓሳ ከይግፈፎ ዝተሓዘአ ቦታ እዩ።
ተለጋጊቦም ዝዓብዩ ሰንሰለታዊ ዑንቊ ባሕሪ ክሳብ ልዕሊ ክልተ ሜትሮ ክገዝፉ ዝኽእሉ ኮይኖም ኣስታት 250 ኪሎ ግራም ከኣ ክምዘኑ ይኽእሉ።
ዑንቊ ባሕሪ ወይ ሸል ኣብ ስርዓተ-ማሕድሮ ህይወታዊ ብዙሕነት ናይ ፍጥረታት ማይ ኣዝዩ ወሳኒ ተራ ከም ዘለዎም እዩ ዝእመን።
ኣብ ዓለም ካብ ዝርከብ ዓይነት ሸላት፡ እቲ ዝበዝሐ ኣብ ማያዊ ክፋል ፍሊፕኒስ እዩ ዝርከብ።
ኣብ ዞባ ፓላዋን ውሃቢ ቃል ባይቶ ዘላቂ ምዕባለ ጆቪክ ፋቤሎ ካብቲ ዝተታሓዘ ዓይነት ሸላት እቲ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ዓይነት ሼል ዝኾነ ትሪዳክና ጊጋስ ከም ዝርከቦ ገሊጹ።
ጆቪክ ፋቤሎ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል "ከምዚ ዓይነት ሼል (ዑንቊ ባሕሪ) ካብ ከምዚ ዓይነት ተፈጥሮኣዊ ሃፍቲ መዝሒቕካ ምውሳድ ጽልውኡን ሃስያኡን ንወለዶታት ዝሰጋገር ገበን እዩ" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንሱ ብምስዓብ "ምዕናው እቲ ሰፈር ብዙሓት ዓይነት ፍጥረታታት ባሕሪ ዝኾነ ሼል ነቲ ስርዓተ-ማሕድሮ ህይወታዊ ብዙሕነት ብርኡይ ጸልይዎ ኣሎ። እቲ ጽልውኡ ግን ዝያዳ ኣብ መጻኢ እዩ ክኸውን" ኢሉ።
ትሪዳክና ጊጋስ፡ መግቢ ዓሳታት ዝኾነ ናይ ባሕሪ ሰበባ ዘፍሪ ኮይኑ መዕቀል ብዙሓት ዓይነታት እንስሳታት ባሕሪ እዩ።
ኣብ ውሽጢ እቲ ትሪዳክና ጊጋስ ዝርከብ ዑንቍን ኣብ ውሽጢ እቲ ዑንቊ ዝርከብ ስጋን ብዘይሕጋውያን ገፈፍቲ ተደላዩ እዩ።
ዕንቊ ባሕሪ ንመጋየጺ ዝውዕል ሓደ ካብ ክቡራት ጸጋታትት እዩ።
ኣብ ፍሊፕኒስ ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ተፈጥሮኣዊ ሃብትታት ምዕናው ኮነ ምስራቕ ክሳብ 12 ዓመት ማእሰርትን 15 ሽሕ ፓውንድ ዘቕጽዕ ሕጊ ኣሎ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







