ኣማዞን ሰራሕተኛታቱ ቲክ-ቶክ ከይጥቀሙ ዝጠልብ ኢመይል 'ብጌጋ'ዩ ተሰዱዱ' ይብል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኩባንያ ዕዳጋ ኢንተርነት ኣማዞን፡ ሰራሕተኛታቱ ናይቲ ትካል ኢመይል ኣብ ዝኸፍቱሉ ሞባይል ቴለፎናት፡ ነቲ ቪድዮ ዝዝርግሕ መተግበሪ (ኣፕ) 'ቲክቶክ' ክድምስሱ ዝጠልብ ኢመይል፡ ብጌጋ ከም ዝሰደደ ኣፍሊጡ።
እቲ ዓርቢ ንጉሆ ንሰራሕተኛታት ኣማዞን ዝተሰደደ ኢመይል፡ ብምኽንያት ናይ ጸጥታ ስግኣት ነቲ መተግበሪ ካብ ሞባይላቶም ክድምስሱ ዝሓትት እዩ ነይሩ።
ብቻይናዊ ኩባንያ ዝውነን መተግበሪ 'ቲክቶክ'፡ ሓበሬታ ናብ ቻይና የቐብል እዩ ዝብል ስግኣት ፈጢሩ ቀንዩ እዩ።
ቲክቶክ ግና ብዛዕባ ሻቕሎት ኣማዞን ዝፈልጦ ከም ዘይብሉ ኣፍሊጡ።
"ሎሚ ንጉሆ ንገለ ሰራሕተኛታትና ዝተሰደደ ኢመይል ብጌጋ እዩ። ብዛዕባ ቲክቶክ ብዝምልከት ኣብዚ እዋን ኣብ ፖሊሲታትና ዝኾነ ሓድሽ ነገር የሎን" ክብል ወሃቢ ቃል ኩባንያ ኣማዞን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
እንተኾነ ግና እቲ ብዓርቢ ናብ ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ዝተሰደደ ብርክት ብዝበላ መራኸቢ ብዙሓን ዝተርኣየ ኢመይል፡ እቲ መተግበሪ ካብ ቴለፎናት ክድምሰስ ዘገድድ እዩ ነይሩ።
"ብምኽንያት ናይ ጸጥታ ስግኣት፡ መተግበሪ ቲክቶክ: ናይ ኣማዞን ኢመይል ኣብ እትርእዩሉ ሞባይል ምጽዓን ኣይፍቀድን እዩ።
"ቲክቶክ ጽዒንኩም እንተለኹም፡ እሞ ኢመይልኩም ክትከፍቱ እንተደሊኹም፡ ክሳብ ሓምለ 10 ክትድምስስዎ ኣለኩም" ይብል።
ቲክቶክ ግና ቅድሚ እቲ ኢመይል ምዝርግሑ ካብ ኣማዞን ዝኾነ ሓበሬታ ከም ዘይበጽሖ ኣፍሊጡ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







