ጀፍ ቤዞስ፡ 2 ቢልዮን ዶላር ንግዳም ሓደር ክልግስ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኣማዞን ጆፍ ቤዞስ፡ ብዘጣየሶ ትካል ግብረ ሰናይ መጽለሊ ንዘይብሎም ድኻታት መንበሪ ኣባይትን፡ ኣብያተ ትምህርትን ንምህናጽ 2 ቢልዮን ዶላር ክልግስ ኢዩ።
ስም እቲ ትካል ግብረ ሰናይ፡ 'ደይ ዋን ፋንድ' ከም ዝበሃል፡ ነቲ ዉጥን ኣብ ትዊተር ኣብ ዘዉጽኣሉ እዋን፡ ገሊጹ።
164 ቢልዮን ዝግመት ሃብቲ ከም ዘለዎ ዝግለጽ ቤዞስ ኣብ ግብረ ሰናይ ከም ዘይነጥፍ'ዩ ክዉቀስ ጸኒሑ።
ቤዞስ ኣብ 1994 ዝመስረቶ ኣማዞን ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ኣብ ኣሜሪካ ካብ ዝርከቡ ኩባንያታት ንኣፕል ስዒቡ ተሰሪዑ ኣሎ።
ቤዞስ ወላ'ኳ 2 ቢልዮን ንግብረ ሰናይ ከም ዝዉዕል እንተገበረ፡ ምስ ቢል ጌትስን ማርክ ዙከርበርግን ብምዉድዳር ብዙሕ ከም ዘይኮነ ብዙሓት ይዛረቡ።
ካብ መስረትቲ ማይክሮሶፍት ዝኾነ ቢል ጌትስ ብሽሙን ብሽም በዓልቲ ቤቱን ዘጣየሶ ቢል ኤንድ ሜሊንዳ ጌትስ ፋዉንዴሽን ኣቢሉ ልዕሊ 10 ቢልዮን ዶላር ንግብረ ሰናይ ንጥፈታት ወፍዩ ኢዩ።
መስራቲ ፌስቡክ ማርክ ዙከርበርግ ካብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝረኽቦ ኣታዊ 99 ሚእታዊ ናብ ግብረ ሰናይ ከም ዘዉዕሎ ተመባጺዑ ኢዩ።
ወናኒ ዋሽንግተን ፖስት ዝኾነ መስራቲ ኣማዞን፡ ቤዞስ 'ብሉ ኦሪጅን' ኣብ ዝተሰየመ ናይ ህዋ ፐሮጀክት ይሰርሕ ከም ዘሎ ገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







