ኣብ ሱዳን ከም ብሓድሽ ኣብ ዝተልዓለ ተቓውሞ 5 ሰልፈኛታት ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, EPA
ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ ሓሙሽተ ሰላማዊ ሰባት ከምዝተቐትሉ ማሕበር ማእከላዊ ኮሚቴ ደኳትር ሱዳን ኣፍሊጡ።
እቲ ማሕበር ከምዝበሎ፡ እቶም ኣርባዕተ ብጥይት ቆሲሎም ዝሞቱ ኾይኖም፡ እቲ ሓደ ድማ ብምኽንያት ካብ ፖሊስ ብዘተፈነወ መንብዒ ጋዝ እዩ ሞይቱ።
ፖሊስ ናብ ሰልፈኛታት ጥይት ከምዘይተኮሰን፡ ተመጣጣኒ ሓይሊ ከምዝተጠቕመን እዩ ዝገልጽ።
ሃገራዊ ቴሌቪዝን ሱዳን ድማ፡ ኣብቲ ናይ ትማሊ ቀዳም ተቓውሞ ሰልፊ 39 ፖሊስ ከምዝቖሰሉ ጸብጺቡ።
እዚ ጎንጺ ዝተመልኦ ተቓውሞ፡ መራሕቲ ሰራዊት ነታ ሃገር ዝመርሕ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ምጥያሾም ስዒቡ እዩ ተወሊዑ ዘሎ።
ጀነራል ቡርሃን፡ እቲ ሓበራዊ ሲቪል-ሰራዊት ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ኣፍሪሱ ንሲቪላዊ መራሕቲ እታ ሃገር ኣብ ቀይዲ ምእታዉ ዝዝከር እዩ።
እዚ ስጉምቲ ወተሃደራዊ መራሕቲ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ሰፊሕ ተቓውሞ ኣተኣናጊዱ ይርከብ።
ካብኡ ጀሚሩ ድማ፡ ኣብታ ሃገር ዲሞክራስያውን ሲቪላውን መሰጋጋሪ መንግስቲ ንክጣየሽ ዝሓቱ ሰልፈኛታት ናብ ጎደናታት ካርቱም ወጺኦም ተቓውሞ የስምዑ ኣለዉ።
ትማሊ ቀዳም ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ግና፡ ኣብ ቅድሚ ሓያሎ ሓይልታት ጸጥታ እዩ።
ጎናጎኒ’ውን ኣብ ፓሪስን በርሊንን ሓዊሱ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ተኻይዶም እዮም።
ኤኤፍፒ፡ ኣብ’ቲ ኣብ ካርቱም ዝካየዱ ዝነበሩ ሰልፍታት ተቓውሞ ሰልፈኛታት፡ “ ወተሃደራዊ ኣገዛዝኣ ኣይንቕበልን!” እናበሉ ይጭርሑ ነይሮም ኢሉ።
እቲ ኮሚቴ ደኳትር፡ እዩ እቶም ሓሙሽተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ዝገለጸ ኣብ ፌስቡክ ገጹ ኾይኑ፤ እቲ ጉጅለ ከምዝብሎ ካልኦት ብዙሓት ሰባት ድማ ቆሲሎም ኣለዉ።
ከምኡ ድማ፡ ሓይልታት ጸጥታ ናብ ከተማ ዖምዱርማን ናብ ሓደ ሆስፒታል ብምእታው ብርክት ዝበሉ ኣብ ቀይዲ ኣእትዮም ተባሂሉ።
ነዚ ዜና ስዒቡ፡ ኣብ ካርቱም ዝርከብ ኢምባሲ ኣመሪካ ‘ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ንዲሞክራስን ነጻነትን ዘይመጣጠን ሓይሊ’ ከምዝተጠቕሙ ኣብ ትዊተሩ ኣፍሊጡ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







