ሱዳን፡'ፈተነ ዕልዋ' ስዒቡ ላዕለዎት ጀነራላት ተኣሲሮም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ሱዳን ተኻይዱ ድሕሪ ዝተብሃለ ፍሹል ወተሃደራዊ ዕልዋ፡ ብርክት ዝበሉ ላዕለዎት ኣዘዝትን ኣባላት ናይቲ ኣብ ስልጣን ዝነበረ ሰልፊ ሃገራዊ ባይቶን ኣብ ቀይዲ ምእታዎም ሰራዊት ሱዳን ኣፍሊጡ።
እቲ ፈተነ ዕልዋ መኣስ ከም ዘጋጠመ ንጹር እኳ እንተዘይኮነ፡ ምናልባት ነቲ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ተኻይዱ ዝተባህለ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግለጽ።
ካብ መንጎ እቶም ዝተኣሰሩ፡ ሓለቓ ስታፍ ጀነራል ሓሽም ኣብደል ሞጣሊብ ኣሕመድ፡ ከምኡውን ኣዛዚ መካናይዝድ ብርጌድ፡ ሜጀር ጀነራል ናስር ኣልዲን ከም ዝርከብዎም ተገሊጹ።
ብዘይካ'ዚ ምክትል ፕረዚደንት ነበር በኪር ሓሰን ሳልሕን ኣብ እዋን ዑመር ኣልበሽር ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ በዓልስልጣንን ይርከብዎም።
እቲ ፈተነ ዕልዋ ነቲ ካብ ስልጣን ዝተኣለየ ሰልፊ ሃገራዊ ባይቶ ናብ ስልጣን ንምምላስ ዝዓለመ ከም ዝነበረ ካብቲ ሰራዊት ዝተውሃበ መግለጺ የመልክት።
ሓለቃ ስታፍ ጀነራል መሓመድ ኦትማን ኣልሑሴን፡ እቲ ፈተነ ዕልዋ፡ ነቲ ህዝቢ ሱዳን ዝሓልሞ ዘሎ ሲቪላዊ ምምሕዳር ንምዕንቃፍ ዝዓለመ እዩ ኢሉ።
ብኻልእ ሸነኽ፡ ተቓወምቲ ሰልፍታት ሱዳንን ምትሕብባር ተቓወምቲ ጉጅለታትን ኣብ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን ብኸመይ ክሳተፉ ከም ዝኽእሉ ዝቕይድ ስምምዕ ከም ዝኸተሙ መራኸቢ ብዙሓን ሱዳን ጸብጺበን።
ክልቲኦም ወገናት "ንምህናጽ ሲቪላውን ደሞክራስያውን ስርዓት" ሓቢሮም ክሰርሑ ከም ዝተሰማምዑ ባጅ ኒውስ ጸብጺቡ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







