ሱዳን፡ ኣብ ሃገራ ተዋፊሮም ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ዓቀብቲ ሰላም ክወጽኡ ሓቲታ

ሱዳን ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ግዝኣት ኣብዬ ክወጽእ ንውድብ ሕቡራት መንግስታት ሓቲታ

ምንጪ ስእሊ, UNITED NATIONS PEACEKEEPING/FB

ሱዳን፡ ዓቃቢ ሰላም ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ግዝኣት ኣቢዬ ወጺኡ ብኻልእ ክትካእ ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝሓተተት ተገሊጹ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን፡ "ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ምብራቓዊ ዶብ ሱዳን ይጠናኸር ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ሓይሊታት ኢትዮጵያ ስትራጂካዊ ኣብ ዝኾነ ማእከላዊ ክፋል ሱዳን ክጸንሑ ምግባር ምኽንያታዊ ኣይኮነን" ከም ዝበለ ወኪል ዜና ሱዳን ሱና ጸብጺቡ።

ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብጽን ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ብምትሕብባር ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ኣብ ኪንሻ ኣብ ዙርያ ህንጸት ግድብ ሕዳሰ ዘካይድኦ ዝነበራ ስሉሳዊ ዘተ ብዘይስምምዕ ምስ ተበተነ'ያ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ሚርያም ኣል ሳዲቅ ኣል ማህዲ ነዚ ተዛሪባ።

ሱዳን፡ ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ንነዊሕ ዓመታት ዘዋጥጣ ዝነበረ ኣብ ከባቢ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ዝርከብ ከባቢ ኣል ፋሻጋ ቅድሚ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ሰራዊታ ኣዋፊራ ከም ዝተቖጻጸረት ክትገልጽ እንከላ፡ ኢትዮጵያ ድማ ነቲ ስጉምቲ ብምኹናን እቲ ጸገም ብዘተ ክፍታሕ ትሓትት።

ብተወሳኺ፡ ክልቲአን ሃገራት በቲ ህንጸቱ ክዛዘም ከም ዝበለ ዝንገረሉ ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ፡ ኣብ መስርሕ ምምላእን ምፍናውን ማይ ዘለወን ኣፈላላይ ንምፍታሕ ብተደጋጋሚ ከካይደኦ ዝጸንሓ ዘተ ብዘይፍረ ተበቲኑ።

ሱዳንን ግብጽን ብሓባር፡ ምምላእ ማይ እቲ ግድብን ቀጻሊ ስራሕትን ኣመልኪቱ ኣብ ዝካየድ ዘተ ብሄራዊ ረብሐአን ዘረጋገጸ ክኸውን ይጠልባ።

85 ሚኢታዊት ማይ ሩባ ናይል እተመንጪ ኢትዮጵያ ድማ "ብሄራዊ ረብሓኣ ኣብ ዝጎድእ ስምምዕ ከምዘይትኣቱ" ዝገልጽ መርገጺ ብምሓዝ ትካታዕ።

በዚ ድማ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ኣብቲ ኣብ ኪንሻሳ ዝተኻየደ ዘተ ኢትዮጵያ "ቅቡልነት ዘይብሉ ዕንቅጽና" ብምጽብራቕ "ንዓለማዊ ሕጊ ብዝጻረር ኩነታት" ካልኣይ ዙርያ ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ከምእተሳልጥ ኣፍሊጣ እያ ክትብል ነቒፋ፡፡

እቲ ዘተ ብዘይምዕዋቱን ኣብ ዶብ እተን ሃገራት ብዘሎ ምስሕሓብን፡ "ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኣቢዬ ዘዋፈሮ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብካልእ ክትካእ ሱዳን ሓቲታ እያ’’ ክትብል እታ ሚኒስተር ገሊጻ፡፡

ብተወሳኺ ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ስምምዓት ትምርምሮ ከም ዘላ ዝገለጸት እታ ሚኒስተር፡ እዚ ግና ስደተኛታት ሓዊሱ ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ዝምልከት ከም ዘይኮነ ገሊጻ፡፡

ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዘመልክቶ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ግዝኣት ኣቢዬ ልዕሊ 3300 ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ትሕቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣውፊራ ትርከብ።

ኣብታ ግዝኣት ሰላም ክኽብር ዝጸንሐ ሰራዊት ጻንሒቱ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ዝዛዘመ ኮይኑ፡ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ስለ ዝተናውሐ ግና ኣብ ወርሒ ግንቦት ልእኽቶኡ ክዛዝም እዩ።