ሱዳን፡ ኣብ ዳርፉር 40 ሰባትን ድሕሪ ምቕታሎም ኣብቲ ዞባ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ተኣዊጁ

ዳርፉር

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብ ምዕራብ ሱዳን ኣብ እትርከብ ዞባ ዳርፉር፡ ብዓሌታዊ ጎንጺ 40 ሰባት ድሕሪ ምሟቶም ኣሽሓት ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ድሕሪ ምዝንባሎምን ሱዳን ኣብቲ ዞባ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ኣዊጁ።

በቲ ብቀዳም ኣብ ከተማ ኢል ጀነይና ኣብ ሞንጎ ጉጅለ ዓረብን ዓርብ ዘይኮኑ ዓሌት ማሳሊትን ዝጀመረ ግጭት 40 ሰባት ከምዝተቐተሉን 50 ሰባት ከምዝተሃሰዩን ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ሓቢሩ።

እቲ ኣብ ከተማ ኢል ጀነይና ዝጋጠመ ዓሌታዊ ግጭት ሰኑይ ምሸት ኣብ ከተማታት ሃይ ኣለ ጃባልን ኣል ማሪክን ኮይንካ እቲ ምልውዋጥ ቶኵሲ ይስማዕ ምንባሩ እቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝወጽአ ጸብጻብ የመልክት።

እቲ ጸብጻብ ብምስዓብ፡ ክልቲኦም ዓሌታት ሰቦምን ኣጽዋሮምን ኣብታ ከተማ ቀሪቦም ስለዘለዉ ከተማ ኢል ጀነይና ኣብ ከቢደ ወጥሪ ከምእትርከብ ሓቢሩ።

እቲ ኣብ ዞባ ዳርፉር ሰብኣዊ ሓገዛት ዘበርክት ትካል ናይ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ወጥሪ ክሳብ ዝሃድእ እቲ ክህቦ ዝጸንሐ ሓገዛት ከበርከት ከምዘይክእል ኣፍሊጡ ኣሎ።

ሕቡራት ሃገራት እታ ን700 ሽሕ ዝኾኑ ተጸበይቲ ረድኤት፡ ከም መከፋፈሊ ዝጥቀመላ ዝነበረ ከተማ በዚ ሓዲሽ ዓሌታዊ ጎንጺ ጸጥታዊ ኩነታታ ኣዝዩ ተዘሪጉ ብምህላዉ ንምንቅስቓስ ሰራሕተኛታት ውሃብቲ ረድኤት ኣጸጋሚ ኮይኑ ምህላዉ ገሊጹ ኣሎ።

ኣብ ወርሒ ጥሪ’ውን ኣብ ሞንጎ ዓሌት ማሳሊትን ተወለድቲ ዓረብን ብዝተለዓለ ዓሌታዊ ጎንጺ ብውሕዱ 129 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 108 ሽሕ ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ማእከላት ጥዕና ናይታ ከተማን ተዓቊቦም ከምዘለዉ ይፍለጥ።