ሃገር ካብ ከቢድ ሓደጋ ስለዘድሓነ’ዩ ማዕርግ ፊልድ ማርሻል ተዋሂብዎ - ጀነራል ባጫ ደበሌ

ምንጪ ስእሊ, FDRE Defense Force/fb
ኣብ ኢትዮጵያ ንፈለማ ግዘ ንኤታማዦርሹም ሰራዊት እታ ሃገር ዝተውሃበ ማዕርግ ‘ፊልድ ማርሻል’፡ ሃገር ካብ ከቢድ ሓደጋ ንዘድሓነ ሰብ ምብርካቱ ግቡእ’ዩ ክብል፡ ጀነራል ባጫ ደበሌ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ቅድሚ ሕደት መዓልታት ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገርን ቀዳማይ ሚኒስትርን ኣብይ ኣሕመድን ፕረዝደንት ሳህለ ወርቅን ኣብ ዝተረኸብሉ፡ ንጀነራል ብርሃኑ ጁላ መዓርግ ፊልድ ማርሻል ከምዝተውሃበ ይዝከር።
ኣብቲ ዕለት ዝተውሃበ ማዕርግ ፊልድ ማርሻል ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ፈላማይ ዝለዓለ ወተሃደራዊ ሽመት እዩ።
ኣብቲ ዕለት ካብ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ብተወሳኺ፡ ንካልኦት 100 ኣባላት ሰራዊት እታ ሃገር ዝተፈላለዩ ወተሃደራዊ መዓርግ ተዋሂቡ’ዩ።
መራኸቢ ሓፋሽ እታ ሃገር ንሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብምፅራሕ፡ ኣብቲ ዕለት ዝተውሃበ ማዕርግ ፊልድ ማርሻል፡ “ብኣመራርሓ እቲ ጀነራል ንሓይልታት ትግራይ ምምካት ስለዝተኽኣለን፡ ሃገር ካብ ውድቀት ስለዘድሓነን’ዩ” ክብል ፀብፂቡ ኔሩ።
እንተኾነ፡ እቲ ጀነራል ዝመርሖ ኵናት፡ ኵናት ሕድሕድ ከምዝኾነ ብምግላፅ፡ ነቲ ዝተውሃበ ማዕርግ ፊልድ ማርሻል ዝቃወሙ ብዙሓት’ዮም።
ኣብቲ ስነ-ስርዓት ሽልማት ካብ ሌተናል ጀነራል ናብ ማዕርግ ጀነራል ልዕል ዝበለ ባጫ ደበሌ ግና፡ ነቲ ኤታማዦር ሹም ዝተውሃበ ማዕርግ ፊልድ ማርሻል ትኽክልን ሕጋውን’ዩ ይብል።
ጀነራል ባጫ፡ ሃገራት ማዕርግ ፊልድ ማርሻል ብምሃብ ዝተፈላለየ ልምዲ ከምዘለወንን፡ እቲ ማዕርግ ንነዊሕ እዋን ንዘገልገለ ዝሃባ ከምዘለዋ ኹሉ፡ ንምኽባር ሕጊ ውዕሎ ግምባር መሰረት ብምግባር፡ ማዕርግ ፊልድ ማርሻል ዝህባ ከምዘለዋ ይገልፅ።
“ንኣብነት ሩስያ፡ ድሕሪ ምፍራስ ሕብረት ሶቪየት እቲ ሰራዊት ዳግማይ ንክጣየሽ፣ ዕጥቂ ኒኩሌር እታ ሃገር ንከይብተንን ሩስያ ዓባይ ኮይና ንኽትቅፅልን ንዘኽኣለ መኮነን፡ ንመወዳእታ ግዘ ማዕርግ ፊልድ ማርሻል ሂባ” ኢሉ።
ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ኵናት ዝተሳተፈ ኣሜሪካዊ ጆርጅ ዋሽንግተን ኣብ ሃገሩ ማዕርግ ፊልድ ማርሻል ከምዝተበርከተሉ ጀነራል ባጫ የረድእ።
"ጆርጅ ዋሽንግተን ኣብ ኵናት ሓድሕድ ኣሜሪካ ብዝፈፀሞ ጅግንነት፡ ማዕርግ ፊልድ ማርሻል ተዋሂብዎ’ዩ። ኣብ ዝኾነት ሃገር ኣብ እዋን ኵናት ብቕዓት ንዘርኣየ እዚ ማዕርግ ይወሃብ’ዩ” ይብል።
ብመሰረት እዚ ኢትዮጵያ “ናይ ውሽጢ ሃገርን ናይ ደገን ሓይልታት ነታ ሃገር ንምፍራስ ኣብ ዝተልዓልሉ እዋን” ንዘጓነፋ ከቢድ ሓደጋ ምእላይ ንዝኸኣሉ እዚ መዓርግ ምውሃቡ ቅኑዕ ውሳነ’ዩ ኢሉ።
“ኣብ ኢትዮጵያ ዝሰልጠነ ሓይሊ መሊሱ ክወግኣ’ዩ ተባሂሉ ኣይተገመተን። እዚ ሓድሽ ክስተት’ዩ። ምሉእ ዕጥቂ ሰራዊት ተመንጢሉ፣ ኢትዮጵያ ሰራዊት የብላን ምስተብሃለ፡ ተቓሊሱ ነታ ሃገርን ሰራዊታን ካብ ምብታን ንዘድሓነ. . . ማዕርግ ፊልድ ማርሻል ምሃብ ይንእሶ ይኸውን’ምበር ኣይበዝሕን” ብምባል፡ ጀነራል ባጫ ንቅኑዕነት እቲ ውሳነ የረድእ።
ማዕርግ ፊልድ ማርሻል ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት ይወሃብ ዝብል ምርኣይ ኣድላይ እዩ ዝብል ጀነራል ባጫ፡ “እቲ ጉዳይ ኵናት ሓድሕድ ወይ ዓለምለኻዊ ኵናት ስለዝኾነ ኣይኮነን። መራሒ እቲ ሰራዊት ብዘበርከቶ ግደ’ምበር” ይብል።
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዘብፀሖ ልዑል ጉድኣት፣ እቲ ኵናት ምትራፍን ዘብፅሖ ጉድኣት ምንካይን ኣብ ዘይተኽኣለሉ ኩነታት፡ ንመራሒ እቲ ሰራዊት ማዕርግ ፊልድ ማርሻል ምብርካቱ ግቡእ ኣይኮነን ንዝብል ተቓውሞ፡ ጀነራል ባጫ ኣይቕበሎን።
“እቲ ሰራዊት ልእኽትኡ እንተዘይፍፅም ኔሩ፡ ሕዚ ወያነ ኣብ ኣዲስኣበባ ኔሩ። ነዚ ዝብሉ ብሓቂ ኢትዮጵያውያን ኣይመስሉንን። ምኽንያቱ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ዝሓስብ ከምዚ ኣይብልን። እቲ ሰራዊት ተዓዊቱ’ዩ። ነዚ ድማ ኣፍና መሊእና ደረትና ነፊሕና ኢና ንዛረብ” ይብል።
እንተኾነ፡ ካብ ርእሰከተማ ኣዲስኣበባ ኣብ ቀረባ ርሕቐት በፂሖም ዝነበሩ ሓይልታት ትግራይ ንሰላም ዕድል ንምሃብ ብፖለቲካዊ ውሳነ ከምዘንሰሓቡ’ዮም ዝገልፁ።
ንትግራይ ዝመርሕ ዘሎ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ናብ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፡ ሓይልታት ትግራይ፡ ካብ ኩሉ ከባብታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከምዝሰሓቡን እቲ ኲናት ሰላማዊ ፍታሕ ንኽረክብ ዝዓለመ ምዃኑን ኣፍሊጡ’ዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ'ውን ሒዝዎም ዘሎ ከባብታት ሒዙ ከምዝፀንሕን ናብ ትግራይ ወተሃደራዊ ወፍሪ ከምዘየካይድን ኣፍሊጡ ኔሩ።
ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝን ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኔድ ፕራይስን፡ እዚ ምዕባለታት ንሰላም በሪ ዝኸፍት ምዃኑ ገሊፆም ኔሮም።
እንተኾነ፡ ኣብዚ እዋን እቲ ኲናት ዝርከበሉ ኩነታት ዘመልክት ጭቡጥ ሓበሬታ'ኳ እንተዘይተረኽበ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ውግእ ከምዘሎን ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኤርትራን መፅለሊ ስደተኛታትን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ናይ ኣየርን ድሮንን መጥቃዕትታት ቀፂሎም ከምዘለዉን ይግለፅ።
ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት ኣብ ዝነበረ ስነ-ስርዓት ዝለኣለ ወተሃደራዊ ማዕርግ ካብ ሞንጎ ዝረኸቡ ሓደ ዝኾነ ባጫ ደበሌ፡ እቲ ዝረኸቦ ዕብየት ማዕርግ ዝፈጠረሉ ስምዒት ንቢቢሲ ገሊፁ ኔሩ።
“ሰራዊት ብኣወዳድባ እንክሰፍሕ፡ ከምዚ ዓይነት መዓርግ’ዩ ዝወሃብ። ብኣንፃር ስፍሓት እቲ ሰራዊት ብዙሕ ስራሕ ኔሩ። እዚ ስራሕ ብብቕዓትን ጅግንነትን ብምፍፃሙ ድማ፡ በብብርኩ ንዘለዉ ኣባላት ሰራዊት ዕብየት ማዕርግ ተዋሂቡ። ኣነ’ውን ካብ ሞንጎ እዞም ሰባት ሓደ ብምዃነይ ተሓጕሰ’የ” ኢሉ።
እቲ ዕብየት መዓርግ “ሓጎስ ዝፈጥርን ዝበለፀ ስራሕ ንምስራሕ ሓይሊ ዝኾን’ዩ። ንሃገርና ንእንኸፍሎ መስዋእቲ ልዑል ግደ ስለዘለዎ ሓጎስና ወሰን የብሉን” ይብል ጀነራል ባጫ።
ካብ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ብተወሳኺ፡ ብቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ኣብይ ኣሕመድን ፕረዝደንት ሳህለ ወርቅ ዘውዴ ናይ ዝተውሃበ ብዝሒ ዝለዓለ ሹመት 100 እንትኾን፡ 4 ማዕርግ ጀነራል፣ 14 ማዕርግ ሌተናል ጀነራል፣ 24 ማዕርግ ሜጀር ጀነራልን 58 ማዕርግ ብርጋዲየር ጀነራልን ንኣባላት ሰራዊት እታ ሃገር ተዋሂቦም’ዮም።
እቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐን ንልዕሊ ሓደ ዓመት ዝቕፅልን ዘሎ ኲናት፡ ሂወት ኣሽሓት ሰባት በሊዑ፣ ጠንቂ ሰፊሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኮይኑ፣ ሚልየናት ካብ መረበቶም ኣመዛቢሉን ተፀበይቲ ህፁፅ ሰብኣዊ ረዲኤት ገይሩን ኣሎ።
ኣብታ ኣብ ሙሉእ ዕፅዋ ትርከብ ትግራይ 6.3 ሚልየን ህዝቢ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮ ዝተገለፀ እንትኾን፡ ሕቡራት ሃገራት ድማ 'ዕላዊ ዘይኮነ ዕፅዋ ብመንግስቲ ተኣዊጁ' ከምዘሎ እዩ ዝኸስስ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







