ካብ ማእሰርቲ ዝተፈትሑ ፖለቲከኛታት ኦሮሞ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ሰላማዊ ፍታሕ ክረክብ ጸዊዖም

ምንጪ ስእሊ, Jawar Mohammed/FB
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ማእሰርቲ ዝተፈትሑ ላዕለዎት መራሕቲ ሰልፊ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ (ኦፌኮ)፡ እቲ ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ኦሮሚያን ቤኒሻንጉል ጉሙዝን ዝካየድ ዘሎ ግጭታት ብሰላማዊ ድርድር ክፍታሕ ጸዊዖም።
ኣቶ ጃዋር መሓመድን ኣቶ በቀለ ገርባን፡ ኣብ ማሕበራዊ ገጻት እቲ ዝመርሕዎ ሰልፊ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ ድሕሪ ቅትለት ፍሉጥ ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ "ብግጉይ ኣገባብ" ን18 ኣዋርሕ ከምዝተኣስሩ ጠቒሶም።
ማእሰርቶም "ፖለቲካዊ" ከምዝነበረ ዝገለጹ እቶም ክልተ ፖለቲከኛታት፡ "ክንእሰር ዝተገብረሉ ምኽንያት ገዛኢ ሰልፊ ብምርጫ ዝሓሸ ድምጺ ንክረክብ ካብ ፖለቲካዊ መድረኽ ንክንግለል ዝተሓስበ'ዩ" ኢሎም።
ኣብ ማእሰርቲ ኣብ ዝነበርሉ እዋን፡ ኣብታ ሃገር ሓያሎ ኣሉታዊ ለውጥታት ከምዝተኸሰቱ ብምጥቃስ ድማ፡ እቶም ክስተታት ንደሞክራስያዊ ምስግጋር ዝነበረ ተስፋ ምጽልማቶም ጥራይ ከይኣክል፡ እታ ሃገር ናብ ዝኸፍአ ኲናት ሓድሕድ ሸሚሞማ ኣለዉ ክብሉ ነቒፎም።
ጃዋርን ኣቶ በቀለን ኣብ መግለጺኦም፡ ኣብ ክልላት ኦሮሚያ፡ ትግራይ፡ ቤኒሻንጉል ጉሙዝ፡ ዓፋርን ኣምሓራን ኣብ ሲቪላውያን ዝበጽሐ ጉድኣት ዘሕዝን'ዩ ክብሉ ጽሒፎም ኣለዉ።
ኣብ መወዳእታ ሰነ 2020 ድሕሪ ሞት ስነጥበባዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ጃዋር መሓመድን ኣቶ በቀለ ገርባን ዝርከቦም 35 ውልቀሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታዎም ይዝከር።

ምንጪ ስእሊ, Samuel Bekele
ፈደራል ፖሊስ ኮሚሽንን፡ ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኦሮሚያን ኣብቲ እዋን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺታት፡ ሓለውቲ ጃዋር ሒዞሞ ዝነበሩ ብረታትን ናይ ርክብ ሬድዮታትን ተታሒዙ ከምዘሎ ጠቒሶም።ብመሰረት እቲ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ 9 ከላሽናት፡ 5 ሸጓጉጥን፡ 9 ሬድዮታት ርክብን ካብቶም ሓለውቲ ከምዝመንዝዑ ገሊጾም ነይሮም።
ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንክልቲኦም ፖለቲከኛታት ኦሮሞ፡ ፍሉጥ መራሒ ህወሓት ነበር ኣቶ ስብሓት ነጋን ሓፍቱ ወ/ሮ ቅዱሳን ነጋን፡ ፍሉጥ ፖለቲከኛ ኣምሓራን መራሒ ባልደራስ ንሓቀኛ ደሞክራስን ኣቶ እስክንድር ነጋን ዝርከብዎም ናይ ፖለቲካ እሱራት "ብምሕረት" ምፍትሑ ይፍለጥ። ድሒሩ ግን ሰብመዚ ኢትዮጵያ፡ ብምሕረት ዘይኮነ ክሶም'ዩ ተሳሒቡ ዝብል ተጋራጫዊ መገለጺታት ክህቡ ቀንዮም ኣለዉ።
"ኣብ ብሄራዊ ብዙሕነት መሰረት ዝገበረ ሓድነትን ሰላምን ክብል መንግስቲ ዝተወሰኑ እሱራት ብምሕረት ፈቲሑ'ሎ" ክብል ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ፈለማ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሱ ነይሩ።
ጃዋርን በቀለ ገርባን ድሕሪ ምፍትሖም ኣብ ዝሃብዎ ናይ መጀመርታ መግለጺ፡ ኣብ ዝሓለፉ 13 ኣዋርሕ ኣብታ ሃገርን ህዝብታታን ዝወረደ ጉድኣት'ኳ ምቕያር እንተዘይተኻእለ፡ ተወሳኺ ዕንወት ንከይስዕብ ንምግባር ጸቢብ ዕድል ከምዘሎ ሓቢሮም።
እዚ ተግባራዊ ንኽኸውን ድማ፡ መንግስቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዘውጽኦን ሰላምን ምርድዳእን ንምፍጣር ዘርኣዮ እወታዊ ምላሽ ብጭቡጥን ዘይቅየርን ተግባራት ክረጋገጹ ኣለዎም ኢሎም።
"ኣብ ኦሮሚያ፡ ትግራይ ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ዝካየዱ ዘለዉ ውግኣት" ብሰላማዊ ልዝብ ዝተበጽሐ ምቁራጽ ተጻብኦታት ክሳብ ዝግበር ኩሎም ተዋጋእቲ ኣካላት ንጹሃን ዜጋታትን መሰረተ-ልምዓትን ክሕልዉ ጸዊዖም።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ፡ ብሰላም ክውዳእን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ምርግጋእን ክሰፍን፡ ናይ ወጻኢ ኣካላት እወታዊ ግደ ክጻወቱ'ውን እቶም ፖለቲከኛታት ተማሕጺኖም።
ብዘይካ'ዚ፡ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ሃገራትን ማሕበረሰብ ዓለምን ነቲ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ደው ንምባል፡ ኩሎም ወገናት ናይቲ ግጭት ናብ መኣዲ ዘተ ክመጹ ብሓደ ድምጺ ጸቕጢ ክግብሩ ኣለዎም ኢሎም።
ገለ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ንኹሎም ወገናት ናይቲ ኲናት ፖለቲካዊን ንዋታዊን ደገፋት ብምሃብ ነቲ ግጭት ካብ ምግዳድ ክቑጠቡ'ውን እቶም ፖለቲከኛታት ጸዊዖም ኣለዉ።
ህዝቢ'ውን ነቲ ዝግበር ወተሃደራዊ ናይ ክተት ጻዊዒታት ከይቅበል፡ ከምኡ'ውን ሜድያታት እታ ሃገር ናይ ሓደ ወገን ትረኻታትን ናይ ጽልኢ ፕሮፖጋንዳን ካብ ምቅላሕ ክሕየቡ ተማሕጺኖም።
ብዛዕባ ቅትለት ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ብዝምልከት ድማ፡ ተኣማኒነት ዘለዎ መርመራ ክግበር ጠሊቦም። ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ ኣባላትን ደገፍትን ናይቲ ዝመርሕዎ ሰልፊን ውድብ ግንባር ናጽነት ኦሮሞን ክፍትሑ'ውን ሓቲቶም ኣለዉ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







